እንዛረቦ ቋንቋ ንኣተሓሳስባና ብኸመይ ይጸልዎ?

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንሓደ ሜዳ ብስያፍ ክትሰግሮ እንተትሕተት፡ እንታይ እንታይ ምገበርካ? 20 ዶላር ሎሚ ወይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኸኣ ዕጽፊ ክትወሃብ ኢኻ እንተትበሃል እንታይ ኢኻ ትሓስብ?

10 ኣሳእል ወለዶኻ - ኣቦኻ ኣቦሓጐኻ. . .- ብመስርዕ ግዜ ስርዓዮም እንተትበሃል ብኸመይ ምሰራዕካዮም ትኸውን? ካብ ላዕሊ ንታሕቲ፣ ካብ የማን ንጸጋም፣ ወይ ብኣንጻሩ?

እዚ ሕቶታት እዚ ቀሊል ክመስል ይኽእል እዩ፤ እዚ ዘገርም ግን፡ ነዚ ሕቶታት ዝወሃቦ መልሲ በቲ እንዛረቦ ቛንቋ ወይ ቋንቋታት ዝጽሎ ምዃኑ እዩ።

‘Our New Book’ ኣብ እትብል መጽሓፍ ንኣገባብ ኣተሓሳስባና ዝጸልዉን ዝቈጻጸሩን ካብ ጀነቲካዊ ክሳብ ዲጂታላዊ ቴክኖሎጅን መወዓውዒን ብዙሓት ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሒታት ተዳህሲሶም ኣለው።

ቋንቋ፡ ብዛዕባ ግዜን ቦታን ዘሎና ሓሳብ ወይ መረዳእታ ኣዝዩ ዝገርም ጽልዋ ከም ዘለዎ ይርአ።

ኣብ መንጐ ቋንቋን ኣብዞም ክልተ ኣገደስቲ ነገራት - ግዜን ቦታን - ዘለና ኣረኣእያን ዘሎ ርክብን፡ ቀንዲ ሕመረት ‘ቲ ‘ምሕሳብ ኣድማሳውን ብቛንቋ ዘይጽሎን ነገር ድዩ ወይስ ሓሳባትና ብቛንቋና እዩ ዝውሰን?’ ዝብል ነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ክትዕ እዩ።

ሎሚ ውሑዳት ተመራመርቲ እዮም ሓሳባትና ምሉእ ብምሉእ ብቛንቋ ከም ዝቕረጽ ዝኣምኑ። ዕሸላትን ቈልዑን ቅድሚ ምዝራቦም ከም ዝሓስቡ ንፈልጥ ኢና።

ሓያለ ክኢላታት ኣብዚ እዋን ግን፡ ልክዕ ከምቲ ኣተሓሳስባናን ባህልናን፡ ቋንቋ ብኸመይ ከም ዝምዕብል ዝቐርጹ፡ ቋንቋ ንኣተሓሳስባና ክጸልዎ ከም ዝኽእል ይኣምኑ።

"ብርግጽ ብኽልቲኡ ሸነኽ እዩ ዝኸይድ" ኢላ ትምጕት ቶራ ተንብሪንክ ዝተባህለት ክኢላ ቛንቋ ካብ ዩኒቨርሲቲ ባንጐር ብሪጣንያ።

ቋንቋ ንኣተሓሳስባ ከም ዝጸልዎ ዝሕብር መርትዖታት ሸለል ክበሃል ከም ዘይክእል ዳንኤል ካሳሳንቶ ዝተባህለ ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ኮርነል ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ የቐምጥ።

ንኣብነት፡ “ሰባት ዝያዳ ኣቓልቦ ዝህብዎ ነገራት” ከም ዝዝክሩ ንፈልጥ ኢና። ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንጾታ ይዅን ምንቅስቓስ፡ ሕብሪ ዝተፈላለዩ ነገራት ከነቕልበሉ የገድዱና እዮም።

"እዚ ልብወታዊ/ተገንዝቦኣዊ መስርሕ ስለዝዀነ ዘካታዕ ኣይመስለንን፡" ይብል ካሳሳንቶ።

ክኢላታት ቋንቋ፡ ኒውሮሳይንቲስት፡ ስነ-ኣእምሮኣውያንን ካልኦትን፡ ቋንቋ ንሓሳባትና ዝጸልወሉ መገድታት ንምቕላዕ፡ መብዛሕትኡ ንዝምድና ግዜን ቦታን ዝኣመሰሉ ንትርጕም ክፉታት ዝዀኑ ረቀቕቲ ኣምራት ኣተኵሮም ንዓሰርተታት ዓመታት ጻዕሪ ኣካይዶም እዮም።

ሳይንሳዊ ውጽኢት ምርካብ ግን ቀሊል ኣይኰነን።

ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰባት ጥራይ እንተ ኣነጻጺርና፡ ዝዀነ ፍልልይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባህሊ፡ ስብእና ወይ ካልእ ምዃኑ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ።

ቋንቋ፡ ነብስና ኣብ ምግላጽ ዝጻወቶ ወሳኒ ተራ’ውን ካብዞም ካልኦት ጽልዋታት ኣብ ግምት ከየእተኻ ምሕላፉ ኣጸጋሚ እዩ።

ነዚ ሕንቅልሕንቅሊተይ ንምፍታሕ ዘኽእል መንገድታት ግን ኣሎ።

ንኣብነት ካሳሳንቶ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤተ-ፈተነኡ፡ ሰባት ካብ ካልእ ቋንቋታት ዝመጹ ተምሌታት (ብቛንቋኦም) ከም ዝጥቀሙ ይገብር እሞ፡ እዚ ኣብ ኣተሓሳስባኦም እንታይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይምርምር።

ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ረቀቕቲ ኣምራት ንምሕሳብ ተምሳሌ ከም ዝጥቀሙ ዝፍለጥ እዩ፤ ንኣብነት፡ "ልዑል ዋጋ"፡ "ነዊሕ ግዜ" ወይ "ዓሚቝ ምስጢር". . . ወዘተ ንዝብሉ ሓሳባት ማለት እዩ።

ነዚ፡ ካብ ዝተፈላለየ ባህልታት ዝመጹ ሰባት ምንጽጻር፡ ነቲ ውጽኢት ክጸልዎ ስለዝኽእል ኣይምረጽን እዩ።

ኣብ ክንድኡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝዛረቡ ግን ካብ ሓደ ዓይነት ባህሊ ዝመጹ ሰባት፡ ኣተሓሳስባኦም ከመይ ከም ዝቕየር ኢኻ ተተኵር። ስለዚ ዝዀነ ባህላዊ ፍልልይ ካብቲ መዐየሪ ይእለ’ሎ ማለት እዩ።

ቋንቋ ንሓሳባትና ብኸመይ ከም ዝቈጻጸሮ መጽናዕቲ ካብ ዝገበሩ ፍልጥቲ ሳይንሰኛ ልብወት፡ ሌራ ቦሮዲትስኪ፡ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ንግዜ ከም ሓደ ጋድማዊ [Horizontal] መስመር ከም ዝቘጽርዎ ክትዕዘብ ክኢላ።

በዚ መሰረት፡ ኣኼባታት ን"ቕድሚት" ምድፋእ፣ ወይ ድማ ደረት ግዜ ድማ ኣብ "ድሕሪት" ከቐምጥዎ እዮም ዝሓስቡ ማለት እዩ።

ግዜ፡ ካብ ጸጋም ናብ የማን ከም ዝጓዓዝ ገይሮም እዮም ክርእይዎ ዝኽእሉ። እዚ ኸኣ ምስቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝጽሓፈሉ ኣገባብ ዝሰማማዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። 

እዚ ምስቲ ኣንፈት ጽሑፍ ዘሎ ርክብ ግንዛበ ግዜ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኦት ቋንቋታት’ውን ዝሰርሕ ይመስል።

ንኣብነት፡ ካብ የማን ናብ ጸጋም ዘንብቡን ዝጽሕፉን ተዛረብቲ እብራይስጥ፡ ​​ንግዜ ልክዕ ከም ጽሑፎም ካብ የማን ዝጅምር ገይሮም እዮም ዝርእይዎ።

ንሓደ ተዛራባይ እብራይስጥ ስእልታት ወለዶኡ ብመስርዕ ከቐምጦ እንተተሓቲቱ፡ ኣሳእል እቶም ዓበይቲ ብየማን ብምቕማጥ ጀሚሩ ናብ ጸጋም እዩ ዝመጽእ።

ተዛረብቲ ቋንቋ ማንደሪን ግን መብዛሕትኡ እዋን፡ ንግዜ ከም ቀጥታዊ/ትዅላዊ [Vertical] መስመር ይቐርጽዎ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ላዕሊ ንሕሉፍ ታሕቲ ድማ ንመጻኢ ዝውክል እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ መጻኢ ፍጻመታት ክዛረቡ ከለዉ ‘xia’ [ዚያ] ዝብል ቃል ይጥቀሙ።

ስለዚ "ዝመጽእ ሰሙን" ቃል ብቓሉ ክትርጐም እንከሎ "ታሕታይ ሰሙን" ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ማንደሪን ዝጸሓፈሉ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝኸይድ እዩ።

ኣብ ኣእምሮ እቶም ልዕሊ ሓደ ቋንቋታት ኣቀላጢፎም ዝዛረቡ ሰባት እንታይ ከም ዘጋጥም ምስ እንርኢ፡ እዚ ነገር’ዚ መሊሱ ዝገርም እዩ ዝኸውን።

"ክልተ ቋንቋታት ምስ ዝዛረቡ ሰባት፡ ቃል ብቓሉ ክልተ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብ ሓደ ኣእምሮ ምዕዛብ’ዩ" ይብል ፓኖስ ኣታናሶፑለስ ዝተባህለ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ላንካስተር ክኢላ ስነ-ቋንቋ።

"እዚ ማለት፡ ቋንቋ ክቕየር እንከሎ እቲ ሰብ ባህርያቱ ክቕየር ይኽእል ማለት እዩ።"

ብሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ግድን ክንቅየድ እንኽእል ኣይኰነን።

ካሳሳንቶ፡ ሰባት ብመስትያት ዝተገልበጠ ጽሑፍ ንኸንብቡ ብምስልጣን፡ ንኣእምሮኣዊ ግንዛበ ግዜ ሰባት ቀልጢፍካ ክትመልሶ ወይ ክትቅይሮ ከም እትኽእል ኣርእዩ እዩ።

ኣብ እንግሊዝኛን ኣብ ካልኦት ቋንቋታት ኣውሮጳን ብሓፈሻ፡ ሕሉፍ ከም ኣብ ድሕሪት መጻኢ ከኣ ኣብ ቅድሚት ጌርካ እዩ ዝሕሰብ።

ኣብ ቋንቋ ሽወደን ንኣብነት ንመጻኢ ዝገልጽ ቃል ‘framtid’ ኰይኑ፡ ቃል ንቓሉ “ቀዳማይ መስመር” እዩ ዝትርጐም።

እንተዀነ፡ በቲ ኣብ ቦሊቭያ፡ ቺለ፡ ፔሩ፡ ኣርጀንቲና ዝዝውተር ቋንቋ ‘ኣይማራ’ ዝዛረቡ ሰባት፡ ንመጻኢ ዘመልክት ቃል ክትርጐም እንከሎ “ድሕሪ ግዜ” ዝብል እዩ።

እቶም ተዛረብቲ ብዛዕባ’ዚ ክምጕቱ እንከለው፡ መጻኢ እንርዮ ነገር ስለዘይኰነ፡ ከምዚ ብድሕሪት ዘሎ/ ዝተኸወለ ዓይነት ነገር ስለዝዀነ እዩ፡ ብድሕሪት ከም ዘሎ ዝምልከት ይብሉ።

በዚ መረዳእታ’ዚ፡ ኣይማራ ብዛዕባ መጻኢ ክዛረቡ ከለዉ ንድሕሪት ዘመልክት ወስታታት እዮም ዝጥቀሙ።

ብኣንጻሩ ተዛረብቲ ስጳኛ ንመጻኢ ዝገልጽ ዘረባ ክሕዙ እንከለው፡ ኣእዳዎም ወይ ወስታታቶም ንቕድሚት እዩ ዘመልክት።

ብተመሳሳሊ፡ ልክዕ ከምቶም ኣይማራ፡ ተዛረብቲ ማንደሪን፡ መጻኢ ብድሕሪኦምን ሕሉፍ ኣብ ቅድሚኦምን ከም ዘሎን ገይሮም እዮም ዝግምቱ፥

ስለዚ ብቕድሚ ትማሊ ንምባል፡ "ቅድሚት መዓልቲ" ንጽባሕ ድማ "ድሕሪት መዓልቲ" ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ።

ክልቲኡ ማንደሪንን እንግሊዝኛን ዝዛረቡ ሰባት፡ ኣብ መንጐ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ዘሎ ግንዛበ ብዛዕባ መጻኢ ኣብ ዝቐያይሩሉ ግዜ ምግርጫው የጋጥም።

ሰባት ብዛዕባ ንውሓት ግዜ ንምዝራብ ቦታዊ ተምሳሌታት ክጥቀሙ ከም ዝፍትኑ ተመራማሪ ካሳሳንቶ ኣብ መጽናዕቱ ኣስተውዒልዎ እዩ።

ንኣብነት ኣብ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ጀርመንኛን ቋንቋታት ስካንዲናቭያንን፡ "ነዊሕ" ኣኼባ፡ "ሓጺር" ዕረፍቲ ክበሃል ይኽእል እዩ። ካሳሳንቶ እዞም ተምሳሌታት ክንዮ ኣዘራርባ ምዃኖም እዩ ዝምጕት፤ ሰባት ን"ንውሓት" ግዜ ኣብ ቦታዊ መዐቀኒ ዝገልጽ ኣምር ኣቐሚጦም ይግንዘብዎ፡ ይብል።

እቲ ተመራማሪ ኣብ መጀመርታ እዚ ንዅሎም ሰባት፡ ዝዛረብዎ ቋንቋታት ብዘየገድስ ኣድማሳዊ ክውንነት እዩ ኢሉ ይኣምን ነይሩ።

እንተዀነ ኣብ ግሪኽ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ዋዕላ፡ ርኽበታቱ ኣብ ዘቕርበሉ ዝነበረ እዋን ግን፡ እዚ መረዳእታ’ዚ ኣብ ቋንቋኣ ከምዘይሰርሕ ብምግላጽ ሓንቲ ተሳታፊት በዲሃቶ።

ንሱ ግን ፈለማ ተገሪጩ ከም ዝመለሰላ ይኣምን፤ "እቲ ቀዳማይ መልሰይ ቅሩብ ንዕቀት ዝመልኦ እዩ ነይሩ" ይብል።

ደሓር ግን፡ "ምዝራብ ኣቋሪጹ ክሰምዕ ከም ዝጀመረ" ይዛረብ።

እቲ ውጽኢት ድማ ንመስርሕ መጽናዕቱ ቀይሩ፣ ኣክንዲ ኣድማሳውነት ኣተሓሳስባ ምስ ቋንቋ ዝተኣሳሰር ፍልልያት ኣተሓሳስባ ከተኩር ገበሮ።

እቲ ዝረኸቦ ነገር እንተሃልዩ፡ ግሪኻውያን ንግዜ ከም ሓደ ሰለስተ ሸነኻዊ ኣካል፣ ንኣብነት ከም ክመልእ ዝኽእልን ጥርሑ ክኸውን ዝኽእልን ጥርሙዝ ገይሮም ክወስድዎ ከም ዝኽእሉ እዩ።

በዚ መሰረት ድማ ኣኼባ ንኣብነት፡ "ነዊሕ" ዘይኰነስ "ዓቢ" ወይ "ብዙሕ" ይኸውን፣ ዕረፍቲ ድማ "ሓጺር" ዘይኰነ "ንእሽቶ" ኰይኑ ይግለጽ ማለት እዩ።

ኣብ ስጳኛ እውን ብተመሳሳሊ።

"ብእንግሊዝኛ 'ነዊሕ ግዜ' ኢለ ክዛረብ እኽእል እየ፤ ነዚ ኣገላልጻ ብግሪኽ እንተተጠቒመሉ ግን ሰባት ከም ሓደ መስሓቄን እዮም ዝጥምቱኒ" ከኣ ይብል፤

"ብግጥማዊ መንገዲ ወይ ብኣግንኖ ዝጥቀመሉ ዘለኹ እዩ ዝመስሎም።"

ቋንቋታት እውን ኣብ ሰዋስዎም ግዜ ይሕብሩ እዮም። ንኣብነት ብእንግሊዝኛ፡ መጻኢ ምስ ሕሉፍን ህሉውን ካብ ሰለስተ ቀለልቲ ግዜታት ሓደ እዩ፤ "ዘኒቡ"፡ "ይዘንብ" ከምኡ'ውን "ክዘንብ እዩ" ንብል።

ብቋንቋ ጀርመን ግን ‘Morgen regnet’ ክትብል ትኽእል ኢኻ፣ ክትርጐም እንከሎ፡ "ጽባሕ ይዘንብ" ማለት እዩ። መጻኢ ንምግላጽ፡ ሰዋስው ምህናጽ ኣየድልየካን።

ንብዙሓት ካልኦት ቋንቋታት፡ እንተላይ ማንደሪን፣ "ዝመጽእ ወርሒ ንበዓል ይኸይድ።" ኢልካ ክዝረብ ይከኣል እዩ።

እዚ ግን ንኣተሓሳስባና ይጸልዎ ድዩ?

ኣብ 2013፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ክኢላ ስነ-ቑጠባ ዝዀነ ኪት ቸን፡ "መጻኢ ዘይብሉ" ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰባት፡ ካብቶም ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ንላዕሊ፡ ናብ መጻኢ ዝቐረቡ ኰይኑ ይስምዖም ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ተበጊሱ።

ቋንቋታት ጀርመን፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ ነዘርላንድስ፡ ስካንዲናቭያን ኣብ መንጐ ህሉውን መጻእን ዝዀነ ሰዋሱዋዊ ሓጹራት ዘይብሎም ክዀኑ ከለዉ፡ "መጻኢ ዘለዎም ቋንቋታት"፡ ከም እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ጣልያንኛ፡ ስጳኛን ግሪኽን፡ ንመጻኢ ካብ ህሉው ዝተፈልየ ነገር ገይሮም ንኽርእይዎ ይድረኹ።

ብዙሓት ቋንቋታት ግን፡ እንተላይ እንግሊዝኛ፡ ንቦታዊ ኣንፈት ንምግላጽ ኣሻመወቲ ቃላት ይጥቀሙ - ንኣብነት "ኣብ ጐድኒ"፡ "ንጸጋም"፡ "ድሕሪ" ወይ "ልዕሊ"።

ቦታ ንምሕባር ብዛዕባ’ቲ መወከሲ ዝኸውን ዘሎ ክንሕስብ የድሊ።

ሓደ ሰብ ንኣብነት፡ ኣብ የማናይ ሸነኽ እታ ኮምፒተር መፍትሕ ኣሎካ፡ እንተ ኢሉካ፡ እታ መፍትሕ ኣበይ እያ ዘላ? ኣብ የማናይ ሸነኽ ኮምፒተር ድያ ወይስ ብናትካ ኣዒንቲ ክትጥምታ እንከለኻ እዩ እቲ የማን? እቲ ቀዳማይ "ውሽጣዊ" መወከሲ [ክልተ መወከሲ ነጥብታት ዘለዎ፡ ኮምፒተርን መፍትሕን] እቲ ካልኣይ ድማ "ተዛማዲ" መወከሲ [ሰለስተ መወከሲ ነጥብታት ማለት፡ ኮምፒተር፡ መፍትሕን ተዓዛብን] ይበሃል።

እዚ ድማ ከመይ ጌርና ከም እንሓስብን ክድህስስን ክቐርጽ ይኽእል እዩ።

ብዝዀነ መንገዲ ምስ ብኻልእ ቋንቋ ዝዛረበካ ሰብ ኣብ እትራኸበሉ እዋን፡ ቦታ ክትመርጽ እንተዄንካ ኣብ ኣእምሮኻ ክትሕዞ ዘለካ ነገር እዩ።

ተዛረብቲ ገለ ቋንቋታት እውን ካብቲ መቓን ናይቲ ዛዕባ ንላዕሊ ኣብ ተግባራት ወይ ምንቅስቓሳት እዮም ዘተኵሩ።

ምንቅስቓስ ዘለዎ ቪድዮታት ዝዕዘቡ ተዛረብቲ እንግሊዝ፡ ስጳኛ፡ ዓረብን ሩስያን ንኣብነት ነቲ ዘጋጠመ ወይ ዝርእይዎ ነገር ብመንጽር ተግባራቱ ጥራይ ይገልጽዎ።

ንበል "እቲ ሰብ ይኸይድ ኣሎ" ክብሉ እንከለዉ፣ ብኣንጻሩ ተዛረብቲ ቋንቋ ጀርመን፡ ኣፍሪቃን ሽወደንን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ኵለንተናዊ ስእሊ ዝህብ ትሕዝቶ ኣተኲሮም እዮም ዝዛረቡ፤ "እቲ ሰብ ናብታ መኪና ገጹ ይኸይድ ኣሎ፡" ይብሉ።

እዚ መጽናዕቲ እናዓበየን እናዓሞቐን፡ ቋንቋ ብዛዕባ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዓለም ብኸመይ ንርድኦን ብእኡ ንመላለስን ማዕረ ክንደይ ጽልዋ ከም ዝገብር እናተነጸረ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ማለት ግን ዝዀነ ቋንቋ ካብ ካልእ ቋንቋ "ይበለጽ" ማለት ኣይኰነን።

ቋንቋታት ብኸመይ ከም ዝፈላለዩ ምፍላጥ ግን ብዝበለጸ ክትሓስብ፡ ክትድህስስን ክትረዳዳእን ክሕግዘካ ይኽእል።

ብዙሐ-ልሳን ምዃን ግድን በሊሕ ዝገብረካ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ኵላትና ሓድሽ ቋንቋ ብምምሃር ሓድሽ ኣረኣእያን ዝያዳ ተዓጻጻፊ ርድኢት ዓለምን ክንረክብ ንኽእል ኢና።