እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዘርባጃን፡ 'ኣርመናውያን ኢድኩም ሃቡ' ብምባል ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊታ
ኣዘርባጃን ኣብ ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ ትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ንኻልኣይ መዓልቲ ይቕጽል ከም ዘሎ ገሊጻ።
እዚ ክሳብ ኣብ ካራባክ ዝርከቡ ዓሌት ኣርመንያውያን ኢዶም ዝህቡ ደው ከም ዘይብል ኣጠንቂቓ።
ኣብ ዙርያ እቲ ብደረጃ ዓለም ኣካል ኣዘርባጃን ምዃኑ ዝፍለጥ ተገንዘጸልቲ ዝርከቡሉ ደቡብ ካውካሰስ ዝዓሰለ ወጥሪ ኣዋርሕ ገይሩ ኣሎ።
ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እየን ንመወዳእታ ግዘ ኲናት ኣካይደን።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣዘርባጃን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዕጡቓት ሓይልታት ኣርመንያ ዝዀኑ ወተሃደራዊ መካይን፡ መዳፍዕን ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይላትን ዘጠቓለለ ናውታት ከም ዝዓነወ ተዛሪቡ።
ሰብመዚ ናጎርኖ-ካራባክ ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክልተ ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም 27 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ከም ዝቘሰሉን ይገልጹ።
ኣዘርባጃን እቲ ጐንጺ ብዘተ ንምፍታሕ ድልውቲ ምዃና እኳ እንተገለጸት፡ "ዘይሕጋውያን ወተሃደራዊ ቅርጽታት ኣርመንያ ግን ጻዕዳ ባንዴራ ከልዕሉ ኣለዎም" ከምኡ’ውን እቲ “ዘይሕጋዊ ስርዓት” ክፈርስ ከም ዘለዎም ትገልጽ።
ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ንመጀመርያ ግዜ ናብ ውግእ ዝኣተዋ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት እዩ።
ብድሕሪኡ ኣዘርባጃን ቅድሚ ዕርቂ ምውራዱን ዓቃቢ ሰላም ሩስያ ኣብቲ ከባቢ ምስፋሩን ብ2020 ኣብ ናጎርኖ-ካራባክን ከባቢኡን ዝርከቡ ከባቢታት ዳግማይ ተቘጻጺራ።
ኣብ ካራባክ ዝርከቡ ዓሌት ኣርመንያ ትማሊ ሰሉስ ተኹሲ ደው ክብልን ዝርርብ ክጅመርን ጸዊዖም ኣለው።
እንተዀነ፡ ኣዘርባጃን ዝሃበቶ ግዘ ገደብ ነቲ ኣኽራን ዝበዝሖ ምድረበዳ እታ ዞባ መሊእኻ ምቁጽጻር ምዃኑ የመላኽት።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርመንያ ኒኮል ፓሺንያን፡ ኣዘርባጃን “ዓሌታዊ ምጽጻይ” ዝዓለመ ስርሒት ጀሚራ ኣላ ክብል ከሲሱ።
ብምላሽ ሃገሮም ዝተቘጥዑ ኣማኢት ኣርመንያውያን ሰልፈኛታት ግን፡ ኣብ የረቫን ኣብ ፊት ባይቶ እታ ሃገር ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም፤ ንመራሒኦም ድማ ከዳዕ ክብሉ ብምኹናን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዖም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ዓሊየቭ ዝወስዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብቕልጡፍ ጠጠው ከብሉ ሓቲቶም ኣለው።
ኣዘርባጃን፡ ካብታ ብዓሌት ኣርመንያውያን ‘ስቴፓናከርት’ ተባሂላ እትጽዋዕ ርእሰ ከተማ ዞባ ካራባክ ካንከንዲ ንሰሜን ኣስታት 100 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ የቭላክ ዘተ ክጅምር ከም ዝኽእል ገሊጻ።
ካብ መወዳእታ 2020 ጀሚሩ 2000 ሩስያውያን ነቲ ተኣፋፊ ዕርቂ ክልቲአን ሃገራት ክከታተሉዎ’ኳ እንተጸንሑ፡ ሞስኮ ግን ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ድሕሪ ዘካየደቶ ወራር ኣቓልቦኣ ናብ ዩክሬይን ዘይሩ እዩ።
ኣብቲ ኣኽራን ዝበዝሖ ከባቢ ኣስታት 120 ሽሕ ዓሌት ኣርመንያ ይነብሩ።
ሩስያ ወተሃደራታ ካብቲ ኣዝዩ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ከባቢታት ዳርጋ 500 ሲቪላት ከም ዘግዓዙ ክገልጹ እንከለዉ፡ መራሕቲ እቶም ተገንጸልቲ ብገኖም ኣስታት ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ክግዕዙ ከምዝገበሩ ይገልጹ።
ንዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ድማ፡ ኣዘርባጃን ኣብ ከባቢ ካብ ኣርመንያ ናብ ውሽጢ ግዝኣታ ዝኣቱ ብ ‘Lachin Corridor’ ዝፍለጥ እንኮ መስመር ዕጽዋ ኣዊጃ ጸኒሓ ኣላ።
ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣዘርባጃን፡ትማሊ ንጉሆ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ነትጒ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶም ስዒቡ ዝወሰደቶ ግብረ መልሲ ምዃኑ ትገልጽ።
ብድሕሪኡ ኣብ ከተማ ካራባክ ድምጺ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፣ መዳፍዕን ተኹስን ይስማዕ ነይሩ።
በዚ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተሃስዩ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ።
ኣብታ ተገንጻሊት ዞባ ዝርከቡ ሰበስልጣን ምክልኻል፡ ሰራዊት ኣዘርባጃን “ኣብቲ ከባቢ ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦ መጥቃዕቲ ሚሳይል-መዳፍዕ ጥሒሱ" ኢሎም።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣዘርባጃን፡ ንሲቪላት ወይ ንሲቪላዊ ህንጻታት ዒላማ ከም ዘይገብርን፡ "ሕጋዊ ወተሃደራዊ ዒላማታት ጥራይ ዓቕሚ ክስእኑ” ይግበር ከም ዘሎን ይምጒት።
ዞባዊ ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ቶይቮ ክላር "ህጹጽ ምቁራጽ ተኹሲ” ከም ዘድሊ ክዛረብ እንከሎ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ እቲ ውግእ ብቕልጡፍ ደው ክብልን እቲ “ብ 2020 ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባልን መትከላት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን ክኽበር” ጸዊዑ።
ኣርመንያ ኣባል ናይቲ ብሩስያ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ሲኤስቲኦ ኰይና፡ ምስ ሞስኮ ዘለዋ ዝምድና ግን ጽቡቕ ዝብሃል ኣይኰነን።