ጳጳስ ፍራንሲስ፡ መጻምድቲ ተመሳሳሊ ጾታ ብካህናት ክባረኹ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጦም

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ካህናት ተመሳሳሊ ጾታ ንዘለዎም መጻምድቲ ክባርኹ ፈቒዶም። እዚ ድማ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮማ ንዝርከቡ ሕደ-ጾታውያን (ኤልጂቢቲ) ርኡይ ምዕባለ እዩ።

እቶም መራሒ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝበልዎ፡ ካህናት ኣብ ትሕቲ ዝተወሰነ ኵነታት ንተመሳሳሊ ጾታን "ዘይስሩዕን" መጻምድቲ ክባርኹ ክፍቀደሎም ኣለዎ።

እንተዀነ ቫቲካን - ዋና መንበረ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮማ - እቲ ባርኾት ኣካል ስሩዕ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ’ውን ምስ ሲቪላዊ ጥምረት ወይ መርዓ ዝተኣሳሰር ክኸውን የብሉን ኢላ።

ሓዳር ድማ ከም ኣብ መንጐ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ዝፍጸም ጥምረት ገይራ ምርኣይ ከምእትቕጽል ወሲኻ ኣፍሊጣ።

ቫቲካን፡ እቲ ውሳነ "እግዚኣብሄር ንዅሉ ብሓጐስ ከምዝቕበል" ዘርኢ ምልክት ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢራ። እቲ ሰነድ ግን፡ ካህናት ከከም ጉዳዩ ብምርኣይ ክውስኑ ከምዘለዎም የመልክት።

ሓደ ካብ ኣመሓደርቲ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ብጹእ ካርዲናል ቪክቶር ኢማኑወል ፈርናንደዝ፡ ነቲ ጽሑፍ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ "ኣብቲ ጽኑሕ ኣስተምህሮ ሓዳር እታ ቤተክርስትያን ዝጸንዕ" ምዃኑ ገሊጾም።

በረኸት ዝረኽቡ ሰባት፡ "ኣቐዲሙ ሞራላዊ ፍጽምና ክህልዎም ክግደዱ የብሎምን" ይብል እቲ ኣዋጅ።

ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ባርኾት ማለት ጸሎት ወይ ልመና ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣገልጋሊ ናብ ኣምላኽ ዝቐርብን ፈጣሪ ነቲ ዝባረኽ ሰብ ወይ ሰባት ብጽቡቕ ክጥምቶም ዝልምንን እዩ።

ካርዲናል ፈርናንደዝ እዚ ሓድሽ መርገጺ፡ ንጥምረት ሕደ-ጾታውያን ኣብ ቅድሚ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መረጋገጺ ዝህብ ከምዘይኰነ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።

እቲ ኣዋጅ ዋላ'ኳ ለውጢ መርገጺ እንተዘይኰነ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዝተርኣየ ምልስላስ ዝገልጽ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ እግዚኣብሔር "ሓጢኣት ክባርኽ" ስለዘይክእል ብዝብል ካህናት ንሓዳር ተመሳሳሊ-ጾታ ክባርኹ ከምዘይክእሉ ኣብ 2021 ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ ጥቅምቲ 2023 ከኣ፡ ቤተ ክርስቲያን ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ክትባርኽ ብወገኖም ድልው ምዃኖም ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።

መርገጺ ሰበስልጣን እታ ቤተ ክርስቲያን ንጹር’ኳ እንተዘይኰነ፡ ቅድሚ ሎሚ ግን ጳጳሳት ገለ ሃገራት ካህናት ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ክባርኹ ፈቒዶም ጸኒሖም እዮም።