ተመን ከመይ ገይሩ እዩ ሰብ ክበልዕ ዝኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢንዶኔዥያዊት ዞባ ጃምቢ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብሓደ ገዚፍ ገበል ወይ ፋይተን ተቐቲላ ከምእተዋሕጠት ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም፤ ተመን ግን ከመይ ኣቢሉ እዩ ሰብ ክበልዕ ዝኽእል?
ኣብ 50 ዕድመ ከምዝነበረት ዝንገረላ ጃህራህ፡ ሰንበት ናብ ስርሓ እናኸደት እንከላ እያ ብሓደ ገበል ተጠቒዓ።
ብድሕሪኡ ንሓደ መዓልቲ ሃለዋታ ክጠፍእ እንከሎ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ሓደ ከብዱ ዝተተርበበ ገበል ረኺቦም። ምስ ቀተልዎ ኸኣ ኣስከሬና ኣብ ውሽጡ ጸኒሑ።
ኣዛዚ ፖሊስ ቤታራ ጃምቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እታ ግዳይ ኣብ ከብዲ እቲ ተመን እያ ተረኺባ፡” ኢሉ።
እቲ ተመን ክርከብ እንከሎ፡ ከብዱ ኣዝዩ ተወጢሩ ምንባሩ’ውን ሓቢሩ። እቲ ተመን ብውሕዱ ሓሙሽተ ሜትሮ ቁመት ከምዝነበሮ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።
ዋላ’ኳ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ሳሕቲ ዝርአ እንተዀነ፡ ኣብ ኢንዶኔዥያ ግን ንፈለማ እዋን ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2017ን 2018 ክልተ ሰባት ብተመን ምሉእ ብምሉእ ተበሊዖም እዮም።
ገበል ብኸመይ እዩ ዘጥቅዕ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኢንዶኔዥያ ሰባት ዝቐተሉ ገባብል፡ ‘ሬቲኩሌትድ ፋይተን’ ዝበሃሉ ዓይነት ኰይኖም ኣብ ቆርበቶም ብጸሊም ክቢ ክቢ ዘለዎም እዮም።
ቁመቶም ክሳዕ 10 ሜትሮ ክበጽሕ ዝኽእል ኣዝዮም ሓያላት ከኣ እዮም።
እዚኣቶም ብህንደበት ዘጥቅዑ፣ ነቲ ዝሓዝዎ እንስሳ ተጠምጢሞም ምስትንፋስ ከምስዝእን ወይ ዑደት ደም ከምዘቋረጽ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ደቃይቕ ይቐትልዎ።
ገባብል ነቲ መግቢ ከምዘለዎ እዮም ዝውሕጥዎ። መንጋጋኦም ብኣዝዩ ተዓጻጻፊ መላግቦ ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ ነቲ መግቢ ንምውሓጥ ኣዝዩ ክምጠጥ ይኽእል።
ሰባት ምብላዕ ግን ከቢድ እዩ፡ ምኽንያቱ “መንኩብ ሰባት ክጭፍለቕ ዘይክእል፡ በሊሕ ተዋጋኢ እዩ” ትብል ኣብ እንስሳታት መሮር ምርምራት እተካይድ ሜሪ-ሩት ሎው።
ንካልኦት ዓበይቲ እንስሳታት ከ ይበልዑ ዶ?

ምንጪ ስእሊ, RONAL EFENDI COTO/AFP via Getty Images
ገባብል ዋላ’ኳ ሳሕቲ፡ ሓርገጽ ንዝርከቦም ለመምቲ እንተበልዑ፡ “ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ” ንመጥበውቲ ከምዝምገቡ ሜሪ-ሩት ትገልጽ።
ብቐንዱ ኣናጹን ካልኦት ንኣሽቱ እንስሳታትን እዮም ዝበልዑ፡ “እንተዀነ ግዝፎም ኣብ ገለ ደረጃ ምስበጽሐ፡ እቲ ኣናጹ ብምብላዕ ዝረኽብዎ ካሎሪ ኣይኣኽሎምን” ትብል።
ገባብል ክሳዕ ሓሰማ ወይ ከብቲ ክውሕጡ ከምዝኽእሉ ከኣ ተረድእ።
ሓደ ሓደ ግዜ ግን፡ ካብ ዓቐኖም ንላዕሊ ክውሕጡ ኣብ ዝፍትንሉ ሽግር ከጋጥሞም ይኽእል እዩ።
ኣብ 2005 ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ገበል ንሓደ ሓርገጽ ከምዘለዎ ክውሕጦ ፈቲኑ። እንተዀነ ኣብ መንጎ ተተርቢዑ ክልቲኦም ሞይቶም ተረኺቦም።
ገበል ሰብ ክበልዕ እዚ ናይ ፈለማ ድዩ?
ኣይኰነን፤ ኣብ ኢንዶኔዥያ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ክልተ ተመሳሰልቲ ፍጻመታት ኣጋጢሞም እዮም።
ኣብ 2018፡ ኣብ ዞባ ሱላዌሲ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጀራዲን ኣሕምልቲ እናሰርሐት እንከላ ተሰዊራ።
እቲ ወድያቶ ዝነበረ ሰንደልን ጐዘሞን ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ክርከብ እንከሎ፡ ካብኡ ከባቢ 30 ሜተር ርሕቕ ኢሉ፡ ሓደ ገዚፍ፡ ከብዱ ዝተወጠረ ገበል ተረኺቡ።
እቲ ገበል ነታ ሰበይቲ ውሒጥዋ ክኸውን ከምዝኽእል ዝጠርጠሩ ነበርቲ፡ ቀቲሎምዎ ከብዱ ምስ ጨንድሕዎ ከኣ ሬሳ እታ ሰበይቲ ኣብኡ ከምዝጸንሖም ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ኣብ 2002 እውን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ወዲ 10 ዓመት ቈልዓ ብገበል ከምእተዋሕጠ ዝሕብር ጸብጻባት ወጺኡ።
ኣብ 2017 ከኣ፡ ኣብ ሱላዌሲ ኢንዶኔዥያ፡ ሓደ ሓረስታይ፡ ሸውዓተ ሜትር ንውሓት ብዝነበሮ ገበል ተዋሒጡ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ሱማትራ ኣብ እትበሃል ዞባ ኢንዶኔዥያ ሓደ ሰብኣይ ምስ 7.8 ሜትር ዝንውሓቱ ገበል ተቓሊሱ ብኸቢድ እኳ እንተቘሰለ፡ ህይወቱ ኣድሒኑ።
ክትኣምኖን ክተረጋግጾን ዘጸግም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ከምዝጋጠመ ዝግለጽ ጸብጻት’ውን ኣሎ።
ኣብ ማሕበረሰብ ኣግታ-ፊሊፒንስ ንነዊሕ እዋን መጽናዕቲ ዘካየደ፡ ተመራማራ ስነ-ሰብ ቶማስ ሄድላንድ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ፡ ካብቶም ሰብኡት፡ ከባቢ ሓደ ርብዒ ዝዀኑ ብገበል መጥቃዕቲ ከምዘጋጠሞም ይገልጽ።
ዋላ’ኳ ዳርጋ ኵላቶም ብጐዘሞ ክከላኸሉ እንተፈተኑ፡ ብዙሕ ግዜ በጽሒ ኣግታ ብገበል ከምእተበልዑ ሓቢሩ።
ገባብል ንምንቅስቓስ፡ ድምጺን ካብ መብራህቲ ንዝወጽእ ሙቐትን ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ከምዝዀኑ እትገልጽ ኣብ ዩኒቨርስቲ ብራውኢጃያ ክኢላ ኣትማን ዝዀነት ኒያ ኩርንያዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ከምዝርሕቍ ትሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







