እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣርመንያውያን ተቓለስቲ ብሓይሊ ኢዶም ሂቦም
ፕረዚደንት ኣዘርባጃን፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዓሌት-ኣርመንያ ን24 ሰዓታት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ ትሕቲ ናጎርኖ-ካራባክ ዝነበረ ልኡላውነት ሃገሩ ከም ዝተመልሰ ኣዊጁ።
ኢልሃም ኣሊየቭ፡ ሓይልታት ካራባክ ኢዶም ክህቡ ምስ ተሰማምዑ፡ ድሕሪ ሰዓታት ንጅግንነት ሰራዊት ሃገሩ ንኢዱ።
ኣስታት 120 ሽሕ ዓሌት ኣርመንያ ኣብቲ ኣካል ኣዘርባጃን ምዃኑ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ደቡባዊ ካውካሰስ ይነብሩ።
ሕጂ ኣዘርባጃን ነቲ ዝተበታተነ ዞባ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ከተእትዎ ትሕልን።
ሰራዊታ፡ ሓይልታት ካራባክ ጻዕዳ ባንዴራ ከልዕሉን፡ “ዘይሕጋዊ ስርዓቶም” ከፍርሱን ኣለዎም ብምባል ብሰሉስ “ጸረ-ሽበራ” ዝበሎ ስርሒት ክወስድ ከም ዝጀመረ ይዝከር።
እዞም ህዝቢ ካብ ጐረቤት ሃገር ኣርመንያ ዝዀነ ደገፍ ስለ ዘይነበሮም ግን፡ ድሕሪ ናይ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጽንኩር ዕጽዋ፡ ኢዶም ክህቡ ተገዲዶም ኣለው።
ሰበስልጣን ኣርመንያ፡ ሸውዓተ ሲቪላት ዝርከብዎም ብውሕዱ 32 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ካልኦት 200 ድማ ከም ዝቘሰሉን ሓቢሮም።
ይዅን’ምበር ብመሰረት ሓደ ኣርመንያዊ በዓል ስልጣን ሰብኣዊ መሰላት ብውሕዱ 200 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 400 ድማ ቆሲሎም።
ቢቢሲ ነዞም ኣሃዛት ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ትማሊ ረቡዕ ምሸት ሰበስልጣን ኣርመንያ፡ ኣዘርባጃን ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰራዊታ ተኹሲ ከም ዝኸፈተት ከሲሶም እኳ እንተነበሩ፡ ኣዘርባጃን ግን ነቲ ክሲ ብኡንብኡ ነጺጋቶ።
ኣቐዲሙ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒኮል ፓሺንያን ነቲ ቅልውላው ብዘርኣዮ ኣተኣላልያ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ንምሕታት ናብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ ኣርመንያ የረቫን ወጺኦም ነይሮም።
ሰራዊት ኣዘርባጃን፡ ትማሊ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር (09፡00 GMT ጀሚሩ) ክልቲኦም ወገናት ብመንገዲ ዓቃብ ሰላም ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ተጻብኦታት ደው ክብል ከም ዝተሰማምዑ ቅድሚ ምግላጾም፡ ልዕሊ 90 ቦታታት ካብ ዓሌት ኣርመንያ ከም ዝሓዘ ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ብኣዘርባጃንን ዓቃብ ሰላም ሩስያን ዝተዘርዘረ ውዕላት ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ሓይልታት ካራባክ ምሉእ ብምሉእ ክበታተኑን ዕጥቆም ክፈትሑን ክሰማምዑ ኣለዎም።
መንግስቲ ኣብኡ ዝዀነ ወተሃደራዊ ህላወ ከም ዘይብሉ እኳ እንተገለጸ፡ ሓይልታት ኣርመንያ ካብቲ ከባቢ ክስሕቡ ግድን ክብል እዩ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣዘርባጃን፡ ሎሚ ሰብ መዚ እታ ሃገር ምስ ወከልቲ ኣርመንያ ካራባክ ኣብ ከተማ የቭላክ ብምርኻብ ኣብ “ጉዳያት ዳግመ ውህደት” ክዘራረቡ ምዃኖም ገሊጹ።
ፕረዚደንት ዓሊየቭ፡ ኣዘርባጃናውያን እንትርፎ እቲ “ገበነኛ ጁንታ” ኣንጻር እቲ ህዝቢ ዝዀነ ነገር የብሎምን ኢሉ።
የቭላክ ካብታ ብኣርመንያውያን ‘ስቴፓናከርት’ ተባሂላ እትፍለጥ ዞባዊት ርእሰ ከተማ ካራባክ ካንከንዲ ንሰሜን ኣስታት 100 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።
ሕብረት ሶቭየት ካብ እትፈርስ ንደሓር፡ ኣርመንያን ጎረቤታን ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣዘርባጃን ዝርከብ ኣኽራናን ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ ክልተ ውግኣት ኣካይደን።
እቲ ኣብ 2020 ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለን ሞት ሓያሎ ኣሽሓት ሰባት ሞት ዘስዓበን ኲናት፡ ብቱርኪ እትድገፍ ኣዘርባጃን ንከባቢታት እቲ ዓሌት ኣርመንያ ዝነበርሉ መሬት ዳግማይ ክትሕዝ ኣኽኢልዋ እዩ።
ንዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ከኣ፡ ኣዘርባጃን ነቲ ካብ ኣርመንያ ናብ ካራባክ ዝኣቱ ብ’ኮሪደር ላቺን’ እንኮ መገዲ ኣጽኒዓ ዓጽያቶ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ዓሌት ኣርመንያ ድማ ሕጽረት መግቢ፡ መድሃኒትን ናውቲ ጽሬትን ከጋጥሞም እንከሎ ኣርመንያ ክትሕግዝ ኣይክኣለትን ጸኒሓ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ገለ ሓገዝ ክሓልፍ እኳ እንተተፈቐደ፡ ኣርመንያውያን ካራባክ በቲ ዕጽዋ ተዳኺሞም ስለ ዝጸንሑ፡ እቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣዘርባጃን ክምክቱ ኣይከኣሉን፤ ገለ ግዳማዊ ደገፍ ክረኽቡ’ውን ተስፋ ኣይነበሮምን።
ኣስታት 2000 ዓቃብ ሰላም ሩስያ ነቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደ ተዅሲ ደው ምባል ክከታተልዎ መደብ ነይሩ።
ኣርመንያ ኣካል ወተሃደራዊ ኪዳን ሲኤስቲኦ ሩስያ’ኳ እንተዀነት፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዩክረይን ዝተወልዐ ኲናት ግን ተገዳስነታ ከም ዝነከየ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርመንያ፡ ሃገሩ ንካራባክ ከም ኣካል ኣዘርባጃን ኣፍልጦ ክትህባ ድልውቲ እያ ኢሉ ነይሩ።