እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ኦርቶዳክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ዓበይቲ ፍጻመታት
ኣብ ቀረባ ሰሙናት ውሱናት ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ኣፍልጦ እቲ ዋና ሲኖዶስ ወጻኢ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ምሻሞም ስዒቡ፡ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ፡ ኣብታ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረት ቤተ ክርስትያን ወጥሪ ዓሲሉ ቀኒዩ።
ብኣቡነ ማትያስ ዝምራሕ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ‘ዘይሕጋዊ’ ዝበሎ ሲኖዶስ ብምውጋዝ፡ እቶም ጳጳሳት መዓርግ ክህነቶም ተቐንጢጡ ብዓለማዊ ሽሞም ክጽውዑን ካብ ኣብያተ ክርስትያናት ክርሕቑን ወሲኑ።
እቶም ንነባር ሲኖዶስ ብዘይምዕሩይ ምሕዳራን ምጉናይን ዝኸሱ መስረትቲ ሓድሽ ሲኖዶስ ብወገኖም ዘቕረብዎም ጠለባት እንድዘይተማሊኦም ሓድሽ ፓርትርያርክ ከም ዝሸሙ ኣፍሊጦም ነይሮም።
እቲ ፍልልይ ግና ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ተወሲኑ ኣይተረፈን።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነቲ ክፍፍል ስዒቡ ብዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ብኢድ ኣእታውነት ከሲሳቶ።
እዚ ወቕታዊ ቅልውላው ከመይ ተጀሚሩ?
ሰለስተ ካብ ኦሮምያ ዝውለዱ ሊቃነ ጳጳሳት፡ መሪሕነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ፡ ‘’ኣጓናይን ብዝሃነት ዝጎደሎን’ዩ’’ ብምባል፡ ሓደሽቲ ጳጳሳት ሸይሞም።
እታ ቤተ ክርስትያን ንነዊሕ እዋን ብካልኦት ብሄራት ዝተዓብለለ እዩ ይብሉ።
እቶም ዝተፈለዩ ጳጳሳት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኦሮምኛ ሓዊሱ ብተፈላለዩ ቋንቋታት ክወሃብ ከም ዘለዎ ይሕብሩ፤ እታ ቤተ ክርስትያን ብግዲኣ ዋላኳ እኹል እንተዘይኮነ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላን በብእዋኑ ኣብ ምስፋሕ ከም እትርከብን ትገልጽ።
እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ፡ ንስጉምቲ እቶም ሓድሽ ሲኖዶስ ዘጣየሹ ጳጳሳት፡ ኣብ ልዕሊ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክትብል ኮኒናቶ።
ኣብ 2005 ጵጵስና ዝተቐበሉ ኣቡነ ሳዊሮስ ዝመርሕዎ ሓድሽ ሲኖዶስ ‘ሲኖዶስ ኦሮምያን ብሄር ብሄረ ሰባትን’ ተባሂሉ ዝተሰየመ ኮይኑ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩሎም ቋንቋታት ማዕረ እዮም' ብምባል ብምኽንያት መንነቶም ኣብታ ቤተ ክርስትያን ከም ዝተጓነዩ ይኸሱ።
ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ኣመንቲ ነታ ቤተ ክርስትያን ከም ዘገደፉዋን ይገድፍዋ ከም ዘለዉን ገሊጾም።
ብሰንኪ እቲ ምንቅስቓስ ካብታ ቤተ ክርስትያን ዝተወገዙ ኣቡነ ሳዊሮስ “ዋላኳ ስርዓተ ኣምልኾ ብኦሮምኛ ክወሃብ በቶም ቅዱስ ፓትርያርክ ኣንፈት ዝተቐመጠ እንተኾነ፡ ኣብ ውሑዳት ቦታታት ጥራሕ እዩ ዝትግበር ዘሎ” ኢሎም።
በቶም ዝተነጸሉ ጳጳሳት ዝተሾሙ መብዛሕተኦም ኤጲስ ቆጶሳት ተወለድቲ ኦሮሞ እዮም።
ሃይማኖታዊ ውግዘት
ሲኖዶስ፡ ክህነት ናይቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ 110 ኪሜ ርሕቐት ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን፡ ዘይሕጋዊ ሽመት ዝሃቡን ዝተቐበሉን 28 ጳጳሳት ክቕንጠጥ እዩ ወሲኑ።
ካብቶም ክህነቶም ዝተወሰዶም፡ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ኣቡነ ዜናማርቆስን እቶም ቀንዲ እዮም።
ብ25 ጥሪ ይቕረታ ሓቲቶም ዝተመለሱ ኣባ ጻጋዘኣብ፡ ሽዑ ንሽዑ መዓርግ ክህነቶም ተመሊሱሎም እዩ።
እታ ቤተ ክርስትያን እቶም ጳጳሳት ‘ኣቶ’ ተባሂሎም ብዓለማዊ ሽሞም ክጽውዑን ዝኾነ ንብረት እታ ቤተ ክርሰትያን ከይጥቀሙን ወሲና ነይራ። እቶም ዝዓመጹ ጳጳሳት ግና ነቶም ዝሸሙዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ናብ ዝርከቡ ቤተ ክርስትያናት ካብ ምልኣኽ ደው ኣየበሎምን።
ቅዋም ኣብዪ ኣሕመድ
ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን ዝተፈጠረ ወጥሪ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ነዊሕ መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ “እታ ቤተ ክርስትያን ፍልልያ ብዘተ ክትፈትሕ ኣለዋ” ክብል ተሰሚዑ።
ክልቲኦም ወገናት “ሓቂ ኣለዎም” ብምባል ዝኾነ ኣባል ካቢኔ ኣብ ጉዳይ እታ ቤተ ክርስትያን ኢዱ ከየእትዉ እውን ኣዚዙ።
ሲኖዶስ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ መግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንውሳነ እቲ ቤተክርስትያን ዕሽሽ ዝበለ፣ ንስልጣና ዝፈታተንን ነቲ “ዘይሕጋውን ጻምእ ስልጣን ዘለዎን” ጉጅለ ኣፍልጦ ዝህብን ክብል ነጺግዎ። ገለ ሓሳባት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እውን “ዘጋግዩ’’ ክብል ነጺግዎም።
ኣብ መንጎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን እታ ካብ 110 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ዳርጋ ፍርቂ ምእመን ከምዘለዋ ዝንገረላ ቤተ ክርስትያንን፡ ኣብ ፈለማ ጽቡቕ ዝበሃል ርክብ ነይሩ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ግና ኣባላት እታ ቤተ ቤተክርሰትያን ግዳይ መጥቃዕቲ ይኾኑ ከምዘለዉ ክገልጹ ጀሚሮም። ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ፡ ኣብ ትግራይ ‘ምጽናት ዓሌት’ ይፍጸም ኣሎ ብምባሎም ርክቦም ኣዐርዩ ሓርፊፉ ጸኒሑ።
ምንቅስቓስ ጸሊም ክዳን
መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብኢ ኣሕመድ ስዒቡ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ መንግስቲ ነቶም ዝተነጸሉ ጳጳሳት ደጊፉ ክብል ከሲሱ። ኣብቲ ቅንያት ኣብ ዝነበረ ጾመ ነነዌ ድማ፡ ከም ምልክት ተቓውሞ፡ ኣመንቲ ጸሊም ክዳን ተኸዲኖም ክጾሙን ክጽልዩን ጸዊዑ።
እቲ ሓድሽ ሲኖዶስ ብወገኑ፡ ነቶም ዝሸሞም ጳጳሳት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮምያ ዝለኣኸ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ፖሊስ ናብ ኣመንቲ ዘንብዕ ጋዝ ክትኩስ ዘርእዩ ምስሊታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም ነይሮም።
ኣብቲ ጎንጺ ብውሑድ ሓሙሽተ ሰባት እንትሞቱ ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ ምስታ ቤተ ክርስትያን ምትእስሳር ዘለዎም ሚድያታት ኣፍሊጦም።
እታ ቤተ ክርስትያን እቶም ተነጸልቲ ጳጳሳት ብሓይልታት ጸጥታ ተሓጊዞም ኣህጉረ ስብከታትን ገዳማትን ንምሓዝ ፈቲኖም ክትብል ከሲሳ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ኦሮምያ ብተመሳሳሊ ጎንጺታት ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ኣመንታ ብኣልማማ ከምዝተኣሰሩ ከሲሳ።
እቶም ሓድሽ ሲኖዶስ ዘጣየሹ ጳጳሳት ግና ”ገዚፍ ተቐባልነት” ከምዘለዎም ክገልጹ ተሰሚዖም።
ነቶም ቤተ ክርስትያን ዘቕረበቶም ክስታት መልሲ ዘይሃበ መንግስቲ፡ መንነቶም ዘይገለጾም ኣካላት ነታ ሃገር ንምብታን ይሰርሑ ከምዘለዉን ስጉምቲ ከምዝወስድን ኣጠንቂቑ።
ብዙሓት ፍሉጣት ኢትዮጵያውያን ጸሊም ክዳን ብምኽዳን ኣብ ጎኒ እታ ቤተክርስትያን ምዃኖም ዝገልጹ ምስልታትን መልእኽቲታን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርግሑ ተራእዮም
ክልከላ ኢንተርነትን ዕርቀ ሰላምን
ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ሰልፊ ተቓውሞ ከምእተካይድ ምግላጻ ስዒቡ፡ መንግስቲ ዝርገሐ ኢንተርኔትን ማሕበራዊ ሚድያን ውሱን ክኸውን ገይሩ።
ኮይኑ ግና መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምዝርራቦም ስዒቡ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝተናወሐ እታ ቤተ ክርስትያን ኣፍሊጣ።
ገለ ኣመንቲ እቲ ኣብ ቀረባ ዝተርኣየ ኣፈላላይ፡ ናይቲ ኣብታ ሃገር እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ነጸብራቕ ከምዝኾነ እንትገልጹ፡ ገለ ሰባት ድማ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ከምዘለዎ ይዛረቡ።
ብ15 ለካቲት 2023፡ እቲ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዝተፈጠረ ፍልልይ ብዕርቀ ሰላም ከምዝተፈተሐ መራሕቲ ሃይማኖት ኣፍሊጦም።
እዚ ድማ ብመንጎኝነት እቲ ንተነጸልቲ ጳጳሳት ደጊፉ ተባሂሉ ክውቀስ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ከምዝተሳለጠ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ እቲ ዕርቂ ብመሰረት ስርዓትን ቀኖናን እታ ቤተ ክርስትያን ከምዝተፈጸመ እታ ቤተ ክርስትያን ኣፍሊጣ።
ገለ ካብ ታሪኽ እታ ቤተ ክርስትያን
- ኣብ 4ይ ክፍለ ዘበን ክርስትና መንግስታዊ ሃይማኖት ኮይኑ
- እታ ቤተ ክርስትያን ከሳብ 1959 ኣካል ኮፕቲክ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ዝነበረት ኮይና ናይ ባዕላ ፓትርያርክ ኣይነበራን
- ኣብ 1959 ኣቡነ ባስልዮስ ፈላማይ ኢትዮጵያዊ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኮይኖም
- ኦርቶዶክስ ክሳብ ውድቀት ናይ መወዳእታ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ መንግስታዊ ሃይማኖት ኮይኑ ቀጺሉ
- ኣብ 1974 ወታሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ስልጣን ምስሓዘ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ዝነበራ ተራ ኣብቂዑ
- ኣብ 1976 እቲ ወታሃደራዊ መንግስቲ፡ ምስቲ ዘውዳዊ ስርዓት ዝነበሮም ርክብ ምኽንያት ብምግባር ካልኣይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ኣቡነ ቲዎፍሎስ ብምእሳር እታ ቤተ ክርስትያን ካልእ ጳጳስ ክትሾም ኣገዲዱ።
- ኣቡነ ቴዎፍሎስ ኣብ 1979፡ በቲ ስርዓት ተቐቲሎም
ነሓሰ 2018፡ ውህደት ክልቲኦም ሲኖዶሳት
ኣብ 1991፡ ኢህወደግ ንስርዓት ደርግ ኣውዲቑ ስልጣን ምስሓዘ፡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቡነ መርቆርዮስ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ጸቕጢ፡ ነታ ሃገር ገዲፎም ወጺኦም።
ነዚ ስዒቡ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ንኣቡነ ጳውሎስ ፓትርያርክ ገይሩ እንትሾም፡ እቶም ዝተሰደዱ ፓትርያርክን ሰዓብቶምን ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ካልእ ሲኖዶስ መስሪቶም።
ክልቲኦም ሲኖዶሶት ንልዕሊ 20 ዓመታት ሓድሕዶም ክወጋገዙ ጸኒሖም። ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ፡ ክልቲኦም ሲኖዶሳት ንምትዕራቕ ብዝወሰዶ ተበግሶ፡ ክልቲኦም ሲኖዶሳት ድሕሪ ዘካየድዎ ዝርርብ ክወሃሃዱ ተሰማሚዖም።
ኣቡነ መርቆርዮስ ድማ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ ክሳብ ዝሞቱሉ 2022 ከም ካልኣይ ፓትርያርክ እታ ቤተ ክርስትያን ኮይኖም ኣገልግሎም።
መስከረም 2019፡ ሃገረ ስብከት ኦሮምያ ንምጥያሽ ዝቐረበ ጻውዒት
ኣብ መስከረም 2019፡ ዝተወሰኑ መራሕቲ ሃይማኖት ኦሮምያ፡ ክልላዊ ሃገረ ስብከት ኦሮምያ ክጣየሽ ዝጽውዕ ኮሚተ ኣጣይሾም።
እቲ ብቐሺ በላይ ዝተመርሐ ኮሚተ፡ ዝሓሸ ምምሕዳር ክህሉን ኣመንቲ ብቋንቋኦም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረኽቡን ምጥያሽ እቲ ክልላዊ ምምሕዳር ኣድልዪ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ሲኖዶስ እታ ቤተክርስትያን ግና ነቶም ክህናት ብምውጋዝ ሃገርን ቤተ ክርስትያን ክጸፋፍሉ ፈቲኖም ክብል ከሲሱ።
ድሕሪ ውሱን ኣዋርሕ፡ እቲ ኣፋላላይ ብሽምግልና ከም ዝተፈተሐ ክልቲኦም ወገናት ገሊጾም።
ጥሪ 2021፡ ሊቀ ካህናት ትግራይ ምስታ ቤተ ክርሰትያን ዝነበሮም ርክብ በቲኾም
ኣብ 2020 ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ምስ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝነበሮም ርክብ ብምቁራጽ ናይ ባዕሎም ሃገረ ስብከት ከምዘጣየሹ ኣፍሊጦም።
ነዚ ምኽንያት ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ “ነቲ ኲናት ደጊፉን ኣብ ልዕሊ ኣምንትን ቤተክርሰትያንን መጥቃዕቲ እንትፍጸም ስቕ ኢሉን” ዝብል እዩ።
እታ ቤተ ክርስትያን ኣብቲ እዋን ዝኾነ ምላሽ ኣይሃበትን። ፓትርያርክ እታ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ማትያስ ግና ኣብ ትግራይ “ዓሌት ምጽናት” ይፍጸም ከምዘሎ ዝገልጽ ቪድዮ ዘርጊዖም ነይሮም።
ኣብቲ እዋን ሲኖዶስ ኢትዮጵያ፡ መልእኽቲ እቶም ፓትርያርክ ነታ ቤተ ክርስትያን ከምዘይውክል ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ስዒቡ፡ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ናይ ሓቢርና ንስራሕ መልክእኽቲ ናብ ኣህጉረ ስብከታት ትግራይ ከምዝለኣኸት ዝተገለጸ ኮይኑ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ነቲ ጻውኢት ከምዝነጸግዎ ድምጽ ጀርመን [ዶቼ ወሌ] ጸብጺቡ።