ፕረዚደንት 'ፈጣሪ ንዝገበሮ በረከትን ምሕረትን እነመስግነሉ እዩ' ዝበሎ ካቴድራል ባይቶ ተቓዊሙዎ

ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ጋና ኣክራ ብስነ-ጥበባዊ ጦብላሕታታት ናይ ሓደ ስነ-ህንጻዊ መስተንክር ዝተለኽየ ጽሑፋት፡ ኣዒንቲ ነቲ ኣብ ካልእ ሸነኽ እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ከይርእያ ጋሪዶምዎ ኣለው።

ከከም ሓታቲኡ፡ እቲ ሚልዮናት ዶላር ወጻኢ ተገይሩሉ ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ ‘ሃገራዊ ካቴድራል ጋና’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ፕሮጀክት፡ ምልክት ቁጠባዊ ብኽነት እታ ሃገር ወይ ስትራተጂካውን ተባዕን ወፍሪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጋና መብዛሕትኡ ግዳማዊ ዕዳኣ ብኣድማዒ መንገዲ ክትመልስ ድሕሪ ምኽኣላ ፕሬዝደንት ናና ኣኩፎ ኣዶ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣብ ልዕሊ ነቐፍቲ ላግጺ ሸው ብምባል ኣብቲ ሃይማኖታዊ ህንጻ ዘለዎ ውፉይነት ከም ዘሐይል ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ እቲ ህንጻ ዝስርሓሉ ቦታ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ጸሎት ተረኺቡ: እቲ "ሃገራዊ ካቴድራል ልኡል ፈጣሪ ንህዝብና ንዝገበሮ በረከት፣ ሞገስ፣ ጸጋን ምሕረትን እነመስግነሉ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

እግዚኣብሄር፡ ጋና ገለ ካብተን ምስ ብዙሓት ጸጥታዊ ብድሆታት ክገጥማ ዝጸንሓ ጎረባብታ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓዊሱ ካብቲ ንብዙሓት ሃገራት ዘሳቐየ ግጭት ኣድሒኑዋ’ዩ ኢሉ።

ድሕሪኡ እቲ ፕረዚደንት፡ ወጻኢታት ህንጸት እቲ ካቴድራል ዝድግፍ ሸሞንተ 8 ሽሕ ዶላር ውልቃዊ ወፈያ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ።

እዚ፡ ኣብታ 70 ሚኢታዊት ህዝባ ክርስቲያን ዝዀነት ሃገር ዝህነጽ ካቴድራል ንኹሎም ክርስትያን ዝኸውን ቅዱስ ቦታ ክኸውንን ሃገራዊ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ክካየደሉ ዝኽእልን ቦታ እዩ ይብሃል።

ፕሬዝደንት ኣኩፎ-ኣዶ ኣብ ዙርያ እቲ ፕሮጀክት ዘርኣዮ ተዋፋይነት ግን ንርእይቶ ህዝቢ ኣብ ክልተ መቒሉዎ ኣሎ።

መብዛሕትኡ ወጻኢታት ብወፈያታት ዝሽፈን ኰይኑ፡ እታ ሃገር ነቲ መሬትን ገለ ምወላ ትህብ ምህላዋ ግን መንግስቲ ኣብዚ ቁጠባዊ ጸገም ዘለዎ እዋን ክሳብ ሕጂ ዘውጽኦ መጠን ገንዘብ - ኣስታት 58 ሚልዮን ዶላር - ኣብ ሕቶ ኣእትዮም ኣለዉ።

ብተወሳኺ እቲ ፕሮጀክት ገንዘብ ብዘይኣግባብ ይጠፍእ ኣሎ ዝብል ክስታት ኣልዒሉ’ዩ።

ጨረታ ዲዛይን እቲ ህንጻ ንውሩይ ብሪጣንያዊ-ጋናዊ ኣርኪቴክት ሰር ዴቪድ ኣድጃየ ምሃቡ’ውን ሕቶታት ከም ዘልዓለን እዚ ኩነታት ምስ ገለ ላዕለዎት መራሕቲ ክርስትያን (ዝበዝሑ ኣባላት ቦርድ እቲ ሃገራዊ ካቴድራል’ዮም) ምትፍናን ፈጢሩ ምህላውን ይግለጽ።

ሰብ መዚ ነዚ ክስታት ይነጽግዎ። እቲ ቦርድ ድማ ፋይናንሳዊ ኦዲት ክግበር ከም ዘጽደቐን ባይቶ’ውን ውዕላት ዝተዋህበሉ ኣገባብ ክምርምር ከም ዝተሰማምዐን ሓቢሩ።

ጋናዊ ተመራማሪ ስነ-ቑጠባ ቲዮ ኣቸኣምፖንግ፡ ህሉው ቁጠባዊ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋጋ ባጤራ፣ ምንካይ ዕቑር ሃብቲ ወጻኢን ውጥረት ፋይናንስ መንግስትን ሓዊሱ ቀዳምነታት መንግስቲ ኣብ ዘይቦትኦም ይውዕሉ ኣለው ኢሉ ይኣምን።

"እዚ ናይ ወለዶ ቅልውላው እዩ፤ ዝቕባበ ዋጋ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት’ዩ ዘሎ፣ እታ ሃገር ዕዳኣ ክትመልስ ስለ ዘይከኣለት መንግስቲ ወጻኢታት ክንኪ ተገዲዱ’ዩ። ከምኡ'ውን ኣብዚ እዋን'ዚ መንግስቲ ካብ ዓለምለኸ ትካላት 3 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ይሓትት ኣሎ፤ እቲ ካቴድራል ነዛ ሃገር ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኰነን" ይብል።

ፕሬዝደንት ኣኩፎ-ኣዶ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ምርጫ 2016 ድሕሪ ምዕዋቱ፡ እቲ ካቴድራል ከም ዝህነጽ ኣዊጁ፤ እቲ ኣርክቴክት ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ነቲ ፕሮጀክት ወሲዱ።

ህንጸት እቲ "ምስጋና ኣምላኽ” ኢሉ ዝገለጾ ካቴድራል ግን ብ2022 (ንካልኣይ ግዜ ድሕሪ ምምራጹ ድሕሪ ክልተ ዓመት) ጥራይ እዩ ጀሚሩ።

ኣባላት ባይቶ ግን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ መንግስቲ ተወሳኺ ባጀት 6.3 ሚልዮን ዶላር ክጸድቀሉ ዝሓተቶ ሕቶ ብዘይምጽዳቘም ሕጂ ድምጺ እቶም ከበድቲ ማሽነሪታትን እቲ ካቴድራል ኣብ ዝህነጸሉ ቦታ ዝውዕሉ ሰራሕተኛታትን የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ ኣበርክቶ ዝገበረ ኣባል ባይቶ ሳም ጆርጅ ፍሉጥ ነቓፊ ናይቲ ፕሮጀክት ኰይኑ፡ ንመንግስቲ ንምንቃፍ ወንጌል ሉቃስ ሓድሽ ኪዳን ኣልዒሉ።

"ሓደ ካባኻትኩም ሓደ ህንጻ ክሰርሕ ይደሊ’ዩ ንበል። መጀመርያ ንዕኡ ክውድኣሉ ዝኽእል እኹል ገንዘብ እንተሃልዩዎ ንምፍላጥ ኰፍ ኢሉ ክሓስብ ኣይግባእን? ምኽንያቱ ሰረት ኣንቢርካ ክትውድኦ እንተዘይክኢልካ ኩሉ የባጭወልካ፤ 'እዚ ሰብ ህንጻ ጀሚሩ ክውድኦ ግን ኣይከኣለን’ ኢሉ የላግጸልካ” ኢሉ።

እቲ ፕሮጀክት፡ ኣብ መንጎ ህንጻ ባይቶ፣ ብሄራዊ ትያትርን ኣህጉራዊ ማእከል ዋዕላን ኣብ ዝርከብ ትሽዓተ ሄክታር መሬት ዝዓረፈ እዩ።

ኣቐዲሙ ንዳያኑ ዝኸውን መንበሪ ኣባይቲ ተታሒዙ ዝነበረ ቦታ ስለ ዝዀነ እዚ ንኽፈርስ ዝተዋህበ ውሳነ ናይ ገዛእ ርእሱ ክትዕ ኣልዒሉ’ዩ።

ህንጸት እዚ ስነ-ጥበብን ባህልን ጋና ዝተላበሰ ካቴድራል ንምዝዛም ኣብ ዝግበር ወፍሪ ምትእኽኻብ ገንዘብ ካብ ጋናን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጽኡ ስነ-ጥበባውያን ክሳተፉ እዮም።

ብመሰረት እቲ ትልሚ እቲ ቀንዲ ህንጻ 5000 ቀወምቲ መናብርን ንካልኦት ኣሽሓት መናብር ዝኸውን ቦታ ዘለዎ፣ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ፣ ቤተ-ስእሊ ስነ-ጥበብ፣ ድኳናት፣ ናይ መቓብር ቦታ ዘለዎን ኣብ ኣፍሪቃ ፈላሚ ቤተ መዘክር ቅዱስ መጽሓፍ ዝሓዘን ክኸውን እዩ።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ነቶም ነቐፍቲ መንግስቲ ዝፈጠረሎም ተምሳጥ የለን።

ኣባል ባይቶ ጆርጅ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ንውልቃዊ መብጽዓ ኣምላኽ ንምምዋል ክውዕል የብሉን" ኢሉ።

ንሱ ነቲ ካቴድራል፡ ነቲ ብመራሒ ናጽነት ኣይቬሪኮስት ፌሊክስ ሁፎውት-ቦይኒ ዝተሃንጸ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበ ቤተ ክርስቲያን ባዚሊካ እመቤት ሰላም ያሞሱክሮ ብምምስሳል "ከንቱ ፕሮጀክት” ክብል ነቒፉዎ።

"ንሕና ክርስትያን ኢና፤ መንግስቲ ግን ህንጸት ሃይማኖታዊ ህንጻ ክምውል የብሉን" ይብል ጆርጅ።

እንተዀነ እቲ ንፕሮጀክት ሃገራዊ ካቴድራል ክመርሕ ብፕረዚደንት ዝተመዘዘ ፖል ኦፖኩ-መንሳህ፡ ኣብ ተግባራውነቱ ርእሰ ተኣማንነት ከም ዘለዎን ቁጠባ ንምዕባይ ዝሕግዝ መንገዲ ምዃኑን እዩ ዝኣምን።

"ዘይከም ኣይቬሪኮስት ናብ ጋና በጻሕቲ ናይ ምምጻእ ስትራቴጂ ኣለና። ሃይማኖታዊነትና ንገዛእ ርእስና ምዕባለ ክንጥቀመሉ ኣለና" ኢሉ።

ንሱ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ቤተ መዘክር ቅዱስ መጽሓፍ ዝበጽሐ ኰይኑ እቲ ካቴድራል ምስ ተዛዘመ ካብ እስራኤል ሃይማኖታዊ ቅርስታት ብምልቃሕ ኣብቲ ካቴድራል ንምርኣይ ክዘራረብ ጀሚሩ ኣሎ።

ወጻኢታት ናይቲ ፕሮጀክት ናብ 1 ቢልዮን ዶላር ክዓቢ ከም ዝኽእል ነቐፍቲ ይገልጹ።

መንሳህ ግን ወጻኢታት እቲ ህንጻ ካብ 350 ሚልዮን ዶላር ከም ዘይዛይድ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እቲ ኣሃዝ ኣይልወጥን" ዝበለ መንሳህ፡ ጋና በቲ ካቴድራል ኣቢላ ኣብታ ኣህጉርን ኪኖኡን ብቑጠባ ክትሰርሕ እትኽእል በጻሕቲ እትስሕብ ክርስትያናዊት ማእከል ክትከውን ምዃና ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ እቲ ካቴድራል ነቲ ብምወላ ቱርኪ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ብምግባር ኣብ ጋና ዝተሃንጸ መስጊድ ስዒቡ ክርስቲያን ዝህቡዎ ዘለው ምላሽ እዩ ዝብል ክስታት ይነጽጐ።

ህንጸት እዚ መስጊድ ኣብ 2012 እዩ ተጀሚሩ።

እቲ ፕሮጀክት "ኣብ ሞንጐ ከፋፋሊ ፖለቲካ ሃገርና ተቐርቂሩ’ዩ ዘሎ” ዝብል መንሳህ፡ ቁጠባዊ ቅልውላው ጋና ሸለል ክበሃል ዘይክእል ጉዳይ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ካቴድራል ግን ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት 95 ሚልዮን ዶላር ከእቱ ይኽእል እዩ ብምባል ይዛረብ።

"ዓበይቲ ካቴድራላት ኣብ ኤውሮጳ እንታይ ከም ዘምጽኡ ንርኢ ኢና ዘለና፤ ሙዚቃ፡ ስነጥበብን ምህንድስናን ዶባት ክሳገር ገይሮም’ዮም፤ ነቲ ዘጋጥመና ቁጠባዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ግን ውጥንና ክንግምግሞ ንኽእል ኢና” ኢሉ።

ባይቶ እታ ሃገር ንህንጸት እቲ ካቴድራል ዝኸውን ምወላ ድሕሪ ምንጻጉ፡ ካልኦት መገዲታት ምትእኽኻብ እቶት ከም ዝተጀመሩ ሓቢሩ።

"ንምትእኽኻብ ገንዘብ መደባት ነውጽእ ኣለና፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሓደ ሚልዮን ክርስትያን ወርሓዊ 20 ዶላር ከወፊ ክንገብር ኢና። ብተወሳኺ ለገስቲ፡ ውልቃዊ ጽላትን ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ኣበርክቶ ክገብሩ ክንሰርሕ ኢና”።

እቲ ፕሮጀክት ግን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ፕረዚደንት ኣኩፎ-ኣዶ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምውራዱ ክውዳእ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።