እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ካፋላ': ካብ ባርነት ዘይፍለ ዝበሃል ሕጊ ሃገራት ዓረብ
ስርዓት ካፋላ ብዙሓት ሃገራት ዓረብ ዝጥቀማሉ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ሰራሕተኛታትን ኣስራሕቶምን ዘሎ ርክብ ዝምልከት ሕጊ እዩ።
ካብ ዝነብረሉ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ተቖጺሩ ናብ ካልእ ሃገር ክሰርሕ ዝኸደ ሰራሕተኛ 'ስደተኛ ሰራሕተኛ' ክበሃል ዝገብሩ መዐቀኒታት ኣለዉ።
ሓደ ካብዞም መዐቀኒታት "ክእለት ዘይብሉ ወጻእተኛ ሰራሕተኛ" ዝብል እዩ።
ብፍላይ ድማ እዋናዊ ስራሕ ንምፍፃም ዝጓዓዙን ድሕሪ ሓፂር እዋን ዝምለሱን ሰራሕተኛታት፡ በዚ ስም ይፅውዑ፤ እቲ ስያመ ዘምጽኦ ውጽኢት እውን ይቕበሉ።
ስርዓት ካፋላ እንታይ እዩ?
ካፋላ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ቃል እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ግን ከም ስርዓት ውሕስነት ወይ "ስርዓት ስፖንሰርሺፕ" ዝብል ትርጉም ኣለዎ።
ሓደ ኣስራሒ ነቲ ካብ ካልእ ሃገር ዝቖጸሮ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ኣመልኪቱ ብርክት ዝበሉ መሰላት ኣለዎ።
ሓደ ሰራሕተኛ ካብ ገዛ/ቁጽጽር ኣስራሒኡ እንተወጺኡ፡ ሕጊ ካፋላ ዘይሕጋዊ ስደተኛ እዩ ዝኸውን። እዚ ዋላ መጥቃዕቲ በጺሕዎ ይኹን ኣብ ግዜ ሰላም ኣይቅየርን እዩ።
እዚ ሕጊ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኩዌት፣ ባሕሬን፣ ኦማን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ዮርዳኖስን ሊባኖስን ይትግበር።
ብመሰረት እዚ ሕጊ ሰራሕተኛታት ክውደቡ ኣይክእሉን።
ህይወቶም ኣብ ኢድ ኣስራሕቶም ስለዝወድቕ ንዓመጽ ተቓላዕቲ ከም ዝገብሮም ዘርእዩ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት ተኻይዶም እዮም።
ብዙሓት ካብቶም ብሕጊ ካፋላ ዝመሓደሩ ሰራሕተኛታት ንስራሕ ገዛ ወይ ንስራሕ ህንጸት ዝምረጹ እዮም።
ብስሩዕ ትምህርቲ ሰልጢኖም ናብዘን ሃገራት ዝኸዱ ሰራሕተኛታት በዚ ስም እዚ ኣይጽውዑን፡ በዚ ‘ጨቋኒ’ ሕጊ’ውን ኣይመሓደሩን።
ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ካብ ንቡር ሕጊ ዕዮን ስራሕን እታ ሃገር ነጻ እዮም። እዚ ድማ ብልምዲ ዘይኮነስ ብሕጊ ዝተመስረተ እዩ።
ውጽኢት እቲ ሕጊ ስለ ምንታይ ምስ ባርነት ይነጻጸር?
ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ናብ ሃገራት ዓረብ ተጓዒዞም ናይ ገዛ ስራሕ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት በዚ ሕጊ ኣቢሎም ንከቢድ ግህሰት መሰላት ከምዝቃልዑ ይእመን።
ካብቶም ዝኸፍኡ መለለዪታት ስርዓት ካፋላ፡ ዋላ እቶም ሰራሕተኛታት ገዛ ካብ ሃገር ክወጹ እንተደልዮም፡ ካብ ኣስራሒኦም ብጽሑፍ ፍቓድ ክረኽቡ ኣለዎም ዝብል እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ብሕጊ ተሓተትቲ ይኾኑ እዮም።
እዚ ሕጊ፡ ብብዙሓት 'ዘመናዊ ባርነት' ተባሂሉ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ብዙሓት ደው ክብል ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ካብቶም ብተደጋጋሚ እዚ ሕጊ ኣብ ሊባኖስ ክስረዝ ዝጽውዑ ትካላት እዩ። ነዚ ኣስራሕቲ፡ ብዘይ ፍቓድ ሰራሕተኛ ውዕል ከቋርጹ ዘኽእሎም ስርዓት ሰራሕተኛታት ንማእሰርትን ምስጓግን ዘቃልዕ እዩ ክብል ይነቅፍ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ገዛ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 69 ሚእታዊ ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት እንተወሓደ ሓደ ግዜ ጾታዊ ትንኰያ ኣጋጢምወን ነይሩ። 75 ሚእታዊት ካብቶም መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ሰባት ሕጋዊ ሰነድ ከምዘይብሎም ገሊጾም።
ነቲ መፅናዕቲ ዘካየደ ‘የእኛ ለእኛ’ ዝተበሃለ ኣብ ሊባኖስ ናይ ዝነብሩ ማሕበር ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ገዛ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ካብ መንበሪ ኣስራሕተን ዝወፃ ሰራሕተኛታት ናብ ሃገረን ንኽምለሳ ዘመቻችው እዩ።
እቶም ኣስራሕቲ፡ ስርዓት ካፋላ ንሰራሕተኛታት ዝፈቕዶም መሰላት እኳ ከም ዘይህብዎም መስራቲ እቲ ማሕበር ባንቺ ይመር ትገልጽ።
ስርዓት ካፋላ ንሓንቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ ሰበይቲ ውዕላ ናይ ምቁራጽ መሰል እኳ እንተሃበ፡ እቶም ኣስራሕቲ ግን ‘ሰሪቓ፡ ንደቀይ ቀጥቂጣቶም’ ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ናብ ፖሊስ ከምዘቕርቡ ትሕብር። ባንቺ ከም ትብሎ፡ ናብ ዓዶም ንክምለሱ ድማ መጀመሪያ ክእሰሩ ኣለዎም።
ወሲኻ’ውን፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ሰባት ከምዘለዉ ትገልጽ።
ኣብ ትሕቲ ስርዓት ካፋላ፡ ኣስራሕቲ ናይ ሰራሕተኛታቶም ፓስፖርት ወሲዶም ክዕቅቡ ልሙድ እዩ። እቶም ሰራሕተኛታት ብዘይ ፓስፖርት ምንቅስቓስ ኣይኽእሉን።
ካልኦት ድማ ቪዛኦም ይኹን ውዕሎም ከይሓደሱሎም ይቐርዩ። እቶም ኣስራሕቲ ክሰድዋ ዘይፈቐዱ ሓንቲ ሰራሕተኛ፡ ገዛ ኣስራሒኣ ገዲፋ እንተወጺኣ 'ዘይሕጋዊት' ተባሂላ ክትእሰር ትኽእል።
መብዛሕትኦም ዓመጽ ዘጋጥሞም ሰራሕተኛታት፡ ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ከምዘለዉ ክዝንጋዕ የብሉን።
ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ሓንቲ ስደተኛ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ፍሉጥ ኩባንያ ታክሲ ኣብ ዝተሳፈረትሉ እዋን ዘጋጠማ ተመክሮ ትገልጽ።
እቲ ዘዋሪ ታክሲ ካብ መገዳ ወጻኢ ይኸድ ከምዘሎ ትርኢ እሞ 'ንምንታይ' ትብሎ።
'ጽብቕቲ ስለ ዝኾንኪን ባህ ስለዝበልክኒን ክትንክፈኪ ደልየ ኣለኹ' ኢሉ ከም ዝመለሰላ ትዛረብ። ነታ ታክሲ ደው ከብላ እንተሓተተቶ’ውን ንሱ ግን ኣብዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብቲ ድሕሪት ማዕጾ ዘሊላ ከም ትወጽእ ምስኣፈራርሐቶ ከምዘውረዳ ትገልጽ።
ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣብ ገዛ፡ ኣብ መገዲ፡ ዋላ’ውን ኣብ ማእከላት ዕዳጋ መጥቃዕቲ የጋጥሞም እዩ።
መብዛሕትኦም ግን ናብ ሕጊ ኣይኸዱን።
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ቀንዲ ገበነኛታት ደቂ ተባዕትዮ ኣስራሕቲ እዮም። ዓመጽ ዝፍጽሙ ኣዝማድ ኣስራሕቲ’ውን ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ፓስፖርቶም ሓዊሱ ሕጋዊ ሰነዳቶም ምስ ኣስራሕቶም ስለዝቕመጥ ካብቲ መጥቃዕቲ ሃዲሞም ክኸዱ ኣይኽእሉን።
ብርግጽ ኣብ ኢዶም እንተሃለወ እውን ኣስራሕቲ እቲ ሰራሕተኛ ከም ዝጠፍአ እንተፈሊጦም ናብ ሕጊ ከይዶም ውዕሎም ከም ዘቋረጹ የፍልጡ እዮም።
ኣብዚ ህሞት እዚ እቶም ግዳያት ዘይሕጋዊ ስደተኛ ተባሂሎም ብሕጊ ይድለዩ፤ ይእሰሩ ማለት እዩ።
ስለዚ ካብ ገዛ ኣስራሒኦም ምውጻእ ናብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከም ዘምርሕ ዝተረድኡ ሰራሕተኛታት፡ ስቕታ ይመርጹ። ንተደጋጋሚ ዓመጽን ምዝመዛን ድማ ይቃልዑ።
ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ
ስርዓት ካፋላ፡ ኣብ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ትገዝእ ዝነበረት ብሪጣንያ ዘተኣታተወቶ ሓድሽ ሕጊ ከምዝኾነ መጽናዕትታት የመልክቱ።
ብተወሳኺ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነዳዲ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ መሳለጥያታት ነዳዲ ክሰርሑ ናብታ ሃገር ኣብ ዝመጹ ሰራሕተኛታት እውን ተመሳሳሊ ሕጊ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ይሕብሩ።
ኣብ 1950ታት ብፍላይ ካብ ኣፍሪቃን ኤስያን ዝመጹ ስደተኛታት ሰራሕተኛታትን ኣስራሕቶምን ንምምሕዳር ብዝብል ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ጀሚሩ።
ሃገራት ዓረብ ናጽነተን ረኺበን ድሕሪ 50 ዓመታት እውን ስርዓት ካፋላ ይትግበር ኣሎ።
ቀጠር ነዚ ሕጊ ኣብ 2019 (ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ) ሰሪዛቶ እያ። ቀጠር፡ ንዝመጽእ ዋንጫ ዓለም ስታድየማት ንምህናጽ ኣብ ዝተቖጸሩ ሰራሕተኛታት ሕጊ ካፋላ ድሕሪ ምትግባሩ፡ ተቓውሞታት ምስ በርትዓ እያ ነዚ ሕጊ ክተመሓየሽ ተገዲዳ።
መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ደቡብ ኤስያ ዝመጹ እዞም ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት መነባብሮ ከም ዝነብሩ ብምግላጽ ነዚ ጨቋኒ ሕጊ ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።
እንታይ ይገበር?
ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ጥራይ ብድምር 30 ሚልዮን ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ኣለው። በብዓመቱ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህይወቶም ብዘይንጹር ኣገባብ ከምዝሓልፍን መንግስታት እተን ሃገራት ብግቡእ ተኸታቲሎም ከምዘይምርምሩን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።
ዓለም ለኸ ትካል ሰራሕተኛታት (ILO) ከምኡ እውን ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ዘኽብር ሕግታት ንምውፃእ ዝተፈላለዩ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለው።
እዞም ትካላት ነዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝብልዎ ፍታሕ ነዚ ስርዓት ምእላይ ጥራይ እዩ። እዚ ንኣህጉራዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ዝበሃል ሕጊ ምውጋድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ሕጋዊ ክፍተታት ብምምሕያሽ ከፈጽሙ ይምዕዱ።
ከምቲ ባንቺ ትብሎ፡ እዚ ካብ ባርነት ዘይፍለ ስርዓት ምእላይ ቀሊል ኣይኮነን። ማሕበረሰብ ዓለም ብሓባር እንተዘይሰሪሑ ግን እቶም ኣብተን ሃገራት ዘለዉ ተጣበቕቲ በይኖም ለውጢ ከምፅኡ ኣይክእሉን እዮም። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ድማ ካብዚ ጭቆና እዚ ተረባሕቲ ዝኾኑ ኣካላት ልዑል ሓይሊ ስለዘለዎም እዩ።
ባንቺ ንሊባኖስ ከም ኣብነት ትወስድ። ብሰንኪ ህሉው ቁጠባዊ ቅልውላው ሊባኖስ፡ ኣብ ትሕቲ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ስለትርከብ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንክተመሓይሽ ኣብታ ሃገር ፀቕጢ ክገብር ይግባእ ትብል።
“ክሳብ ሕጂ እተን ዝተቐጥቀጣ፡ ዝተቐትላን ዝተዓመጻን ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ኣይረኸባን። ኣብቲ ስርዓት ተመስሪቶም እዮም ግፍዒ ዝፍጽሙ ዘለዉ” ትብል ባንቺ።