እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣንጻር ሕደጾታውያን ተሪር ሕጊ ዘጽደቐት ኣፍሪቃዊት ሃገር
ሃገራዊ ባይቶ ጋና ሕደ ጾታውያን ከምዝኾነ ዝተረጋገጸ ሰብ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ፍርዲ ዝህብ ተሪር ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቑ።
ብተወሳኺ ንሕደ ጾታውያን ጕጅለታት ንምቛም ወይ ንምምዋል ብሓፈሻ ነቲ ተግባር ንምውዕዋዕ ዝሃቀነ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ደንጊጉ።
ኣባላት ባይቶ፡ ነቲ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ብማሕበረሰባዊ ኣገልግሎትን ምኽርን ንምትካእ ክግበር ዝጸንሐ ፈተነታት ውዱቕ ገይሮሞ።
ኣብታ ዓቃባዊት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንመሰላት ሕደ ጾታውያን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞ ናይ መወዳእታ ምልክት እዩ።
እቲ ደገፍ ክልተ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ጋና ዝነበሮ እማመ፡ ፕረዚደንት ናና ኣኩፎ-ኣዶ ፈሪምሉ ሕጊ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ተግባራዊ ዝኸውን።
ቅድሚ ሕጂ ድልየት ዝበዝሑ ጋናውያን ከምኡ እንተዀይኑ ክገብሮ ከምዝዀነ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ጋና ጾታዊ ርክብ ሕደጾታውያን ኣንጻር ሕጊ ኮይኑ ክሳዕ ናይ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ፍርዲ ኣለዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እቲ እማመ "ንመሰረታዊ መሰላትን ናጽነታትን" ሕደጾታውያን ርኡይ ሓደጋ ከምዘስዕብ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ማሕበረሰብ ሕደጾታውያንን ንመሰላቶም ዝጉስጉሱን ሃድን ከይፍጸም ስግኣት ከምዝፈጠረሎም፡ ገሊኦም ድማ ክሕብኡ ክግደዱ እዮም ይብሉ።
እዚ ድማ ብሓላፊት ናይቲ ንኤይድስ ዝቃለስ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዊኒ ቢያንይማ ተጋዊሑ።
ንሳ፡ "እማመ ሰብኣዊ ጾታዊ መሰላትን ክብርታት ስድራቤት ጋናን ሕጊ እንተዀይኑ፡ ፍርሕን ጽልእን ከጋድድ'ዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጋና ዓመጽ ከለዓዕል ይኽእል'ዩ” ብምባል፡ ኣብ መሰላት ብናጻ ምዝራብ፣ ናጽነት ምንቅስቓስን ናጽነት ማሕበርን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝህልዎ’ውን ስክፍታኣ ገሊጻ።
እቲ እማመ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዕላማ ዝገበረ ናይ ሕደጾታውያን ጎስጓሳት ዝነጥፍ ዝኾነ ሰብ ክሳብ 10 ዓመት ክእሰር ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ ህዝቢ፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሕደጾታውያን እንተፈሊጡ ናብ ሰበስልጣን ብምሕባር "ኣድላይ ስጕምቲ" ንኽውሰደሎም የተባብዕ።
ኣባላት ባይቶ፡ እቲ እማመ ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣክራ ፈላማይ ማእከል ማሕበረሰብ ሕደጾታውያን ጋና ንዝተኸፍተሉ ምላሽ ንምሃብ ዝተነድፈ ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብታ ብብዝሒ ክርስትያናዊት ሃገር፡ ፖሊስ ነቲ ማእከል ዝዓጸዎ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ከምኡ’ውን ጸቕጢ ሃይማኖታዊ ኣካላትን ባህላውያን መራሕትን ስለዝበርትዐ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ክልተ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ሕደጾታዊ ምዃን "ንባህልን ስርዓተ ክብርታት ስድራቤትን ጋና ጓና እዩ፤ ከምኡ ስለዝዀነ ድማ ዜጋታት ጋና ክቕበልዎ ኣይክእሉን" ኢሎም።
ኣብቲ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ንመዓልታት ዝቐጸለ ክትዕ፡ ምክትል መራሒ ባይቶ ናይቲ ኣመሓዳሪ ሰልፊ ኣሌክሳንደር ኣፈንዮ-ማርኪን፡ ተወሳኺ ለውጢ ክግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ንሱ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሕደጾታውያን ኰይኖም ዝተፈርዱ ሰባት ብቤት ፍርዲ ክእሰሩ ወይ ድማ ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ክዓዩን ምኽሪ ክወሃቦምን ክእዘዙ ኣብ ዝብል ጉዳይ፡ ብሕቡእ ድምጺ ክህቡ ኣለዎም፡ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ብድምጺ እቶም ንፍርዲ ማእሰርቲ ዝድግፉ ኣባላት ባይቶ ተሳዒሩ።