ፕረዚደንት ብሩንዲ 'ዕልዋ ተፈቲንዎ' ንዝብል ወረ ነጺጉ

ፕረዚደንት ብሩንዲ ኢቫሪስተ ንዳዪሽሚየ ሰንበት ምሸት ካብ መገሽኡ ናብ ሃገሩ እናኣተወ

ምንጪ ስእሊ, Burundi presidency/X

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ብሩንዲ ኢቫሪስተ ንዳዪሽሚየ ሰንበት ምሸት ካብ መገሻኡ ናብ ሃገሩ እናኣተወ

ፕረዚደንት ብሩንዲ ኢቫሪስተ ንዳዪሽሚየ፡ ኣብቲ ንሱ ናብ ኩባን ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራትን ንምስታፍ ንኽልተ ሰሙን ካብ ሃገሩ ወጻኢ ዝነበረሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተፈጺምዎ ዝብል ክንዛሕ ዝጸንሐ ወረታታት ብምዅናን ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ካብ ሃገሩ 10 መስከረም ምስ ወጽአ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣንጻሩ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘተኻየደ ዝገልጽ ዘረባታት ብዙሓት ሰባት ክቀባበልሉ ተራእዮም’ዮም።

መበገሲ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ወረ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን ዘሎ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰንበት ምሸት ካብ መገሻኡ ምስ ተመለሰ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃል፡ ነቲ ወረ “ብሩንዲ ሕማቕ ስእሊ ንኽህልዋ ወትሩ ዝጽዕሩ ሰባት” ዝነዝሕዎ ዘረባ ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

ብሩንዲ ኣብ ታሪኻ፡ 10 ዕዉታትን ዝፈሸሉን ዕልዋታት መንግስቲ ዝተኻየደላ ሃገር’ያ።

ፕረዚደንት ብሩንዲ ኢቫሪስተ ንዳዪሽሚየ ኣስዒቡ፡ “ምናልባት ቀደም ኣብዛ ሃገር ከምኡ ይግበር ነይሩ ይኸውን ሕጂ ግን ልብና ረጊኡ፡ ጽባሕ ብሰላም ናብ ስራሕና ከምእንወፍር ፈሊጥና ለጥ ኢልና ኢና ንሓድር ዘለና” ኢሉ።

ብሰንበት፡ ፕረዚደንት ኢቫሪስተ ንዳዪሽሚየ ቅድሚ ናብ ብሩንዲ ምእታዉ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ብኤክስ [ትዊተር ነበር] ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ዝተባርዐ ገዛ የለን” ብምባል ሰባት በቲ ዘሎ ሕሜታታት ከይግደሱ ተማሕጺኑ ነይሩ።

ወዲ 55 ዓመት ፕረዚደንት ብሩንዲ ኢቫሪስተ ንዳዪሽሚየ፡ ነቲ ብሃንደበታዊ ሕማም ዝሞተ ፕረዚደንት ንኩሩንዚዛ ብምትካእ’ዩ ካብ 18 ሰነ 2020 ጀሚሩ ንብሩንዲ ዝመርሕ ዘሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድሚ ሰሙን’ውን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኮንጎ ብራዛቪል ንልዕሊ 39 ዓመታት ዝመርሓ ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶ ዕልዋ መንግስቲ ተፈቲንሉ ዝብል ወረ ተቓሊሑ ምንባሩን እታ ሃገር ካብ ሓቒ ዘርሓቐ ምዃኑን ሓቢራ ነይራ’ያ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ነቲ ወዲ 79 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶ ካብ ስልጣን ንምእላይ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም ዝብል ዜና’ዩ ተናፊሱ ነይሩ።

ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶ ብተመሳሳሊ ኣብቲ ፕረዚደንት ብሩንዲ ኢቫሪስተ ንዳዪሽሚየ ዝተሳተፎ መበል 78 ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝገሸሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብድሕሪኡ ካብ ስልጣን ንምዕላዉ ፈተነ ከምዘተኻየደ’ዩ ተዘሪቡ ነይሩ።

ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ቴሪ ማንጎላ ብ 17 መስከረም ብመገዲ ኤክስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቲ ዝተናፈሰ ዜናታት ስኑዕ ከምዝዀነ ድሕሪ ምግላጽ “ኵሉ ነገራት ርጕእ ከምዘሎ ብምርግጋጽ ሰብ ናብ ኵሉ ንጥፈታቱ ከም ቀደሙ ብህድኣት ክኸይድ ይኽእል’ዩ” ምባሉ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ መዳውብቲ ኮንጐ ዝዀነት ጋቦን ወተሃደራት እታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ስልጣን ተቘጸጺሮም ይርከቡ።

ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶን ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገር ኣብ 1979 ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ’ዩ ስልጣን ሒዙ።

ኣብ 1992 ኮንጐ ብራዛቪል ንመጀመርታ ግዜ ብዙሓት ሰልፍታት ዝተሳተፋኦ መረጻ ኣብ ዘካየደትሉ ተሳዒሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብታ ሃገር ኵናት ሓድሕድ ምስ ተወልዐ ኣብ 1997 ዳግማይ ናብ ስልጣን ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንፕረዚደንት ኢኳተርያል ጊኒ ቴዎዶር ኦባንግን ናይ ካሜሩን ፓል ብያን ተኸቲሉ እቲ ሳልሳይ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝተቐመጠ ፕረዚደንት’ዩ።