ኣንጻር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተቓውሞ ዘስምዑ ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ተባሪሮም

ኣንጻር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተቓውሞ እናስምዑ እንከለዉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ ሰለስተ ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ተባሪሮም።
ዝሓለፈ ረቡዕ 17 ሓምለ 2024፡ ክልተ ኣሜሪካውያንን ሓደ ብሪጣንያዊን፡ እቲ መንገዲ ኣየር ኢሰብኣዊ ብዝኾነ ኣተሓሕዛ፡ ኣህባይ ናብ ዝቕተላሉ ላባራቶሪታት የጓዓዕዝ ኣሎ ብምባል ተቓውሞኦም የስምዑ ኣብ ዝነበሩሉ እዩ ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
እቶም ሰለስተ ውልቀሰባት ን25 ሰዓታት ምስተኣሰሩ ብሓሙስ ተፈቲሖም ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝተወሰዱን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከምዝተገደዱን ምንጭታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቶም ንሓደ መዓልቲ ዝተኣሰሩ ወጻእተኛታት፡ ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ኣብ ኤስያ ዝርከብ ጨንፈር ‘ፒፕል ፎር ኤቲካል ትሪትመንት ኦፍ ኣኒማልስ’ ዝተብሃለ ኣብ ኣተሓሕዛ እንስሳታት ዝነጥፍ ትካል ጄሰን ቤከር ምስ ወዲ 11 ዓመት ወዱ ከምኡ’ውን መራሒ ጎስጓስ ዩናይትድ ኪንግደም ፔት ፋውንዴሽን ሩበን ስኬትስ ይበሃሉ።
ሰለስቲኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ጎደና ቸርችል’ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትኬት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ፊቱ ኮይኖም፡ እቲ መንገዲ ኣየር "ጭካነ ዝተመልኦ ምጉዓዝ ኣህባይ ደው የብል" እናበሉ ተቓውሞ የስምዑ ኣብ ዝነበሩሉ ከምዝተኣሰሩ ተፈሊጡ’ሎ።
እቶም ተጣበቕቲ መሰላት ንትማሊ ሓሙስ እውን ካልእ ተቓውሞ ዘካይዱሉ ቦታ ኣብታ ከተማ ይመርጹ ከምዝነበሩ ይግለጽ።
ኣብ ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ዝጽዋዕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ እንስሳ ዘገዳም ብዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ብምጉዕዓዝ ክኽሰስ ከሎ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ቅድሚ ሎሚ’ውን ‘ዎርልድ ኣኒማል ፕሮቴክሽን’ - ዝተብሃለ ትካል ሓለዋ እንስሳታት፡ መበገሲኦም ካብ ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ዝኾኑ እንስሳ ዘገዳም በቲ መገዲ ኣየር ኣቢሎም ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከምዝጓዓዓዙ፤ ካብኡ ድማ ከም ናይ ገዛ እንስሳ፣ ንንግድን ምርምርን ከምዝውዕሉ ብምግላጽ ከሲሱ ነይሩ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝተዘርግሐ እቲ ጸብጻብ፡ ብዝሒ ዘለዎም እንስሳታት በቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ከምዝግዕዙ የቃልዕ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሽዑ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ብህይወት ዘለዉ እንስታት፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ፣ ኣህጉራዊን ሃገራዊን ሕግታት ከምኡ’ውን ንውሽጣዊ ኣሰራርሓ ብዝተኸተለ ልዑል ጥንቃቐ እየ ዘጓዓዕዝ" ብምባል’ዩ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
ጄሰን ቤከር ካብ ዝተኣሰሩሉ መደበር ፖሊስ ኮይኑ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ "ብዛዕባ ስቓይ እተን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቤተ-ፈተነታት ኣሜሪካ ዝልእኸን ኣህባይ ብምዝራብ ኢና ተኣሲርና" ኢሉ።
“እቲ ሓቀኛ ገበን ኣብ ልዕሊ እተን ኣህባይ ዝተፈጸመ በደል እዩ። ማእሰርቲ ባህ ዝብል ነገር እኳ እንተዘይሃለዎ፤ እተን ኣህባይ በቲ መንገዲ ኣየር ምስ ዝበጽሐን ስቓይ ዝወዳደር ኣይኮነን" ክብል ወሲኹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኬንያ ዝነበሮም ዕረፍቲ ኣቋሪጾም ተቓውሞኦም ከስምዑ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመጽኡ ዝሓበረ ቤከር፡ ወዱ ንመሰል እንስሳታት ደው ክብል ምምሃር እውን ካልእ ዕላምኡ ከምዝነበረ ኣረዲኡ።
"ኣብ ኬንያ፡ ኣህባይ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ቦትኦም ክነብሩ ርኢና" ክብል ብምንጽጻር ገሊጹ።
ንማእሰርቲ እቶም ውልቀሰባት ስዒቡ፡ ምክትል ፕረዚደንት ፔታ ኣሜሪካ ኬቲ ጊለርሞ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓደ ካብቶም ንኣህባይ ካብ ስድርኦም ፈሊዮም ናብ ላቦራቶሪ ኣሜሪካ ኣብ ምልኣኽ ዝሰማምዑ ውሑዳት መንገዲ ኣየራት ዓለም ምዃኑ ጠቒሱ።
“ዘሕፍሩ እዮም። ፔታን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራትን እቲ መገዲ ኣየር ቅኑዕ ተግባር ንኽፍጽም ምሕታተን ክቕጽላ እየን" ኢሉ’ሎ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ መንግስትን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ግን ብዛዕባ ተቓውሞን ማእሰርትን እቶም ሰለስተ ውልቀሰባት ዛጊት ዝበልዎ ነገር የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







