መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምቁጽጻር ትግራይ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፌደራል ሰራዊት 70% ክልል ትግራይ ከምዝተቖጻጸሩ ገሊጾም።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “70% ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ቁጽጽር ምክልኻል ኢትዮጵያ” ኣትዩ'ሎ ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብቶም ኣብትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት መንግስቲ ዘይኮኑ ከባቢታት ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ “ቅድሚ ሕጂ ብዘይተረኣየ መገዲ ይውሕዝ ኣሎ” ክብል ገሊጹ።
እንተኾነ ግን፡ 35 መግቢ ዝጸዓና፡ ካልኦት 3 መድሃኒት ዝሓዛ መካይን ጥራይ ከምዝተላእካ'ዩ ጠቒሱ።
ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጌታቸው ረዳ'ውን ነቲ ሓበሬታ ከምዝነጸጎ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
"ኣብ ግምት ዝተመስረተ ህጹጽ መረዳእታ" ክብል ጌታቸው ምላሽ ከምዝሃበ እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።
ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ እቲ ክልል ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ጀሚሩ ብዘይገደብ ክኣቱ ምዃኑ ገሊጹ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ድሕሪ ሰዓታት ድማ "መግቢ ዝጸዓና 35 መካይን፡ መድሃኒት ዝጸዓና 3 መካይን ድማ ናብታ ከተማ በጺሐን ኣለዋ። በረራታት ተፈቒዱ ኣሎ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ብተወሳኺ መሰረታዊ ግልጋሎት ዳግም ናይ ምጅማር ስራሕ ይሳለጥ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።
"መሰረታዊ ኣገልግሎታት ይቕጽሉ ኣለዉ" ዝበለ እቲ ብዓልስልጣን፡ ነቲ ግጭት ንምቁራጽ ብመንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣገልግሎት ክጅመር ጽቡቕ ዕድል ዝፈጥር'ዩ ኢሉ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ትማሊ ሓሙስ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ግጭት ንምቁራጽ ስምምዕ እኳ እንተተበጽሐ መግቢ ይኹን መድሃኒት ናብ ትግራይ ከምዘይኣቱ ዘሎ ገሊጹ እዩ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፤ “ዝኣቱ ነገር የለን። . . . ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብቕጽበት መግብን መድሃኒትን ናብቲ ዞባ ክኣቱ ትጽቢት ነይሩኒ። እዚ ኩነታት ግን ኣይፍጸምን ዘሎ" ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ጥምየትን ብሕክምናዊ ፍወሳ ክፍወሱ ዝኽእሉ ሕማማትን ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
እቲ ብቐንዱ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝእለ ዘሎን፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ኡሁሩ ኬንያታን ብመንጐኝነት ዝመርሕዎ ዘለውን ዘተ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለው መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ምዃኑ ኣሜሪካ ሓቢራ ነይራ።
ኣብ መንጎ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወከልቲ ትግራይን ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሎሚ ዓርቢ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይን ተራኺቦም ንኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ዝምልከት ይዛተዩ ከምዘለው ጸብጻባት ይሕብሩ።
ክልቲኦም ወከልቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ክዘራረቡ ጸኒሖም እዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ነቲ ክልተ ዓመቱ ዝመልአ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መኸተምታ ንምግባር፡ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ን10 መዓልቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ብ 2 ሕዳር ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ምፍራሞም ይዝከር።
እቲ ስምምዕ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዳግማይ ክጅመርን ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ዝጠልብ እዩ።
ኣብቲ ክልል ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት መግብን መድሃኒትን ብህጹጽ የድልዮም ከምዘሎ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







