ስለ ምንታይ’ዮም ብዙሓት ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ዘለው?

“ጁን” ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ክርስትና ዝኽተሉ ስድራቤት እዩ ዓብዩ።

እንተዀነ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ደቂ ዓዱ ሕጂ ዘለዎ ሃይማኖታዊ እምነት ካብቲ ክዓቢ እንከሎ ዝነበሮ ኣዝዩ ዝተፈለየ’ዩ።

ንሱ፡ ኣግኖስቲክ’የ ይብል፤ እዚ ህላወ ዝዀነ ነገር ወይ ተፈጥሮ ኣምላኽ ዝፍለጥ ኣይኰነን ኢሉ ዝኣምን ሰብ ማለት’ዩ።

“ኣብ ዓለም እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን፤ ምናልባት ኣምላኽ ክህሉ ይኽእል፤ ወይ’ውን ኣምላኽ ዘይኰነስ ዝዀነ ፍጹም ሓይሊ ዘለዎ ክህሉ ይኽእል” ይብል።

ስድራ ጁን ክሳብ ሕጂ ኣመንቲ ክርስትና እዮም። ስለዚ፡ ንሱ በዚ ዘይኣምን ምዃኑ እንተፈሊጦም “ክሓዝኑ” ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ።

ክሓርቁ ኣይደልን፤ ስለዚ ሽሙ ክቕየር መሪጹ።

መደብሩ ኣብ ኣመሪካ ዝዀነ ማእከል መጽናዕቲ ፒው፡ ኣብ ምብራቕ ኤስያ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ካብ ሃይማኖት ዝወጽኡ ዘለውን ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ዘለውን ሰባት ከም ዘለወን ገሊጹ።

ኣብዚ መጽናዕቲ ብዛዕባ እምነቶም ዝተሓተቱ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት፡ ሕጂ ካብቲ ክዓብዩ እንከለው ዝነበሮም ሃይማኖት ዝተፈለየ ከም ዝኽተሉ ገሊጾም።

ሆንግ ኮንግን ደቡብ ኮርያን ቀዳሞት ክዀና እንከለዋ፡ 53 ሚኢታዊት ነቲ ቓለ መሕትታት መልሲ ዝሃቡ ሰባት ሃይማኖቶም ከም ዝቐየሩን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሃይማኖት ከም ዝገደፉዎን ሓቢሮም።

ኣብ ታይዋን 42 ሚኢታዊት ሰባት ሃይማኖቶም ክቕይሩ እንከለው፡ እዚ ቑጽሪ ኣብ ጃፖን 32 ሚኢታዊት ከም ዝሕዝ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

እዚ ብ2017 ዓ.ም (ኣቈጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ኤውሮጳ ምስ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ዝዀነት ሃገር እቲ ዞባ ብዝሒ ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ወይ ዝሓድጕዎ ሰባት ልዕሊ 40 ሚኢታዊት ከም ዘይነበረ ምርዳእ ይክኣል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ’ውን፡ 28 ሚኢታዊት ኣባጽሕ ጥራይ ነቲ ክዓብዩ እንከለው ዝነበሮም ሃይማኖት ከምዘይክተሉዎ ይጠቅስ።

ጁን ካብ ስድርኡ ተፈልዩ ምንባር ምስ ጀመረ ሓደሽቲ ሓሳባት ዝረኽበሉ ሃዋህው ከም ዝጸንሖ ይዛረብ።

ክዓቢ እንከሎ፡ ስድርኡ “ወትሩ ንጕሆ ሰዓት 6 ተሲኦም፡ ኵሉ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ጥቕሲ ከም ዘንብብ” ይገብሩ ነይሮም።

ወትሩ ንጕሆ፡ “ዳርጋ ንኡሽቶ ናይ ኣምልዀ ኣገልግሎት ዝካየድ’ዩ ዝመስል” ኢሉ።

ወዲ 19 ዓመት ምስ ኰነ ካብ ገዛ ወጺኡ፡ ኣብ ከተማ ሴኡል ናብ ዝርከቡ ኣሽሓት ኣባላት ናብ ዘለዉዎም ኣብያተ ክርስቲያን ክኸይድ ጀሚሩ።

እንተዀነ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ገሊኡ ድሩት ትርጓመታት ከም ዘለዎ ይዛረብ፤ ንኣብነት፡ ክልተ ሓሳብ ፍልቀት ዝነጽጐ ምዃኑ።

እዚ ድማ፡ ምስቲ ጁን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተማህሮ ክልሰ ሓሳብ ሳይንስ ዘይቃዶ ኰይኑዎ።

ንዓለም ዝርእየሉ መገዲ ብኻልኦት ነገራት’ውን ተቐይሩ።

“ክርስትና፡ ልክዕ ወይ ጌጋ፤ ጸሊምን ጻዕዳን ዝብል ግልጺ መገዲ ዘለዎ ይመስለኒ፤ ነቲ ሕብረተሰብ ምስ ተዓዘብኹዎ፣ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ክረክብ ምስ ጀመርኩ ግን፡ ዓለም ካልኦት ብዙሓት ኣማራጺታት ዘለውዋ ምዃና ክሓስብ ጀሚረ”።

ጁን፡ ኣስታት ፍርቂ መሓዙቱ በቲ ዝዓበይሉ እምነት ከም ዘይኣምኑ ገሊጹ፤ እዚኦም መብዛሕትኦም ክርስቲያን ዝነበሩ’ዮም።

ኣብ ውሽጢ ካልኦት ሃይማኖት ዝዓበዩ መሓዙት’ውን ኣለውዎ። ካብዚኦም እቶም 20 ሚኢታዊት ብእምነት ቡድሂት ዝዓበዩ መናእሰይ፡ ሕጂ ነዚ ገዲፎም ወጺኦም ኣለው።

ኣብ ሆንግ ኮንግን ጃፓንን፡ 17 ሚኢታዊት ቡድሂት ምእማን ገዲፎምዎ ኣለው።

ኣብቲ ዞባ፡ ሓድሽ ሃይማኖት ክቕበሉ ዝመርጹ ሰባት ይወስኹ ኣለው።

ንኣብነት ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ክርስትና 12 ሚኢታዊት ሓደሽቲ ኣመንቲ ክረክብ እንከሎ፡ ቡድሂት 5 ሚኢታዊት ሰዓብቲ ረኺቡ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ ድማ፡ ክርስትናን ቡድሂስትን 9 ከምኡ’ውን 4 ሚኢታዊት ወሰኽ ሓደሽቲ ኣመንቲ ረኺቦም።

ይኹን’ምበር፡ ካብ መንጐ እቶም ሃይማኖት ዝቕይሩ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ዝሕዙ እቶም ዝዀነ ዓይነት ሃይማኖት የብልናን ዝብሉ’ዮም።

እዚ ድማ፡ ካብ ካልእ ዓለም ብዝተፈለየ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኤዥያ ብብዝሒ ተራእዩ ኣሎ።

ኣብ ሆንግ ሆንግ፡ 37 ሚኢታዊት፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ድማ 35 ሚኢታዊት ሰባት እዚ ኵነታት ከም ዝገልጾም ክሕብሩ እንከለው፡ እዚ ቑጽሪ ኣብ ኖርወይ 30 ኣብ ኣመሪካ ድማ 20 ሚኢታዊት ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ይጠቅስ።

እንተዀነ፡ ዋላ’ውን ዓለማዊነት ይበዝሕ ዘሎ እንተመሰለ፡ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት እቲ ዞባ ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ጽምብላትን ልምዲታትን ከም ዝሳተፉ ሓቢሮም።

ኣብዘን እዚ መጽናዕቲ ዝተኻየደለን ሃገራት፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ዝዀነ ሃይማኖት ኣይምልከተናን ዝበሉ ሰባት፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ወለዶም ኣብ ዘኽብሩዎም ዝነበሩ ጽምብላት ተሳቲፎም’ዮም።

መብዛሕትኦም ድማ፡ ብዘይርኣዩ ፍጥረታት ወይ ጣኦታት ይኣምኑ።

ክኢላ ሃይማኖታዊ መጽናዕቲታት ዶክተር ሲ-ዉንግ ኮ፡ ምቅይያር ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ምስ ታሪኽ እቲ ዞባ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ሓቢሩ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ታሪኽ፡ ምብራቕ ኤዥያ ንዝዀነ ሕዙእ መንነት ሃይማኖት እንብሎ ኣዝዩ ትሑት ትኹረት እዩ ነይሩዎ። ታኦይስት እንተነይርካ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ቡድሂት ወይ ኮንፉሺያን ኣይትኸውንን ማለት ኣይኰነን” ብምባል” ዘይከም ኣብቲ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ምብራቕ ኤዥያ ካብ ሓደ ሃይማኖት ናብ ካልእ ሃይማኖት ናይ ምቕያር ልምዲ ኣዝዩ ልሙድ ኰይኑ ብዙሕ ዘዀንን ቀይዲ ዘለዎን ኣይኰነን ኢሉ።

ኣብ 19 ክፍለ ዘመን፡ እቲ ዞባ ምስ ምዕራብ ክራኸብ ምስ ጀመረ፡ እቲ ሕጂ መብዛሕትኡ ብዛዕባ ሃይማኖት ዘለዎ ኣረዳድኣ ናብ ምብራቕ ኤዥያ ክመጽእ ጀሚሩ።

ዝተፈላለየ መንነትን ባህልን ዝጸንሖ ህዝቢ ብምዃኑ ግን፡ እዚ ከምዘይተቐየረ እቲ ዶክተር ኣብሪሁ።

ንሱ፡ ኣዲኡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሃይማኖታ ከም ዝቐየረት ይዛረብ።

“ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢና ኣብ ዘሎ ቤተክርስቲያን ካቶሊኽ ተመዝጊባ። ሰንበት ናብኡ ከም እትኸይድ ክኣ ርግጸኛ እየ ነይረ” ኢሉ።

ድሒሩ ግን፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ወንጌላውያን [ኢቫንጀሊካል] “ናብ ጸሎት ሕውየት” ይኸይድ ኣለኹ ኢላቶ።

“እቲ ናይ ካቶሊኽ ቤተክርስቲያን’ከ?” ኢሉ ሓቲቱዋ።

ኣብታ ሰዓት እቲኣ “ካብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ሕውየት’የ ዝደሊ” ኢላቶ።

ኣዲኡ፡ “ናብ ካቶሊኻዊት ቤተክርስቲያን ክትኸይድ ዝደለየትሉ ምኽንያት ካቶሊኽ ምዃን ስለ ዝለመደቶ’ዩ። ግን ድማ፡ ዝዀነ ኢድ-ምእታው ዝዀነ ሓይሊ ኣብ እትደልየሉ እዋን ክኣ፡ ካልእ ዓይነት ልምዲ ክፍትን ኣለኒ ትብል”።