ምኽንያት ጎንጺ ኣርመንያን-ኣዘርባጃንን እንታይ'ዩ?

ግዝኣታት ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዝነበራ ሃገራት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብ ዞባ ካውካሱስ ዳግማይ ግጭት ተወሊዑ።

እዚ ኣብ ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓሰርተ ዓመታት ዝገበረ ጎንጺ፡ ኣካል ኣዛርበጃን ምዃኑ እዩ እኳ እንተተባህለ ኣርመናውያን እዮም ተቖጻጺሮሞ ዘለው።

እዘን ሃገራት ኣብ 80ታትን ተስዓታትን ከቢድ ደማዊ ኩናት ኣካይደን እየን። ዋላኳ ዳሕራይ ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ስምምዕ እንተገበራ ስምምዕ ሰላም ግን ክፍጽማ ኣይከኣላን።

እቲ ታሪኽ እንታይ'ዩ?

ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ናይ ኣዘርባጃን እዩ ዝብል ጠለብ ኢልናኩም። ግን ድማ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነብር ህዝቢ እቶም ዝበዝሑ ኣርመናውያን እዮም።

ኣብ 1980ታት ሕብረት ሶቭየት ክትፈርስ አንከላ፡ ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ናብ ኣርመኒያ ክትጥቕለል መሪጻ።

እዚ ኣብ 1994 ዓ.ም ተኩሲ ጠጠው ምባሉ ዝተኣወጀሉ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ዘልዓለ እዩ።

ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ግዝኣት ኣርባጃን ኮይና ተሪፋ፤ ግን ድማ ብመንግስቲ ኣርመኒያ ዝሕገዙ ኣርመናውያን ዝተቖጻጸሩዋ እያ።

ኣርመኒያ፡ ብኣብዝሓ ክርስቲያን ሕብረተሰብ ዘለዋ ዓዲ እስላምን ክርስቲያንን ኮይና፡ ብነዳዲ ሃፍታም እያ።

ቱርኪ ምስ ኣዘርባጃን ጥቡቕ ዝምድና ክህልዋ እንከሎ፡ ሩሲያ ናብ ኣርመኒያ'ኳ እንተኣዘንበለት ምስ ኣዘርባጃን'ውን ጽቡቕ ርክብ ኣለዋ።

ድሕሪኡኸ?

ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ እትርከበሉ ኮከሰስ፡ ብጎቦታት ዝተኸበበት ስትራቴጂካዊት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኤውሮጳ እያ።

ንዘመናት ድማ ህልኽ ናይ ክርስቲያንን እስላምን ሓይሊታት ክርኣየሉ ዝጸንሐ እዩ።

ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣርመኒያን ኣዘርባጃንን ተባሂለን ዝጽውዓ ሃገራት፡ ሕብረት ሶቭየት ብ1920ታት ክትምስረት እንከላ ኣካል እቲ ሕብረት ነይረን።

ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ድማ ብኣብዝሓ ንኣርመኒያ ዝብጽሓ ዞባ ኮይኑ፡ ሶቭየት ሰበ ስልጣን ኣዘርባጃን ነቲ ከባቢ ክቆጻጸሩዎ ስልጣን ሂባቶም ትጸንሕ።

እቶም ኣብ ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ዝነብሩ ኣርመኒያውያን ንዓሰርታት ዓመታት ሕጋዊ ምሕደራ እቲ ዞባ ናብ ትሕዝቶኦም ክሰጋገር ክሓቱ ጸኒሖም።

ሕብረት ሶቭየት ኣብ መወዳእታ 1980ታት ክትፈራርስ ክትጅምር ከላ ግን፡ ባይቶ ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ኣካል ኣርመኒያ ኮይና ክትቕጽል ድምጹ ሂቡ።

ኣዘርባጃን ነዚ ኣይተቐበለቶን፤ በዚ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ምንቅስቓስ ክትዕፍኖ እንከላ ኣርመኒያ ትድግፎ።

እዚ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዓሌታዊ ግጭት ከምርሓ ገይሩ።

ክልቲአን ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ሩሲያ ናጻ ክወጽኣ ከለዋ ናብ ዕሉል ኲናት ኣትየን።

በዚ ምኽንያት ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም።

ኣስታት ሓደ ሚሊየን ሰባት ድማ ተመዛቢሎም፤ ብኽልቲኡ ወገን'ውን ምጽናት ዓሌትን ጨፍጫፍን ተፈጺሙ።

ብ1994፡ ብሸምጋልነት ሩሲያ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ተኩሲ ጠጠው ከም ዝበለ ቅድሚ ምእዋጁ ሓይልታት ኣርመኒያ ንዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ተቖጻጺሮምዋ።

ድሕሪ እቲ ውዕሊ ግን ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ኣብ ትሕቲ ኣዘርባጃን እያ ቐጺላ።

እንተኾነ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብተገንጸልቲ ሓይልታት ክትምራሕ ጸኒሓ፡ ዓርሳ ሪፐብሊክ ኢላ ዝኣወጀት ኮይና መንግስቲ ኣርመኒያ ብዝድግፎም ዓሌት ኣርመኒያ እያ ትመሓደር።

ኣብ ሞንጎ'ውን ሓይልታት ኣርመኒያን ኣዘርባጃንን ዝፈሊ መስመር'ውን ሓንጺጻ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብ1992 ፈረንሳ፣ ሩሲያን ኣመሪካን ብዝወደብኦ ትካል ድሕነትን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ ዝመርሖ ዘተ ሰላም ክካየድ ጸኒሑ እዩ።

እንተኾነ ውዕሊ ሰላም ፈሪመን ኣይፈልጣን።

ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ዘይሃድአ ግጭት ክቕጽል እንከሎ፡ ኣብ 2016 ብኽልቲኡ ወገን ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ዝሞቱሉ ጎንጺ ተላዒሉ ነይሩ።

ግጭት እዘን ሃገራት ብጂኦፖለቲካዊ ድልየታት'ውን ዝተሓላለኸ እዩ።

ኣባል ኔቶ ዝኾነት ቱርኪ ብ1991 ናጽነት ኣዘርባጃን ዝተቐበለት ፈላመይቲ ሃገር እያ።

ፕሬዝደንት ኣዘርባጃን ዝነበረ ሃይደር ኣሊቭ ነዘን ክልተ ሃገራት "ክልተ ግዝኣት ዘለዋ ሓንቲ ሃገር" ክብል ገሊጹወን እዩ።

ክልቲአን ባህልን ህዝብን ቱርኪ ዝወርሳ ኮይነን፡ ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይፕ ኤርዶጋን ደገፉ ንኣዘርባጃን ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ቱርኪ ምስ ኣርመኒያ ዝኾነ ዓይነት ወግዓዊ ርክብ የብላን።

ኣርመኒያ ብምኽንያት ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ናብ ግጭት ክትኣቱ ከላ፡ ንኣዘርባጃን ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ ቱርኪ ምስ ኣርመኒኣ ዘራኽባ ዶብ ብ1993 ዓጺያቶ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣርመኒያ ምስ ሩሲያ ጽቡቕ ዝምድና ኣለዋ።

ሩሲያ'ውን ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከር ኣለዋ። ክልቲአን ድማ ኣባላት ወተሃደራዊ ልፍንቲ ትካል ሓበራዊ ስምምዕ ድሕነት እየን።

ፕሬዝደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ከኣ ምስ ኣዘርባጃን ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘለዎ። ስለዚ ድማ፡ ተኩሲ ደው ከብላ ሩሲያ ጸዊዓ ኣላ።

ብ2018፡ ኣርመኒያ ሰላማዊ ሰውራ ብምክያድ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሴርዝ ሳርጊሳን ካብ ስልጣን ኣልያ እያ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ድማ መራሒ እቲ ተቓውሞ ዝነበረ ኒኮል ፓሺኒያን ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንክሃድእን ናይ መጀመርታ ቀንዲ ማእከል ወተሃደራዊ ስሕበት ከቑሙን ምስ ፕሬዝደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊቭ ተሰማሚዑ ነይሩ።

ብ2019 ድማ ክልቲአን ሃገራት እቲ ህዝቢ ንሰላም ድልዊ ክኸውን ዝገብሮ ስጉምታት ክንወስድ ኢና ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም።

ድሕሪኡ ግን ዋላ ሓደ ናብ ባይታ ዝወረደ ቃል የለን።

እዚ ሓድሽ ግጭት በየናይ ወገን ከም ዝጀመረ ኣይፍለጥን። ግን ድማ እቲ ወጥሪ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምዃኑ ይእመን።