እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታይታኒክ: ናይ ጁባ ወርቂ ሰዓት ብ900 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጣ
እቲ ዝሃብተመ ተሳፋራይ ታይታኒክ ሒዝዋ ዝነበረ ወርቃዊት ሰዓት፡ ብጨረታ ካብቲ ዝተሓተተ ዋጋ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ወሲኹ፡ 900 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጣ።
እታ ናይ ጁባ ሰዓት ናይ’ቲ ፍሉጥ ነጋዳይ ጆን ጃኮብ ኣስቶር ኮይና፡ ኣብ ዊልትሻየር ናብ እንዳ ሰራሒ ወርቂ ተወሲዳ ምስ መርመረት፡ ብ150 ሽሕ ፓውንድ ከም እትሽየጥ ተገሚቱ።
ቅድሚ ሕዚ፡ ኻልእ ሓድጊ ታይታኒክ ዳርጋ ማዕረኣ'ኳ ተሸይጡ እንተነበረ፡ ግብሪን ክፍሊትን ወሲኹ ግን እቲ ዓዳጊ 1.175 ሚልዮን ፓውንድ ክኸፍል እዩ።
ሓራጂ ኣንድሪው ኣልድሪጅ፡ እቲ ጠቕላላ ወጻኢታት ብድምር፡ "ክብረወሰን ዓለም" ዝሰበረ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሕጂ ንሓደ ቅርሲ ታይታኒክ ዝተኸፍለ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ንሓንቲ ቦርሳ ክራር እዩ ነይሩ፡ ንሳ እውን ብ900 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጣ ነይራ።
እንተኾነ ግን ምስቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ግብሪን ክፍሊትን፡ ብድምር ብ1.1 ሚልዮን ፓውንድ ወሲድዋ።
እዚ ማለት፡ እታ ናይ ጁባ ሰዓት፡ ካብቲ ንሓንቲ ዝጠፍአት ኣቕሓ ብዝለዓለ መጠን ገንዘብ ዝተሸጠት ኮይና ኣላ።
መዘከርታት ታይታኒክ
እዞም ክልተ መዘከርታታት ባሕሪ ኣካል ናይቲ ኣብ ደቪዘስ ዝተኻየደ መሸጣ ልዕሊ 280 ኣቑሑት፡ ምስ መራኽብ ውቅያኖስ ዝተኣሳሰሩ እዮም።
ታይታኒክ ካብ ሳውዝሃምፕተን ናብ ኒውዮርክ እናተጓዕዘት ከላ፡ ብ14 ሚያዝያ 1912 ምሸት ኣብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ምስ በረድ ተጋጭያ፡ ልዕሊ 1500 ሰባት ሒዛ ጥሒላ።
እዚ ሓደጋ ኣብ ታሪኽ ባሕሪ ካብቶም ኣዝዮም ዘስካሕኽሑ ተጓንፎታት ሓደ ኮይኑ፡ ብዙሓት መጻሕፍቲ ክድረሱ፡ ተዋስኦታት፣ ደርፍታትን ፊልምታት ሆሊዉድን ክስርሑ ዘለዓዓለ እዩ።
እታ ሰዓትን እቲ ቡናዊ ቆርበት ዝሕብሩ ቦርሳ ክራርን ናይ ክልተ ሰባት ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ታይታኒክ ሰፊሕ ቦታ ዝወሃቦም እዩ።
ወዲ 47 ዓመት ሚስተር ኣስቶር፡ ንመርዓቱ ሊን ኣብ ጃልባ-ህይወት ኣድሕን ኣእትዩ ናይ መወዳእታ ሽጋራ ድሕሪ ምትካኹ እዩ፡ ምስታ መርከብ ጥሒሉ።
ዋላስ ሃርትሊ ድማ፡ ምስ ሸሞንተ ኣባላት ዝሓቖፈት ባንድ፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ጥቐኦም እናተጋህደ እንከሎ፡ ንተጓዓዝቲ ንምህዳእ ይፍትኑ ነይሮም።
ክልቲኦም ኣቑሑት፡ ምስ ሬሳ ዋናታቶም ካብ ውሽጢ ባሕሪ ዝተረኸቡ እዮም።
ኣቦ መንበር ማሕበር ታይታኒክ ብሪጣንያ ዴቪድ ቤዳርድ፡ "እዛ ሰዓት ዘይከምተን ካልኦት ኣብታ ለይቲ እቲኣ ኣትየን ዝተበላሸዋ ሰዓታት፡ ብወዲ ሚስተር ኣስቶር ቪንሰንት ተሓዲሳን ተኸዲናን እያ" ኢሉ።
"ንሰዓት ጄ.ጀይ.ኣስቶር፡ ንመንእሰይ ነፍሰጾር መርዓቱ ኣብ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባ ኣእትዩ ንድሕሪት ክምለስ ከሎ፡ ብህይወት ከምዘይነብር ይፈልጥ እዩ። እታ ሰዓት ኣብ ጁባኡ ከምዘላ ድማ ይፈልጥ ነይሩ፡ ዝገርም'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።