ኣብ መቐለ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ልዕሊ 220 ሽሕ ቴሌፎን ተደዊሉ

ድሕሪ ልዕሊ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌፎን ምጅማሩ ስዒቡ ኣብ መላእ ሃገርን መላእ ዓለምን ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ምስ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ይራኸቡ ኣለዉ።

ኣብ መቐለ ኣገልግሎት ቴሌፎን ደንጉዩ’ኳ እንተነበረ ረቡዕ ምሸት 19 ታሕሳስ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ክሰርሕ ጀሚሩ።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ድማ ልዕሊ 220 ሽሕ ስልኪ ናብታ ከተማ ተደዊሉ'ሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ቴሌፎን ነቲ ዳግማይ ዝተመለሰ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስዒቡ ዝጀመረ ክኸውን ከሎ ኢትዮ ቴሌኮም ብሰንኪ ኲናት ዝተበላሸዉ መስመራት ፋይበርን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ክጽግን ከም ዝጸንሐ ይገልፅ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ፍሬህይት ታምሩ ብረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 27 ከተማታትን ከባቢታትን ኣገልግሎት ቴሌፎን ክረኽባ ከም ዝተገበረ ሓቢራ ነይራ።

ነዚ ስዒቡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ተፈላልዮም ዝነበሩ ብዙሓት ስድራቤታትን ፈተውትን ዳግማይ ዝተራኸቡ ኮይኖም፡ ገሊኦም ግን ኣገልግሎት ቴሌፎን ኣብ ዝጀመረሉ ከባቢታት ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎ ይገልጹ።

ዋና ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ኢትዮቴሌኮም ኣቶ መሳይ ውብሸት፡ እቲ ኣገልግሎት ንኣስታት ክልተ ዓመት ተቛሪጹ ከም ዝጸንሐን ብዙሓት ካብተን ሲም ካርድታት ዘይክሰርሓ ከም ዝኽእላን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብመሰረት ኣሰራርሓ ኢትዮቴሌኮም፡ ሓደ ሲም ካርድ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጥቕሚ እንተዘይውዒሉ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ይዕገት’ዩ።

ይኹን እምበር እቲ ክልል ኣብ ኲናት ምጽንሑ ኣብ ግምት ብምእታው ኢትዮ ቴሌኮም ዓማዊል ዘጋጠሞም ጸገም ንምፍታሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣቶ መሳይ ሓቢሩ።

ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት፡ ክልል ትግራይ ካብ ኩሉ መስመራት መራኸቢታት ተቖሪጻ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኢትዮ ቴሌኮም፡ እቲ ኣገልግሎት ኣብቲ ክልል ንምጅማር ልዕሊ 980 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ መስመራት ፋይበር ክጽግን ነይርዎ።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ኣስታት 30 ከተማታት ትግራይ ግልጋሎት ቴሌፎንን ምስኡ ዝተሓሓዙ ካልኦት ግልጋሎታትን ክጅመር ከም ዝኸኣለ ገሊጹ።

ኣገደስቲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዝብሃሉ ከም ኤሌክትሪክ፣ ቴሌፎንን ኣገልግሎት ባንኪን ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ስለ ዝኾኑ ድሕሪ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እዩ ኣገልግሎት ቴሌፎን ንምጅማር ዝስራሕ ዘሎ።

ኣገልግሎት ቴሌኮም ምጅማሩ ስዒቡ ድማ ኣገልግሎት ባንኪ ይጅመር ኣሎ። ክሳብ ሕጂ 61 ጨናፍር ዝተፈላለያ ባንክታት ኣገልግሎት ክህባ ከምዝጅመራ ይግለፅ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ክዝርጋሕ ምዃኑ’ውን መንግስቲ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲን መንግስቲ ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ምስ ተፈረመን እቲ ግጭት ምስ ተቛረጸን ኣብቲ ክልል መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግማይ ስርሖም ይጅምሩ ከም ዘለው ይግለፅ።

ኣብዚ ስምምዕ’ዚ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምምችቻው ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግማይ ንምጅማር ካብ ፌደራላዊ ሰራዊት ወጻኢ ዝኾኑ ካልኦት ሓይልታት ካብቲ ክልል ክስሕቡ ከምኡ’ውን ሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑን ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሎም ከም ዝተሰማምዑ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ንትግባረ እቲ ስምምዕ ዘድሊ ኩሉ ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም እዮም።