እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መርከብ ታይታኒክ ንምርኣይ ኣብ ውቅያኖስ ዝጠፍኡ ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊፁ
ስብርባር መርከብ ታይታኒክ ንምርኣይ ናብ ዓሚቝ ባሕሪ ድሕሪ ምእታዎም ዝጠፍኡን ክድለዩ ዝቐነዩን ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
እዞም ካብ 19-77 ዓመት ዝዕድመኦም ሓሙሽተ ሰባት፡ ነታ ቅድሚ 111 ዓመታት ዝጠሓለት መርከብ ታይታኒክ ንምርኣይ ዝሓለፈ ሰንበት እዮም ናብቲ ዓሚቝ ውቅያኖስ ብጠላቒት መርከብ - ሳብማሪን - ኣትዮም።
ናብቲ ጕዕዞ ካብ ዝብገሱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ድማ ምስቲ ኣብ ደገ ዘሎ መቈጻጸሪ ርክቦም ተበቲኹ።
ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኣኻኸቡ ክኢላታት ነቶም ዝጠፍኡ ሰባት ክደልዩ ዝፀንሑ ኰይኖም፡ እቲ ብ ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ዶላር ናብቲ ዓሚቝ ባሕሪ በጻሕቲ ዘጓዕዝ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህይወት እቶም 5 ሰባት ከምዝሓለፈ ኣፍሊጡ።
ነቶም ሰባት ንምድላይ ናብ ባሕሪ ዝተላእከ ሮቦት፡ ስብርባር ናይታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ሳብማሪን ካብ መርከብ ታይታኒክ ኣስታት 480 ሜትሮ ርሒቝ ከምዝረኸበ እዩ ዝግለፅ።
እቶም 5 በጻሕቲ ጕዕዞ ምስ ጀመሩ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣብታ ሳብማሪን ብዘጋጠመ ፍንጀራ ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዝወጽኡ ዘለዉ ሓበሬታት የመልክቱ።
ሓለዋ ባሕሪ ኣሜሪካ ግን እቲ ፍንጀራ መዓስን ኣበይን ከምዘጋጠመ ብልክዕ ክገልጽ ከምዘይከኣለ እዩ ዝሕብር።
ይዅን’ምበር ፍርስራስ ናይታ ሳብማሪን ካብቲ ኣሰር መርከብ ታይታኒክ ዝርከበሉ ኣስታት 4 ኪሎሜትር ዝዕምቈቱ ባሕሪ፡ ከባቢ 500 ሜትሮ ርሒቝ ተረኺቡ’ሎ።
እቶም ዝሞቱ ድማ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ነታ ሳብማሪን ዘመሓድር ኩባንያ ስቶክተን ራሽ፡ እንግሊዛዊ ቢልዮነር ሃሚሽ ሃርዲን፡ ፈረንሳዊ ጠላቒ ፖል-ሄንሪ ናርጉሎት ከምኡ’ውን እንግሊዛዊ/ፓኪስታናዊ ነጋዳይ ሻህዛዳ ዳውድን ወዱ ሱሌማን ዳውድን እዮም።
ሞይቶም ኣብ ዝብል መደምደምታ እኳ እንተተበጽሐ ሬሳኦም ግን ዛጊት ኣይተረኽበን።
ሰበስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ከቢድ ኵነታት ኣየር፡ “ሬሳ ናይቶም ሰባት ክንረኽቦ ኢና” ክብሉ ከምዘይክእሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ድሕሪ ሞት ናይቶም ውልቀሰባት፡ መራሕትን ፍሉጣት ሰባትን ሓዘኖም ክገልጹ ጀሚሮም ኣለዉ። መንግስቲ ኣሜሪካ ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ’ሎ።
ዋይት ሃውስ፡ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ዕጫ ወገናቶም እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ብዘይምፍላጦም ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ከምዝነበሩን ብምሕባር’ዩ ምጽንናዕ ተመንዩ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ብወገኑ ንስድራቤት ናይቶም በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ክድግፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ጀምስ ክለቨርሊ፡ መንግስቲ ንቤተሰብ እቶም እንግሊዛውያ ግዳያት ይድግፍ ከምዘሎ ብምሕባር ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮም ኢና ኢሉ።
‘ኦሽን ጌት’ ዝበሃል ኩባንያ፡ ነታ ኣብ 1912 ኣብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ዝጠሓለት መርከብ ታይታኒክ ንኽርእዩ ኣስታት 4 ኪሎ ሜተር ናብ ዝዕምቈቱ ባሕሪ ክጓዓዙ ንዝደልዩ በጻሕቲ፡ ክሳብ 250 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዘኽፍል ይፍለጥ።