ጣዕሚ ቢራ ብለውጢ ክሊማ ናይ ምብልሻው ሓደጋ ኣንጸላልይዎ - ተመራመርቲ

ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ንጽሬትን ጣዕምን ቢራ ይቕይሮ ከምዘሎ ተመራመርቲ ኣጠንቂቖም።

ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ደረጃ ፅፈት ናይቲ ንቢራ ፍሉይ መሪር ጣዕሚ ዝፈጥረሉ ‘ሆፕስ’ ዝተብሃለ ዓይነት ተኽሊ ዕምባባ እናወረደ ይኸይድ ኣሎ።

ውዑይ፣ ዝተናውሐን ደረቕን ሓጋይ ነቲ ኩነታት ከም ዘጋድዶን ዋጋ ቢራ ክቡር ክኸውን ከም ዝኽእልን ይግመት።

ነዚ ውፅኢት ዝፀሓፉ ተመራመርቲ፡ ሓረስቶት ሜላ ሕርሻኦም ከመዓራረዩ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ቢራ ኣብ ኣውሮጳ ኣዝዩ ዝውቱር ዓይነት መስተ ኮይኑ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ 8.5 ቢልዮን ‘ፓይንት’ (ፍርቂ ሊትሮ ዝዕቀን ቢራ እትሕዝ ብርጭቆ) ከምዝሽየጥ ማሕበር ቢራን ኣብያተ-መስተን ብሪጣንያ ይሕብር።

ዕምባባ ተኽሊ ሆፕስ፡ ኣብ መስርሕ ምድላው ቢራ ጎኒ ጎኒ ማይ፣ መቧዅዕትን ቡቝልን ብራብዓይ ዝስተራዕ ወሳኒ ቀመም እዩ። ጥዕሚ ምረት ንምውሳኽ ብዝብል ድማ ይሕወስ።

ካብ ፋብሪካ ወፃእ ኣብ ገዛ ቢራ ናይ ምፅማቝ ጥበብ ብዝለዓለ ደረጃ ይሰፍሕ ኣብ ዘለሉ እዚ እዋን፡ ጠለብ ፍሉይ ሓያል መኣዛ ዘለዎም ቢራታት እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ልዑል ጽሬት ዘለዎ ሆፕስ ምጥቃም ኣገዳሲ ኮይኑ’ሎ።

እዚ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ 1971ን 1994ን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ 1995ን 2018ን ሽታ ተኽሊ ሆፕ ብኸመይ ከም ዝተቐየረ ዝገምገመ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ወሰንቲ ሆፕ ዘፍርዩ ከባቢታት፡ ዳርጋ 20 ሚኢታዊት ምንቁልቋል ውፅኢት ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ።

ዋጋ ቢራ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2020 ዝተኸሰተ ለበዳ ኮቪድ-19 ብ13 ሚኢታዊት ወሲኹ ኣሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ዝቕባበ ዋጋታት ወጻኢታት ጸዓት ከምኡ’ውን ድሕሪ ወራር ዩክሬን ዘጋጠመ ቅልውላው ቀረብ ጋዝ እዩ።

እቶም ተመራመርቲ ከምዝበልዎ እቲ ንጣዕሚ ቢራ ዝጸሉ ኣብ ተኽሊ ሆፕስ ዝርከብ መሪር ኣሲዳዊ ባእታ መጠኑ ዝነከየ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ዝለዓለን ኣዝዩ ጽንኩርን ሙቐት እዩ።

እቲ መጽናዕቲ፡ እቲ መሪር ኣሲድ ኣብ 2050 ክሳብ 31 ሚአታዊት ክጎድል ምዃኑ ይግምት።