እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈረንሳ፡ መስተታት ወይኒ ንምውጋድ 200 ሚሊዮን ሰሊዓ
መንግስቲ ፈረንሳ፡ መስተታት ወይኒ ንምውጋድን ኣፍረይቲ ንምሕጋዝን 200 ሚሊዮን ዩሮ ሰሊዓ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ክንዲ ወይኒ ቢራ ይመርጹ ምህላዎምን ኣብ ዓውዲ ጣዕሚ ዘለዎም ኣልኮላዊ መስተታት ዘጋጠመ ጸገም ስዒቡ ዝተፈጥረ ምዝሕሓል ድልየት ወይኒ ምህላው ይግለጽ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ ዓቐን ፍርያት ወይኒ ከም ዘሎን ምኽባር ዋጋታት ኣብቲ ዓውዲ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘሕደሩን ተሓቢሩ።
በዚ ምኽንያት፡ መንግስቲ ካብ ዝሰልዖ 200 ሚሊዮን ዩሮ መብዛሕትኡ ትካላት ንነዊሕ ግዜ ክጸንሑ ዝኽእሉ ምህርታት ንክዕድጉ ንምሕጋዝ ከም ዝውዕል ኣመልኪቱ።
እቲ ኣልኮላዊ መስተ ድማ፡ ኣብ ከም መጽረዪ ኢድ ኣልኮል (ሳኒታይዘር)፣ ምህርታት ጽሬትን ሽቶን ዝኣመሰሉ ነገራት ንኽውዕል ክሽየጥ እዩ።
ልዕሊ ዓቐን ምህርቲ ንምንካይ ድማ ንኣፍረይቲ ወይኒ ምህርታቶም ናብ ከም ኣውሊዕ ዝበሉ ካልኦት ምህርታት ንክልውጡ ገንዘባዊ ሓገዝ ክግበረሎም’ዩ።
ሚኒስትሪ ሕርሻ ማርክ ፌስኖው፡ “መንግስቲ ፈረንሳ ምውዳቕ ዋጋታት ጠጠው ንምባልን ኣፍረይቲ ወይኒ ምንጪ እቶት ንክረኽቡ ንምሕጋዝን” እቲ ገንዘብ ናብቲ ዓውዲ ንክኣቱ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።
እቲ ዓውዲ ንምሕጋዝ ቅድም ኢሉ ሕብረት ኤውሮጳ ሓገዝ 160 ሚሊዮን ዩሮ ክገብር እንከሎ፡ ሕጂ ድማ መንግስቲ ፈረንሳ ሓገዝ 200 ሚሊዮን ዩሮ ወሲኹ ኣሎ።
እንተዀነ፡ መጻኢ ዕጫ ዓወዲ ወይኒ ምርኣይ፣ ለውጥታት ተጠቀምቲ ኣብ ግምት ምእታውን ምስኡ ምልማድን ከም ዘድሊ እቲ ሚኒስትር ተዛሪቡ።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ጣልያን 7 ሚኢታዊት፣ ስፔን 10 ሚኢታዊት፣ ፈረንሳ 15 ሚኢታዊት፣ ጀርመን 22 ሚኢታዊት፣ ፖርቹጋል ድማ 34 ሚኢታዊት ምንካይ ጠለብ ወይኒ ከም ዝተራእየ ሓበሬታ ኮሚሽን ኤውሮጳ የመልክት።
ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ኣፍራዪ ወይኒ ዝዀነ ዞባ ዘሎ ምህርቲ ወይኒ ግን ብ4 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ሓቢሩ።