ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሕደ ጾታውያን እንታይ ኢላ?

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳያትን ድልየታትን እታ ቤተክርስቲያን ምስ መንግስትን ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክርን ዝሰርሕ ጉጅለ ከም ዝመደበት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣፍሊጡ።

እቲ ሲኖዶስ፡ ካብ 21 ክሳብ 28 ግንቦት 2016 ዓ.ም (ኣ.ግ) ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ካህናት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ቤተክርስቲያ ምስ መንግስቲ ብዛዕባ ዝህልዋ ርክብን ካልኦት ጉዳያትን ዝሰርሕ ኣካል ከም ዝሸመት ሓቢሩ።

እዚ፡ ብቅዱስ ፓትሪያርክ ዝምራሕ ጉጅለ ከም ዝዀነ'ኳ እንተተገልጸ ዝርዝር ምስ ኣካላት መንግስቲ ዝዘራረበሎም ጉዳያት ግን ኣይተጠቕሰን።

እታ ቤተክርስቲያን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ግብረሰዶማውነትን መርዓ ሕደ ጾታውያንን ብሕጊ ተፈጥሮ ኰነ ብሰብኣዊ ኣነባብራ ደቂ ሰባት ፈጺሙ ቅቡልነት የብሉን ክትብል ነጺጋቶ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡እዚ "መለኮታዊ ፍቓድ እግዝኣብሄር ብዝተገልጸሎም ቅዱሳት መጽሓፍቲ ዝተኸልከለ፡ ብቀኖና ቤተክርስቲያ፡ ብድንጋገታት መንፈሳውን ሲቪላዊ ሕጊን፡ ስነ ልቦናዊ ደንቢታት ዝተወገዘን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሚዛን ዘዛብዕን'ዩ" ብምባል ንውልቃዊ መንነት፡ ቤተሰባዊ ህይወትን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ዝጐድእ ተግባር እዩ" ክትብል ከም እተውግዞ ገሊጻ።

"መርዓ ሕደ ጾታውያንን ግብረ ሰዶማውነትን ዝምልከት መርገጺ እታ ቤተክርስቲያን ዝገልጽ፡ ርእሱ ዝኽኣለን ዓለምለኻዊ ትሕዝቶኡ ዘገናዘበን ዝርዝር መግለጺ ንክወሃብ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ወሲኑ" ኢሉ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ፓትሪያርክ ኣቡነ ማቲያስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ውሽጥን ግዳም ዝመጽኡ ጸቕጢታት ከምዘለው ብምሕባር፡ እዚ ተልእኾ እታ ቤተክርስቲያን ብግቡእ ንከይፍጸም ማሕለኻ ይዀና ከም ዘሎ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ልዕሊ እታ ቤተክርስቲያንን ኣመንታን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን መንግስቲ ኣድላዪ ሓለዋ ክገብርን እታ ቤተክርስቲያን ክትሓትት ምጽንሓ ይዝከር።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ካብ ኣመሪካ ክምለሱ እንከለው ናብታ ሃገር ከይኣትው ዝተኸልከሉ ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ሊቀ ጳጳስ ሃገረስብከት ኒውዮርክን ከባቢኣን ዝዀኑ ኣቡነ ጴጥሮስ ንመንግስቲ'ኳ እንተሓተተት ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ከም ዘይረኸበ ትጠቅስ።

እቲ ሲኖዶስ "ኣብ ሃገርና ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ብዝተፈጥረ ዘይምቅድዳው ዝስዓቡ ጸገማት ዝምልከት ዝሓልፉ ዘለው መልእኽቲታት ነታ ቤተክርስቲያን ኣይውክሉን" ብምባል ሽሞም ዘይጠቐሶም ኣባላት ሲኖዶስ ዝወሃቡ ዘለው ርኢይቶታት ከም ዘይቕበሎምን ከም ዝቃወሞምን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፡ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣውስትራሊያን ዝዀኑ ኣቡነ ሉቃስ፡ ንመንግስቲ ዘቘጥዐ ኣዝዩ ኣካታዒ ዘረባ ድሕሪ ምቕራቦም፡ እታ ቤተክርስቲያን ብወግዒ ንከትውግዞ ድልየት ከም ዝነበረ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓቢሩ።

ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ጳጳስ ክሲ ድሕሪ ምምስራቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘየለውሉ ጽኑዕ ማእሰርቲ ሽዱሽተ ዓመታት ክፍረዶም ገይሩ'ዩ።

ኣብታ ሃገር ዝፍጠሩ ዘይምቅድዳዋት፡ ጐንጺታትን ስእነት ሰላምን ምኽንያት ሞትን ዕንወት ንብረትን ይኸውን ምህላው ከም ዘሕዘኖ ዝገለጸ እቲ ሲኖዶስ፡ እዞም ጸገማት ብዘተ ንክፍትሑ ጸዊዑ።