እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቀንስትዮ ቀሲነን ክነብራለን ዝኽእላ ብሉጻት ሃገራት
ዓለም ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ከመይ ኣላ? ብመሰረት ዓለማዊ ቁጠባዊ ፎረም (WEF) እቲ ዘሎ ግሁድ ምስሊ ኣዝዩ ዝተሓዋወሰ እዩ።
ጸብጻብ ግሎባል ጀንደር ጋፕ ድማ፡ በብቑሩብ እቲ መስመር ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ይኸይድ ከም ዘሎ ይሕብር።
በዚ ሕጂ ዘሎ ናህሪ ምዕባለ፡ ኣብ ምሉእ ምዕሩይነት ንምብጻሕ 131 ዓመታት ክወስድ ምዃኑ ይገልጽ። ክሳብ ሕጂ ድማ ምሉእ ጾታዊ ማዕርነት ዘረጋገጸት ሃገር የላን።
ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ካብ ዓለም ዝሓሸ ውጽኢት ክረኽባ እንከለዋ፡ ኣብ ሞንግአን ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ።
ንኣብነት ኣሜሪካ ድሕሪ ኮሎምቢያ፣ ቤላሩስ፣ ላይቤሪያን ካቦ ቨርደን ዝርከብአን ሃገራት ኣብ መበል 43 ደረጃ ትርከብ፣ እቲ ናይ ጾታ ፍልልይ ትሕቲ 75% ኣብጺሓ እያ።
ኣውስትራልያ (ብ77.8%) ኣብ መንጎ ሞዛምቢክን ቺለን መበል 26፡ ካናዳ (77%) ድማ ኣብ መንጎ ስሎቨንያን ባርባዶስን መበል 30 ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።
እቲ ጸብጻብ ከም ቁጠባዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ (ኣብ ኣታዊ፡ ስራሕን ተራ ኣመራርሓን ዘሎ ጾታዊ ክፍተት ሓዊሱ)፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ደረጃ ብህይወት ምንባርን ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ስልጣን (ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባይቶ፣ ስልጣን ሚኒስትሪ ከምኡ’ውን ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ መራሒ/ት ሃገር ኣብ ስልጣን ዝጸንሑሎም ዓመታትን) ዝኣመሰሉ መዳያት ይመዝን።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ኣየኖት ቦታታት ዝበለጸ ውጽኢት የመዝግባ - ደቂ ኣንስትዮከ ኣብኡ ብምንባረን እንታይ ይብላ?
ቢቢሲ ትራቨል ኣብዘን ሃገራት ንዝነብሩ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ኣይስላንድ
ንተኸታታሊ መበል 14 ዓመት ኣይስላንድ ኣብ ደረጃ WEF ላዕለዋይ ደረጃ ሒዛ ኣላ፤ ኣብታ ሃገር ጾታዊ ፍልልይ ብ91.2% ክፀብብ እንከሎ፡ ልዕሊ 90% ጾታዊ ኣፈላለያት ዘፅበበት እንኰ ሃገር እያ።
ኣይስላንድ ብመንጽር ፖለቲካዊ ስልጣን ቀዳመይቲ ኰይና ትስራዕ።
ካብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ንኣስታት 25 ዓመታት ጓል ኣንስተይቲ መራሒት ሃገር ርእያ፤ 48% ኣባላት ባይቶ ክኣ ደቂ ኣንስትዮ’የን።
ግን ብደረጃ ትምህርቲ መበል 79፡ ብጥዕናን ህላወን ደቂ ኣንስትዮ ድማ መበል 128 ደረጃ ሒዛ ትርከብ።
ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ጾታታት ዘሎ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ካብ መብዛሕትአን ካልኦት ሃገራት እቲ ዝነኣሰ ኰይኑ፡ ብኸፊል እቲ ኣብ 2018 ዝወጽአ ሕጊ ልዕሊ 25 ሰራሕተኛታት ዘለወን ኩባንያታት ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ክህባ ኣለወን፡ ዝብል ሕጊ ከተዐውት ክኢላ እያ።
ክኢላ ስነ-ልቦና ሁልዳ ቶልግየስ ግን ብቐጻሊ ካብ በዓል ቤታ ዝወሓደ መጠን ገንዘብ ክፍሊት ከም እትረክብ ትዛረብ።
"ከም ፌሚኒስት መጠን ኣብዚ ከባቢ ብሓቂ ነገራት ከመይ ከም ዘለዉ ምርኣይ ኣዝዩ ተስፋ ዘቑርጸኒ'ዩ። ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ኣላትና። ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣላትና። ግን ዝተብሃለኦ ኩሉ ዝገብራ፡ ዝደኸማ ደቂ ኣንስትዮ ኰይነን እየን ዝርኣያኒ።"
ከምኡ ዀይኑ'ውን ግን፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣይስላንድ፡ ብዙሕ ዝድነቕ ነገር ኣሎ ይብላ።
ካብ ካናዳ ዝተሰደደት፡ ቀዳመይቲ እመቤት እታ ሃገር - ኤሊዛ ሪድ፡ ‘ፍሉያት ደቂ ኣንስትዮ ኣይስላንድን ዓለም ብኸመይ ይቕይራ ከም ዘለዋን’ ኣብ ዝብል መጽሓፍ ሰኒዳ።
ጓላ ስማ ኣቦኣ ዘይኰነስ ናታ ሽም እያ ወሲዳ።
በዓል ቤታ ክኣ ንነፍሲ ወከፍ ደቈም ዝተወለድሉ ግዜ ንሓያሎ ኣዋርሕ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ወሲዱ’ዩ።
እታ ሃገር ሕጂ’ውን ገና ከተመሓይሾ ዝግባእ ነገር ግን ኣሎ ኣብ ዝብል ትኣምን።
ንሳ፡ እታ ሃገር "ናይ ጾታ ገነት" ከም ዘይኰነት ብምግላጽ "ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ዝረኣያሉ ሕብረተሰብ ወይ ድማ እንተወሓደ ከምኡ ንምግባር ዝዓለመሉ ሕብረተሰብ" ከም ዘለዋ ትጽሕፍ።
ንኹሉ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ኣይስላንድ ብምንባር ዝረኽቡዎ ማዕረ ረብሓ ኣሎ - እታ ሃገር ሓንቲ ካብተን ሕጉሳትን ሰላማውያንን ሃገራት ዓለም ተባሂላ ተሰሪዓ ኣላ።
ኖርወይ
ኖርወይ ዓለምለኻዊ ናይ ጾታ ፍልልይ ብ87.9% ብምፅባብ፡ ደረጃ WEF 2023 ካልኣይቲ ኰይና ትስራዕ።
ብተወሳኺ ኣብ መዐቀኒ ሰላምን ድሕንነትን ደቂ ኣንስትዮ 2021 ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነበረት ቲያ ሪንግሰት፡ በቲ ፅቡቕ ኩነታት ብዙሕ ኣይትድነቕን።
"ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ኖርወይ ኣዝዩ ርኡይ እዩ። ኣብቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተሓዙ ጽፍሕታት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ - ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ጓልኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስትር እያ ዘላትና። ኣብ መንግስትን ካልእ ቁልፊ ጽፍሕታትን ድማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ኣለዋ።"
ብፍላይ ኖርወይ ካብ ዝዀነት ሃገራት ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ሚኒስትሪ ዝውከላ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ።
ካብ ፖለቲካ ወጻኢ፡ ኖርወይ ብፍላይ ብመንጽር ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ (ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ)፡ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሞያውያንን ቴክኒካውያንን ሰራሕተኛታት (ቀዳመይቲ) ከምኡ’ውን ምዕሩይነት እቶት (ሻድሻይ ደረጃ) ትስራዕ።
ብርግጽ ኖርወይ ኣብ 100 ሚኢታዊት ጾታዊ ማዕርነት ኣይበጽሐትን። እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕብረተሰባዊ ኣተሓሳስባታት ይርአ ኣሎ።
"ንኣብነት ውላድካ እንተሓሚሙ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛ እትጸንሕ እታ ኣደ ክትከውን ትጽቢት ይግበር" ትብል ሪንግሰት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሪንግሰት ኣዝያ እትፈትዎ ኣብ ናጽነትን ምትብባዕ ኹሎም ዜጋታትን ዘሎ ፍሉይ ትኹረት እዩ።
"ከም ሕብረተሰብ መጠን፡ ድሌታትካ፣ ትምህርትኻ፣ ሞያኻ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ ድሌታትካ [ከም ጓል ኣንስተይቲ] ንምስጓም ሕማቕ ኣጠማምታ የብሉን። ኣብ ሞያ ዝቐንዐ፡ ህርፋን ዘለዎ ምዃን - ከም ኣወንታዊ ነገር እዩ ዝረአ።"
ኒውዝላንድ
ኒውዚላንድ ብሓፈሻ ኣብ ጸብጻብ WEF ኣብ ራብዓይ ደረጃ ትስራዕ፤ ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ክኣ ዝለዓለ ብቕዓት ዘርኣየት ሃገር እያ።
ብፍላይ ብመንጽር ፖለቲካዊ ውክልና ውጽኢታዊ ስራሕ ሰሪሓ።
50% ኣባላት ባይቶ ደቂ ኣንስትዮ ክዀና እንከለዋ፡ ኣብ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ዘሎ መጠን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ዳርጋ ማዕረ’ዩ።
ካብ 2016 ጀሚራ ኣብ ኒውዚላንድ እትነብር ካናዳዊት ጀሲካ ረደንበርግ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ኦክላንድ ፕሮፌሰር ማርኬቲንግ እያ።
"ብተመኩሮይ፡ እንተወሓደ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ማርኬቲንግ እቲ ናይ ጾታ ኣፈላላይ ብሓቂ ምሉእ ብምሉእ ምዕሩይ'ዩ፤ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ክንከብድ ንኽእል ኢና። ሓላፊት እዚ ክፍሊ ትምህርቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ። መብዛሕትአን መሳርሕተይ ደቂ ኣንስትዮ እየን።"
ይኹን’ምበር፡ ኣብ ጉዳይ ደሞዝ ኒውዝላንድ’ውን ከምተን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ጸገም ኣለዋ።
WEF ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓመት ብማእከላይ ገምጋም 33,620 ዶላር ክረኽባ እንከለዋ፡ ደቂ ተባዕትዮ 52,370 ዶላር ከም ዝረኽቡ ይሕብር።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው መንጽር ማዕረ ደሞዝ ንማዕረ ስራሕ መበል 37 ደረጃ ሰሪዑዋ ኣሎ።
ብተወሳኺ ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ ብዕድመ ዝጸንሓሉ ግዜ ብተዛማዲ ድኹም ውጽኢት ለዋ፤ ኣብ ዓለም ኣብ መበል 109 ደረጃ እያ ትርከብ።
ህዝቢ ደቀባት ማኦሪ ብፍላይ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለው ስታቲስቲክስ እታ ሃገር የመልክት።
ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ማኦሪ ካብ ዕድመ ማኦሪ ዘይኰና ደቂ ኣንስትዮ ብኣስታት ሸውዓተ ዓመት ዝሓጸረ እዩ።
ጾታዊ ማዕርነት ንጎኒ ገዲፍና፡ ነበርቲ ኣብ ኒውዚላንድ ምንባር ንኽትፈትዉ ብዙሓት ምኽንያታት ከም ዘለዉ ይዛረቡ።
ካብ ኣኽራን ክሳብ ገማግም ባሕሪ ዘሎ ጽባቐ መልክዓ ምድሪ ሓደ’ዩ።
ናሚብያ
ኣብ ቅድሚት ዓሰርተ ሃገራት እትስራዕ እንኰ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናሚብያ፡ ናይ ጾታ ክፍተት ብ80.2% ኣፅቢባ ተባሂሉ ይግመት።
እዚ ድማ ኣብ ሻሙናይ ደረጃ ክትቕመጥ ኣኽኢሉዋ ኣሎ።
እዚ ማለት ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ንዝርከባ ብዙሓት ሃገራት ትበልጽ ማለት’ዩ፤ ዓባይ ብሪጣንያ (ብ79.2% መበል 15)፡ ስፔን (ብ79.1% መበል 18)፡ ካናዳ (ብ77% መበል 30) ከምኡ’ውን ኣመሪካ (ብ74.8% መበል 43)።
ናሚብያዊዊት ኣሰልጣኒት ጾታዊ ተኣፋፍነት፡ ፔኖሆል ብሮክ፡ “ብዙሓት ሚኒስተራትና ደቂ ኣንስትዮ እየን። ብዙሓት ኣምባሳደራትና ደቂ ኣንስትዮ እየን። መሳርሕተይ ድማ፡ ኣድልዎ ኣየጋጥሞምን - ኣዝዩ ጥዑይ ናይ ስራሕ ሃዋህው እዩ ዘሎ” ትብል።
ሕጂ እውን እንተዀነ፡ ውክልና ሓደ መግለጺ እቲ ማዕርነት’ዩ።
"ጾታዊ ማዕርነት፡ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዝወስድ ዓቢ ስጉምቲ'ዩ። ሕጂ ግን ብትኹረት ምርኣይ የድሊ፤ ሕራይ፡ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ንመን’የን ዝጣበቓ ዘለዋ? ኢልና ክንግምግሞን ክንትንትንን ግዜኡ'ዩ" ትብል።
ብመንጽር ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ጾታዊ ትንኰያን "ገና ኣዝዩ ነዊሕ መንገዲ ይተርፈና" ትብል።
ንኣብነት፡ ኣብ 2021 ዓ.ም ዝወጽአ ጸብጻብ ሰላምን ድሕነትን ደቂ ኣንስትዮ፡ ናሚብያ ድሕሪ ሞሪሽየስ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ጋናን ዝርከብአን ሃገራት ኣብ መበል 95 እዩ ሰሪዑዋ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ፓሪስን ትነብር ዝነበረት ብሮክ ግን፡ ሕጂ ኣብ ካልእ ቦታ ክትነብር ከም ዘይትደሊ ትዛረብ።
"እቲ ህዝቢ፣ እቲ ሙዚቃ፣ እቲ ጸዓት - ኣዝየ እየ ዝፈትዎ። ኩሉ ከባቢ ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ናሚብያ ብዙሕ ዓቕሚ’የ ዝርኢ። ኣዝዩ ግሩም ቦታ'ዩ።"