እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስብርባር መርከብ ታይታኒክ ንምርኣይ ትሕቲ ባሕሪ ዝኣተዉ ቱሪስት ደሃዮም ጠፊኡ
ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ስብርባር መርከብ ታይታኒክ ዝርእዩ ቱሪስት ሒዛ ናብ ትሕቲ ባሕሪ ዝኣተወት ‘ሳብማሪን’ (ጠላቒት መርከብ) ብምስዋራ፡ ኣብ ኣትላንቲክ ሰፊሕ ስርሒት ኣለሻን ምድሓንን ይካየድ ኣሎ።
ምስታ ንእሽቶ ሳብማሪን ዝነበረ ርክብ ናብ ባሕሪ ካብ እትጠልቕ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ሰዓትን 45 ደቓይቕን ከም ዝጠፍአ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ገሊጹ።
‘ኦሽንጌት’ ዝተበሃለ ትካል ዑደት ነቶም ኣብታ ጠላቒት መርከብ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ንምድሓን ኵሎም ኣማራጺታት ይፍተኑ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
ነቲ ንሸሞንተ መዓልታት ዝጸንሕ ጕዕዞ ዝኽፈል ዋጋ ትኬት 250 ሽሕ ዶላር (195 ሽሕ ፓውንድ) ኰይኑ፡ ናብቲ ኣብ 3,800 ሜትሮ (12,500 ጫማ) ዕምቈት ዝርከብ ስብርባር ታይታኒክ ምጥላቕ ዝሕውስ እዩ።
ትካላት መንግስቲ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን ካናዳን ከምኡ’ውን ንግዳዊ ትካላት ዓሚቝ ባሕሪ ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ይሕግዙ ከምዘለዉ ሰበስልጣን ሓቢሮም ኣለዉ።
ስብርባር መርከብ ታይታኒክ ካብ ሴንት ጆንስ ኒውፋውንድላንድ ንኣንፈት ደቡብ ኣስታት 700 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ።
እታ ብትካል ‘ኦሽንጌት ታይታን ሳብመርሲብል’ ትውነን ምዃና ዝእመን ሳብማሪን፡ ዓቐን መኪና ጽዕነት ዘለዋ እያ። ሓሙሽተ ሰባት እትሕዝን መብዛሕትኡ ግዜ ንኣርባዕተ መዓልታት ህጹጽ ቀረብ ኦክስጅን ሒዛ ትጥሕልን እያ።
ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ሪየር ኣድሚር ጆን ማውገር ካብ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ 70 ክሳብ ምሉእ 96 ሰዓታት ክህሉ ንግምት" ኢሉ።
ብተወሳኺ ክልተ ነፈርቲ፡ ሓንቲ ሳብማሪንን ካልእ ሓጋዚ መሳርሕን ናብ ኣለሻ እታ መርከብ ከምዝተዋፈራ ብምሕባር፡ እቲ ኣለሻ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢ፡ "ርሑቕ" ብምዃኑ ግን ስርሒታት ኣፀጋሚ ከምዝገብሮ ኣመልኪቱ።
ወዲ 58 ዓመት እንግሊዛዊ ቢልዮነር ነጋዳይን ዳህሳሲን ሃሚሽ ሃርዲን ካብቶም ኣብታ ዝጠፍአት ሳብማሪን ዝነበሩ ምዃኑ ስድራኡ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ሃርዲን ቅድሚ መገሻኡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ኣብ መወዳእታ ናብቲ ስብርባር መርከብ ታይታኒክ ዝርከበሉ ከብዲ ባሕሪ ክጓዓዝ ምብቅዑ "ሕቡን ምዃኑ" ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ 2023 “ናይ መጀመርታን እንኮን ሰብ ዝሓዘ ተልእኾ ናብ ታይታኒክ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ" ክብል እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ጠላቒት መርከብ ‘ታይታን’
እታ ሳብማሪን መብዛሕትኡ እዋን ሓደ ፓይለት ምስ ሰለስተ ኣጋይሽ እትጓዓዝ ኰይና መገሻኣ ግን ኣብ ኒውፋውንድላንድ ካብ ዝርከብ ሴንት ጆንስ እዩ ዝብገስ።
ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ስብርባር ዝግበር ምጥላቕ ድማ እንተላይ ምውራድን ምድያብን ኣስታት ሸሞንተ ሰዓታት ከም ዝወስድ ይንገር።
ትካል ዑደት ‘ኦሽንጌት’ ዝውንነን ሰለስተ ‘ሳብመርሲብል’ ኣብ ዌብሳይቱ ብዝርዝር ዘቐመጠን ኰይኑ፡ እታ ‘ታይታን’ ብዝብል እትፍለጥ ጥራይ እያ ናብ ስብርባር ታይታኒክ ዘብጽሕ እኹል ዕምቈት ክትጥሕል ዓቕሚ ዘለዋ።
ዝሓለፈ ዓመት ብታይታን ሳብመርሲብል ዝተጓዕዘ ሪፖርተር ሲቢኤስ ዴቪድ ፖግ፡ ክልቲኦም ማለት እውን ኣባላት ሳብመርሲብልን ኣብ መሬት ዘለው ሰራሕተኛታትን ከጋጥሞም ዝኽእል ጉዳያት ብዝምልከት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስታ መርከብ ዝረዳድኣሉ "ዝኾነ መንገዲ" ከምዘየለ ኣረዲኡ።
ነዚ ከም ምኽንያት ዘቐመጦ ድማ ጂፒኤስ ይዅን ራድዮ "ኣብ ትሕቲ ማይ" ዘይምስርሖም እዩ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቶም ተሳፈርቲ ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ብደገ ስለዝተዓሸጉ፡ "ዋላ'ውን ባዕሎም ናብ ላዕለዋይ ኣካል ማይ እንተወጽኡ ካብ ውሽጢ ክወጽኡ ዝኽእሉሉ መንገዲ ግን የለን።
ኣብ ደገ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ክሕግዙኻ እንተዘይክኢሎም ካብታ ጠላቒት መርከብ ክትወጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ" ክብል ኣረዲኡ።
ኣብ እዋና እታ ዝዓበየት መርከብ ዝነበረት መርከብ ታይታኒክ፡ ኣብ 1912 ካብ ሳውዝሃምፕተን ናብ ኒውዮርክ ኣብ ዝገበረቶ ናይ መጀመርታ ጕዕዞ ምስ በረድ ተላቲማ ከምዝጠሓለት ይንገር፤ ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 2200 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ድማ ልዕሊ 1500 ሞይቶም።