ንደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ውሑሳት ዝዀና ሓሙሽተ ሃገራት

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበሩ በረራታት ተቋረጹ፡ ጕዕዞ ሰባት ተገቲኡ ጸኒሑ።

ክሩስ ላይን ኖርወይ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓደ ካብ ሰለስተ ተጓዓዝቲ በይኖም ክጕዓዙ ከም ዝመርጹ ይሕብር፤ መብዛሕትአን ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ኔትዎርክ ጕዕዞ ቪርቱሶ ብዘካየዶ ውሽጣዊ መጽናዕቲ ኣብ 2022 ዝተራእየ ወሰኽ በይነ ተጓዓዝቲ፡ ካብ ደቂ 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ዝተራእየ ምዃኑ ይሕብር።

በዚ ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ 18 ሚእታዊት ቍጽሪ በይነ ተጓዓዝቲ ሒዘን። ይዅን’ምበር ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስ ዝኸዳ ብዙሓት ጸገማታት የጋጥምወን እዮም።

ኣብ ኵሉ ቦታታት ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ንኽጓዓዛ ውሑስ ክኸውን ዝግባእ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ክውንነት ግን ደቂ ኣንስትዮ ገና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ዓለም ኣድልዎን ስክፍታታት ድሕነትን የጋጥመን እዩ።

እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ብዙሓት ሃገራት ድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምምሕያሽን ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ኣብ ልዕሊ ድሕነት ሃገረን ዘለወን ኣረኣእያ ንምዕቃንን ውሁድ ጻዕሪ ገይረን እየን።

ኣብ ድሕነትን ማዕርነትን ንተጓዓዝቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ምዕባለ ዘርእዩ ቦታታት ንምርካብ፡ ንመዐቀኒ ሰላምን ጸጥታን ደቂ ኣንስትዮ (WPS) ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውን፡ ጸብጻብ ዓለማዊ ክፍተት ጾታ ፎረም ቍጠባ ከምኡ’ውን ንመዐቀኒ ዓለማዊ ሰላም ተወኪስና።

ብድሕሪኡ ነተን በይነን ናብተን ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዓ ሃገራት ዝተጓዕዛ ደቂ ኣንስትዮ ኣዘራሪብናየን።

ስሎቬንያ

ሓባሪ ሰላምን ድሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውን፡ ንስሎቬንያ ኣብ ቅድሚት ይሰርዓ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ተጓዓዝቲ ኣብታ ሃገር ዝሓሸ ኣረኣእያ ድሕነት ክህልወን ከም ዝጀመረ ዝገልጽ እቲ ትካል መጽናዕቲ፡ 85 ሚእታዊት ውሕስና ከም ዝስምዐን ይገልጽ።

ክሌር ራምስደል ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ርእሰ ከተማ ስሎቬንያ ሉብናና ምስ በጽሐት፡ ብለይቲ ኣብ ጐደናታት ኮለል እናበለት ስእሊ ትስእል ነይራ።

"እዚ ኣብ ካልእ ቦታታት ክትትንብዮ ዘይትኽእል ተመኵሮ ክኸውን ይኽእል ነይሩ፤ ኣብዚ ግን ባህ ዘብል'ዩ ነይሩ" ትብል ኣማኻሪት ጕዕዞ ‘ዋይልድላንድ ትሬኪን’ ዝዀነት ብሎገር ጕዕዞ ክሌር።

“ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ፈጺሙ ዘሸገረኒ ሰብ ኣይነበረን፤ ብዛዕባ ምምራሕ መኪና፡ ዕንቅፋት ቋንቋ ወይ ካልእ ሓሓሊፉ ንበይንኻ ክትከውን እንከለኻ ዘፍርሕ ክመስል ዝኽእል ነገር'ውን ጸገም ኣይነበረንን።"

ብተወሳኺ እታ ከተማ ብእግርኻ ንምኻድ ኣዝያ እትምችእን ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዘተኣማምንን ሰፊሕን ኰይኑ ረኺባቶ።

ራምስደል ከም ሓንቲ ሓዃሪት ብፍላይ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰፋሕቲ ኣማራጺታት ጕዕዞን ኣኽራናት ኣልፓይን ንምድህሳስ እያ ናብ ስሎቬንያ መጺኣ።

ኣብዚ፡ እትደልዮ ዋሕስን ብሕትውናን ከም ዝረኸበት ትገልጽ።

“ብዙሕ ግዜ ኣብ በረኻ ዘለኹ ኰይኑ ክስምዓኒ እንከሎ፡ ገለ ዓይነት ህጹጽ ኵነታት እንተመጺኡ ከተማ’ውን ኣብ ቀረባ ምህላው ይስምዓኒ ነይሩ፤ ፈጺሙ ከኣ ብሕታውነት ኣይተሰምዓንን። እዚ ድማ ናይ ኣእምሮ ሰላም እዩ ዝብህ።”

በጻሕቲ ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ናብ ዶብ ኢጣልያ ዝቐርብ ሩባ ቱርኩዝ ሶቻ ከይበጽሑ ክምለሱ ከም ዘይብሎም ትመክር።

ብተወሳኺ፡ ሓዀርቲ ኣብ ማያዊ ኣካላት እታ ሃገር ጽቡቕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክወስዱ ኣለዎም ትብል።

ሩዋንዳ

55 ሚእታዊት ባይቶ ሩዋንዳ ደቂ ኣንስትዮ እየን፤ ነዚ ስዒቡ ሓባሪ ሰላምን ድሕነትን ደቂ ኣንስትዮ (WPS) ኣብ ባይቶ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ብምርግጋጽ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ሃገር እያ ይብል።

ብተወሳኺ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ድሕነት ዘለዎ ኣረኣእያ ንምፍላጥ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ልዑል ደረጃ ዝሓዘት ኰይና፡ ኣብቲ መዐቀኒ ዓለማዊ ክፍተት ጾታ ድማ፡ ኣብ ዓለም ሻድሻይ ደረጃ ትስራዕ።

እዚ ድማ ሓንቲ ሃገር ብመንጽር ቍጠባ፡ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ክሳብ ክንደይ ፍትሓዊት ምዃና ዝዕቅን እዩ።

ረቤካ ሃንሰን ብ2019 ካብ ዴንማርክ ናብ ሩዋንዳ ምስ ተጓዓዘት፡ እዚ ሓቂ ምዃኑን እታ ሃገር በይነን ንዝጕዓዛ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝያ ውሕስቲ ኰይና ከም ዝረኸበታን ትዛረብ።

“ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታታትን ኵሉ ግዜ ለይትን መዓልትን ፖሊስ፡ ጸጥታን ወተሃደራትን ኣብ ከባቢኦም ኣለዉ። ኣብ መጀመርታ ዘፍርሕ ክመስል ይኽእል'ዩ፤ ግን ከኣ እዞም ኵሎም ዩኒፎርም ዝተኸድኑ ሰባት ተመሓዘውትን ወትሩ ንክሕግዙኻ ፍቓደኛታት ምዃኖምን ቀልጢፍካ ኢኻ ትፈልጥ” ትብል።

ሰባት ብሓፈሻ ኣይርብሹኻን እዮም፤ ግን ሓሓሊፎም "ከመይ ኣለኺ"ወይ “ከመይ ሓዲርኪ?” ዝብሉኻ ሰባት ከም እትረክብ ትገልጽ - ብፍላይ ህጻናት ተመሃሮ።

እንግሊዝኛን ፈረንሳን ክልተ ካብ ወግዓውያን ቋንቋታት ሩዋንዳ ኰይኖም፡ ጐናጐኒ ኪንያርዋንዳ ዝተባህለ ቋንቋ እታ ሃገርን ኪስዋሂሊን ኣለው።

እዚ ከጋጥምን ንዝኽእል ጸገማት ቋንቋ ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዝ ኰይኑ፡ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዘይዛረቡ ሰባት እውን እንተዀነ መገዲ ምስ ዝጠፍአካ ክሕግዙን ኣንፈታት ክሕብሩን ሕጕሳት እዮም ኢላ።

ሩዋንዳ ድሕሪ እቲ ኣብ 1994 ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት፡ ኣብታ ሰላምን ዕርቅን ኣብ ምምጻእ ኣብነታዊት ኰይና ጸኒሓ እያ።

ሃንሰን ድማ፡ በጻሕቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከብ ቤተ መዘክር ምጽናት ዓሌት ኪጋሊ ክበጽሑዎም ከም ዘለዎም ትመክር፤ እዚ ድማ ታሪኽ ምጽናት ዓሌት ጥራይ ዘይኰነ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለምን ክሳብ ሕጂ ዘጋጥሙ ዘለው ሓደጋታትን ዓለም ዘርኢ’ዩ ትብል።

ብኻልእ ወገን፡ ዋላ’ውን ክቡር እንተዀነ፡ ናብ ጎሪላታት ከረን እታ ሃገር ምብጻሕ ግድን ምዃኑ ትዛረብ።

ሃንሰን ብተወሳኺ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ኒውንግወን ብሰሜን ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ እሳተ ጎመራታትን ኣህባይ ንምርኣይ፡ ወይ ድማ ኣብ ምብራቕ ሃገራዊ ፓርክ ኣካገራ ክንበጽሕ ትመክር።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝርከባ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ብምምሃርን ፋይናንሳዊ ዓቕምታት ክህልወን ኣብ ምግባርን ዝለዓለ ነጥቢ ክረኽባ እንከለዋ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ዞባ ኣብ ጾታዊ ማዕርነት መራሒት ኰይና ትቕጽል ኣላ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ባይቶኣ ጾታዊ ማዕርነት ኣረጋጊጻ እያ።

ብተወሳኺ ኣብ ምድብ ድሕነት ማሕበረሰብ ካብ ኵለን ሃገራት ኣብቲ መዐቀኒ ዝለዓለ ደረጃ ትስራዕ፤ 98.5% ካብተን ዕድመአን 15 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ "ኣብታ [ዝነብራላ] ከተማ ወይ ከባቢ ብለይቲ በይነን ክኸዳ ውሑስ ኰይኑ” ከም ዝስምዐን ገሊጸን።

ብፍላይ ዱባይ፡ ንበይነን ዝጓዓዛ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ውሕስቲ ከተማ ከም ዝዀነት ኩባንያ መድሕን ጕዕዞ ‘ኢንሹር ማይ ትሪፕ’ ይገልጽ።

መነባብሮኣ ኣብ ፓሪስን ዱባይን እትመቕሎ ጸላዊት ሳንዲ ኣውኣድ፡ ኣብታ ከተማ ኰነ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ወትሩ ውሕስነት ከም ዝስምዓ ትዛረብ።

“ሓደ ግዜ ጐማ ተበላሽዩኒ መኪናይ ኣብ ማእከል በረኻ ገዲፈያ ከይደ፤ መፍትሕ ኣብ ውሽጣ እዩ ነይሩ። ነታ እትወስደኒ ታክሲ ክኣምና ከም ዝኽእል ምሉእ እምነት ነይሩኒ፤ መኪናይ ድማ ውሕስቲ ከም እትኸውን ርግጸኛ እየ ነይረ።”

ንበይኖም ዝጓዓዙ ሰባት፡ ምስ ዝተፈላለዩ መሳጢ ሰባት ንምርኻብ ቀሊል መገዲ ስለ ዝዀነ፡ ናይ በረኻ ጕዕዞ ክገብሩ ትመክር።

ሓሞት ዘለዎ ኸኣ፡ ‘ስካይ ዳይቪንግ’ ክፍትኖ ኣለዎ ትብል።

ጃፓን

ሓባሪ ሰላም ዓለም፡ ጃፓን ብኣዝዩ ትሑት መጠን ጐነጻዊ ገበናትን ትሑት ቍጽሪ ውሽጣውን ደጋውን ጐንጺታትን ሓንቲ ካብተን ብሉጻት 10 ውሑሳት ሃገራት ዓለም ምዃና ይሕብር።

ጃፓን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝሕዛእ መገዲ ባቡር ትሕቲ መሬትን መካይን (ኣብ ዝተወሰነ ግዜን መስመራትን) ኣለዋ።

ከምኡ’ውን ንበይነን ዝጓዓዛ ደቂ ኣንስትዮ ተወሳኺ ውሑስ ኰይኑ ክስምዐን ዘኽእል ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝኸውን መንበሪ ኣባይቲ ኣለዋ።

ኣብታ ሃገር፡ ንበይንኻ ምብላዕን ንበይንኻ ዝግበር ንጥፈታትን ካብ ካልእ ቦታታት ንላዕሊ ከም ባህላዊ ስርዓት እዩ ዝውሰድ።

“ብሰንኪ ምጕዳል ብዝሒ ህዝቢ፡ ሰባት ክምርዓዉ ዘይምድላዮምን ከም ባህሊ 'ናይ በይንኻ ግዜ' ንጽንብሎ ኢና። ኣብ ዙርያ 'በይንኣዊ ጕዕዞ ክኣ ብዙሕ ነገራት ኣሎ" ትብል ኣብ ጃፓን ዝተወልደትን መስራቲት ትካል ቱሪዝምን ዝዀነት ሚካ ዋይት።

ቅድሚ 20 ዓመት ካብ ኢንዶነዥያ ናብ ጃፓን ዝመጽአት ሉሉ ኣሳጋፍ፡ ብኡ ንብኡ ኣብታ ሃገር ውሕስነት ተሰሚዕዋ ተሪፋ።

“እቶም ደቂ ዓዲ ዳርጋ ኣብ ዓድኻ ዘለካ ኰይኑ ክስምዓካ’ዮም ዝገብሩ፤ ጋሻ ንኽሕግዙ ሕጕሳት’ዮም” ትብል።

ሕጂ ኣብ ኢንተርፒድ ትራቭል መራሒት ዑደት ኰይና ትሰርሕ ኣላ።

ዝያዳ ናብ ገጠራት ትጓዓዝ እንተዀንካ ግን፡ እንግሊዝኛ ናይ ምዝራብ ተኽእሎኦም ትሑት ስለ ዝዀነ ምስ መራሒ ዑደት ምኻድ ትመክር።

ኣብዚ ንበይንኻ ምምጋብ ልሙድ ስለ ዝዀነ፡ ብፍላይ ኣብ ኪዮቶ፡ ኦሳካን ቶክዮን ዘሎ ምርኢት መግቢ ክሓልፈኩም የብሉን ትብል።

ካብቲ ልሙድ ናይ በጻሕቲ ቦታታት ወጻኢ ክኸዱ ንዝደልዩ በጻሕቲ፡ ነታ ዓዲ ሳሙራይ ብምዃና እትፍለጥ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ካናዛዋ፤ ከምኡውን ኣብ ኣልፕስ ጃፓን ዝርከብ ታካያማ ክበጽሑ ትምዕድ።

“ታካያማ ጽቡቕ ባህላዊ ስነ ህንጻን ፋብሪካታት ቢራ ሳኬን ኣለዋ" ትብል።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ካብ 1926 ክሳብ 1989 ዝነበረ ንግስነት ሃጸይ ሂሮሂቶ ዝነበረ ሓድግታት ባህሊ ፖፕ ዘርኢ ቤተ መዘክር ታካያማ ሾዋ-ካን ተዘኻኽር።

ኖርወይ

ኣብ ፋይናንሳዊ ምጽንባር ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕጋዊ ኣድልዎ ብዘይምህላዉን ድሕነት ማሕበረሰብ ደቂ ኣንስትዮን ብምሕላውን ብተደጋጋሚ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ዝጸንሐት ሽወደን፡ ሓንቲ ካብተን 10 ኣብ ዓለምና ጾታዊ ፍትሓውነት ዘረጋገጻን ሕጕሳትን ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።

በዚ፡ ኖርወይ ሕደጾታውያንን ንበይኖም ዝጕዓዙን ሓዊሱ ንዅሎም ዓይነት ተጓዓዝቲ ሓቋፊት ምዃና ይምስከረላ።

ነባሪት ኦስሎን መስራቲ ኣፕ ኖርወይን ቶሩን ትሮንስቫን፡ እቲ ባህሊ ማሕበራዊ ተጻዋርነትን ምትእምማንን ዘለዎን ብምዃኑ፡ ንብሕነትን ንዝጓዓዛ ደቂ ኣንስትዮ ምቹእ ቦታ ከም ዝገብሮ ትሕብር።

“ምናልባት ናብ ሽቓቕ ክትከይድ እንተደሊኻ፡ ነቲ ኣብ ካፌ ኣብ ጥቓ ኰፍ ዝበለ ሰብ ኣቑሑትካ ክርእየልካ ነጊርካዮ ክትኸይድ ትኽእል ኢኻ” ትብል።

ኣብታ ሃገር ብርክት ዝበሉ ትካላት ንግዲ’ውን ብደቂ ኣንስትዮ ከም ዝመሓደሩ ትዛረብ።

በጻሕቲ ዓዲ ዘይሃስስ ተዘክሮ ኖርወይ ሒዞም ናብ ዓዶም ንክምለሱ፡"friluftsliv" ዝብል ኣምር ኖርወይ ክወሃሃዶም ተተባብዕ።

እዚ ኣተሓሳስባ፡ ህይወት ኣብ ጽቡቓት ተፈጥሮኣዊ ቦታታት ክተሕልፎ ኣለካ ዝብል እዩ።