ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ጋቦን ዝሃቦ ተስፋታት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓድሽ ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ጋቦን፡ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት ሓድሽ መረጻ ከተካይድ ከም ዘለዋ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ጁንታ ነጻን ፍትሓውን መረጻ ክካየድ ቃል’ኳ እንተኣተወ፡ ገደብ ግዜ ግን ኣየቐመጠን።
ይዅን እምበር ረይሞንድ ንዶንግ ሲማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መረጻ "ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክግበር ከምዘለዎ ኣብ ዘሕተምክዎ ሰነድ ገሊጸ ኣለኹ" ኢሉ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት እውን ግዜ ክውሰን ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓሊ ቦንጎ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ጀነራል ብሪስ ኦሊጉይ ንጒማ ግዝያዊ ፕረዚደንት ጋቦን ድሕሪ ምዃኑ እዩ፡ ረይሞንድ ንዶንግ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኰይኑ ዝተሸመ።
ዓሊ ቦንጎ፡ ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣቦኡ ተኪኡ ካብ 2009 ጀሚሩ ነታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክመርሕ ጸኒሑ እዩ። ስድራቤት ቦንጐ ምስታ ኣብ ጋቦን መግዛእታዊት ሓይሊ ዝነበረት ፈረንሳ ጽኑዕ ርክብ ከም ዝነበሮም ይፍለጥ።
ፈረንሳ ዝርከባኦም ሃገራት ኣፍሪቃን ምዕራባውያንን እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኰኒነን እየን።
ሲቪላት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ለውጢ ብሓጐስ ዝተቕበልዎ ይመስሉ።
ይዅን እምበር፡ ጀነራል ንጒማ መብዛሕትኡ ግዜኡ ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬል ቦንጐ ስለ ዘሕለፈ፡ ስልጣኑ ካብቲ ስድራቤታዊ ስልጣን ዝተፈልየ ክኸውን ድዩ ዝብል ስክፍታ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ እንታይ ዝተቐየረ ነገር ኣሎ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "እቲ ዝተቐየረ ነገር እንተሃልዩ፡ ሰራዊት ንህዝቢ ምቕጥቃጥ ገዲፉ ኣሎ፡ ኣብተን ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዝምለሳ ክነተኩር ኢና ዝብል መብጽዓ ኣለና" ክብል ንቢቢሲ ምላሽ ሂቡ።
ጋቦን ካብቲ ዝሓለፈ ስርዓት ርሒቓ ናብ ዲሞክራሲ ንኽትሰግር ግዜ ከም ዝወስድ ወሲኹ ገሊጹ።
"ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝገዝአት ስድራቤት ፖለቲካዊ ጽልዋኣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ከብቅዕ ኣይክእልን፤ ምኽንያቱ ዘይቀጥታዊን ቀጥታዊን ጽልዋ ስለዘሎ" ኢሉ።
እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ትሕቲ ዓሊ ቦንጎ ኣገልጊሉ እዩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ክልተ መረጻታት ኣንጻሩ ተወዳዲሩ ነይሩ።
ዓሊ ቦንጎ ብብልሽውና ብዝቐረበሉ ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ጻውዒታት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።
ይዅን’ምበር ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ጋቦን ነበር ሕጋዊ ክሲ ከም ዘይቀርብ’ውን ሓቢሩ ኣሎ።
"ንሰባት ዘገድስ ነገር እንተሃልዩ፡ ነቲ ክሲ ዘይምኽፋት'ዩ ዝመስለኒ። ኣብዚ ህሞት'ዚ ክሲ ምኽፋት ተግባራዊ ዝኸውን ኣይመስለንን።"
ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ቦንጎ ን7 ዓመታት ዝጸንሐ መርመራ ኣካይዳ፤ እታ ስድራቤት፡ ትሽዓተ ምቾት ዘለወን መካይንን ዝርከብዎም ብዙሕ ንብረት ከም ዘለዋ ኣቃሊዓ። ይዅን’ምበር እቲ መርመራ 2017 ተሰሪዙ’ዩ። እቶም ስድራቤት ድማ ንዅሉ ክስታት ብትሪ ይነጽጉ።
ዓሊ ቦንጎ ብሓሙስ ካብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐን፡ ካብታ ሃገር ወጺኡ ሕክምናዊ መርመራ ክገብር ነጻ ከም ዝዀነን እቲ ጁንታ ገሊጹ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ወቕዒ ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣብ ሞሮኮ ሕክምና ከም ዝተወሃቦ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







