ኣፍሪቃውያን ስደተኛ ሰራሕተኛታት ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጭካነ ተፈጺምዎም - ሓደ ጸብጻብ

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝጸንሑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ሰራሕተኛታት ከም ዝተጋፍዑ፡ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም እተደርበዩን ካብታ ሃገር ከም እተባረሩን፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም።

እቲ ብዩሮ ሜዲተራንያን ሂዩማን ራይትስ ሞኒተርን ኢምፓክት ኢንተርናሽናል ፎር ሂዩማን ራይትስ ፖሊሲን ዝተባሃሉ ትካላት ዝወጸ ጸብጻብ፡ እቶም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብኸመይ ብሓባር ከም እተኣሰሩን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕታት ከም ዝበጽሖምን ዝርዝር ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ።

ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ቲቪ ዝተዛረበት ኡጋንዳዊት ኬነዲ ሩባንጋኬኒ "ናብ መደበር ፖሊስ ከየብጽሑ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምና" ኢላ።

"ንምንታይ ኣብኡ ከም ዝወሰዱኒ ስለዘይፈለጥኩ ተገሪመ. . . ሕጋዊ ወረቓቕቲ ኣሎኒ። እቲ ውዕለይ ኣብ ቀረባ እዩ ተሓዲሱ።

"ዝተኸሰስኩሉ ገበን የሎን። ናብ ቤት ፍርዲ'ውን ኣይወሰዱንን" ኢላ።

ሰብ መዚ እታ ሃገር ግና እቲ ማእሰርቲ ሕጋውን ነቶም ኣብ "ምንዝርናን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝተዋፈሩ መርበባት፣ ዘይቅቡል ተግባራትን ዝምታን ዝፍጽሙ" ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ብምግላጽ "እቶም ዝተኣሰሩ ኣብዞም ተግባራት ተዋፊሮም ዝተረኽቡ እዮም" ይብል።

እቶም ነቲ ጸብጻብ ዘዳለው ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንልዕሊ 100 ግዳያት ከምዘዘራረቡ ክገልጹ እንከለው መብዛሕትኦም ካብ ኡጋንዳ፡ ካሜሩንን ናይጀርያን ምዃኖም'ውን ሓቢሮም።

እቶም ግዳያት ኣብ ጽሬት፡ ምትእንጋድ፡ ነርስ፡ ኤለክትሪሻንን ካልእን ሞያታት ዝተዋፈሩ ሕጋዊ ሰነዳት ዝነበሮም ምዃኖም'ውን ገሊጹ።

"እቲ መጥቃዕትታት ግቡእ ምድላው ዝተገበረሉ፡ ንገለ ሰባት ዕላማ ዝገበረን ካብ ዓሌታዊ ኣረኣእያ ዝነቐለን እዩ" ትብል ኣባል ዩሮ ሜዲተራንያን ሂዩማን ራይትስ ሞኒተር ሚሸላ ፓጅሊዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ።

ንሳ ወሲኻ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝወሃብ ሓለፋታት'ውን ብዓሌት ኣፈላላይ ከም ዘለዎ ገሊጻ።

መንግስቲ እታ ሃገር ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ክስታት ከም ዘይቕበሎ ብምግላጽ እታ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያት ኣፈላላይ ከይህሉ ዘገድድ ጽኑዕ ሕጊ ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ።