ሰብ መዚ ኮንጎ ብራዛቪል ኣብታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ከምዘይተፈተነ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮንጎ ብራዛቪል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ነታ ሃገር ን39 ዓመታት ዝመርሓ ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶ ዕልዋ መንግስቲ ተፈቲንሉ ዝብል ትማሊ ዝተቓልሐ ዜናታት ነጺጋቶ።
ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ነቲ ወዲ 79 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶ ካብ ስልጣን ንምእላይ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም ዝብል ዜና ክናፈስ ውዒሉ’ዩ።
ፕሪዚደንት ደኒስ ንጉሶ ኣብ መበል 78 ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ከምዝገሸ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብድሕሪኡ ካብ ስልጣን ንምዕወላዉ ፈተነ ከምዘተኻየደ’ዩ ተዘሪቡ።
ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ቴሪ ማንጎላ ብኤክስ [ትዊተር ነበር] ትማሊ ኣማስይኡ፡ እዚ ዝናፈስ ዘሎ ዜናታት ስኑዕ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ “ኩሉ ነገራት ርጉእ ከምዘሎ ብምርግጋጽ ሰብ ናብ ኩሉ ንጥፈታቱ ከም ቀደሙ ብህድኣት ክኸይድ ይኽእል’ዩ” ኢሉ።
ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኮንጎ ብራዛቪል’ውን እቲ ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ ዝብል ዘረባ ሓሶት ምዃኑ ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኣ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ ዕዉትን ፍሹል መንግስታዊ ዕልዋታት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ መዳውብቲ ኮንጎ ዝኾነት ጋቦን ወተሃደራት እታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ስልጣን ተቖጸጺሮም ይርከቡ።
ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶን ኣብታ ብነዳዲ ሃፍታም ዝኾነት ሃገር ኣብ 1979 ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ’ዩ ስልጣን ሒዙ።
ኣብ 1992 ኮንጎ ብራዛቪል ንመጀመርታ ግዜ ብዙሓት ሰልፍታት ዝተሳተፈኦ ምርጫ ኣብ ዝካየደትሉ ተሳዒሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብታ ሃገር ኵናት ሓድሕድ ምስ ተወለዐ ኣብ 1997 ዳግማይ ናብ ስልጣን ተመሊሱ።
ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንፕረዚደንት ኢኳተርያል ጊኒ ቴዶሮ ኦባንግን ናይ ካሜሮን ፓል ብያን ተኸቲሉ እቲ ሳልሳይ ንዝነወሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝተቐመጠ ፕረዚደንት’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







