መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ተዓሪቖም

ኣብ መንጎ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ምክፍፋል ብዕርቂ ከም ዝተፈትሐ ተገሊጹ።

ብሲኖዶስ ተወጊዞም ናይ ባዕሎም ሓድሽ "ሲኖዶስ" ክሳብ ምምስራት በጺሖም ዝነበሩ ሰለስተ ጳጳሳት፡ ብመንጎኝነት ኣተዓረቕትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ ናብታ ቤተክረስትያን ተመሊሶም ኣለዉ።

ሲኖዶስ እታ ቤተ ክርስትያን ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ውሻጣዊ ጸገም ብመሰረት ስርዓትን ቆኖናን እታ ቤተክርስትያን ከም ዝተፈትሐ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ሎ።

"ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሰለስቲኦም ኣቦታት ብምምላሶም ንእግእዚኣብሄር ተመስግን" ክብሉ ኣካያዲ ቤተክህነት ኣቡነ ኣብርሃም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ተዛሪቦም።

"ሕጂ እቲ ጸገም ተፈቲሑ'ዩ። ንድሕሪ ሕጂ'ወን ልኡላውነትን ሓድነትን ናይታ ቤተ ክርስትያን ተሓልዩ፡ ክርስቶስ ክሳብ ዝመጽእ ብሓድነታን ልኡላውነታን ክትነብር'ያ" ክብል ሲኖዶስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ምስሕሓብ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ሰለሰተ ጳጳሳት ካብ ሶኖዶስ ወጻኢ ብኢደወነኖም ልዕሊ 20 ጳጳሳት ድሕሪ ምሻሞም'ዩ ጀሚሩ። ነቶም ጳጳሳትን ዝሸምዎም ኤጲስ ቆጶሳትን ዝተቓወመ እቲ ሲኖዶስ ኣብቲ ምምቕቓል ኢድ መንግስቲ ኣለዎ ክብል ኣሚቱ ነይሩ።

ብሰንኩ'ዚ፡ እቲ ኩነታት ኣብታ ሃገር ዓቢ ጸጥታዊ ስግኣት ኣሕዲሩ ጸኒሑ'ዩ።

እታ ቤተ ክርስትያን ተቓውማኣ ንምግላጽ ኣመንታ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ'ኳ ጸዊዓ እንተነበረት፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ዘካየደቶ ልዝብ ግን ኣወንዚፋቶ እያ።

ሰብመዚ ጸጥታ ንዝሃብዎ መጠንቀቕታ ብምንጻግ ድማ፡ ብብደረጅኡ ዝካየድ ሰላማዊ ተቓውሞ ከምእተካይድ ኣጠንቂቓ ነይራ። ክሳብ ሓዲኡ ዝኸውን ግን ኩሎም ኣመንታ ጸሊም ተኸዲኖም ብጸሎት ተቓውምኦም ከካይዱ ኣዚዛ ነይራ።

እቶም ተፈልዮም ዝጸንሑ ጳጳሳት፡ ቋንቋ ኦሮሞ ይኹን ካልኦት ቋንቋታት (ካብ ኣምሓርኛን ትግርኛን ወጻኢ) ዝዛረቡ ሰዓብቲ ብቋንቁኦም ከይግልገሉ ደሪታ ብምባል'ዮም ክነቕፉ ጸኒሖም። እታ ቤተ ክርስትያን ግን፡ ብቋንቋ ኦሮሞ ኣገልግሎት ከምእትህብ'ያ ትምጉት።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ፡ እቶም ሰለስተ ጳጳሳት ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብዘይ ኣፍልጦ እቶም ፓትርያትክ ኣቡነ ማትያስን ቅዱስ ሲኖዶስን 26 ኤጲስ ቆጶሳት ከም ዝተሸሙ ይዝከር።

ሰብመዚ መንግስቲ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ውሽጦም ተፈጢሩ ዝነበረ ምፍልላይ ብልዝብ ምፍትሖም "ንህዝብን ሃገርን" ኣብነት'ዩ ክብሉ ዘለዎም ናእዳ ገሊጾም ኣለዉ።

ጠበቓታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰዓብታ ከም ዝተኣሰሩን መብዛሕትኦም ድማ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ሰባት ከም ዝተወስዱን ብሰሉስ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

እዚ ፍጻመ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዘጋጠመ ፍጻመ ዝተኣሳሰር ምዃኑ’ውን ሓቢሮም።

ኣቦ መንበር ዓቢ ኮሚቴ ጠበቓታት እታ ቤተክርስትያን ኣያሌው ቢታኔ፡ ክሳዕ ሕጂ ብዘለዎ ሓበሬታ ቁጽሪ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣመንቲ ልዕሊ 200 ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኩሎም ብሃይማኖቶም ዝተኣሰሩ ከም ዝፍትሑ ብምግላጽ፡ ገለ ሰባት ንምጽራይ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ከም ዝገለጸሎም ኣቡነ ኣብራሃም ተዛሪቦም ኣለዉ።