ኣክሱም፡ ብሰንኪ ምቁራጽ በረራ ተሃስያ ዝጸንሐት ጥንታዊት ከተማ

ስነስርዓት ምጅማር በረራ መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም

ምንጪ ስእሊ, BBC/ETHIOPIAN AIRLINES

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ናብ ከተማ ኣክሱም ተቛሪጹ ዝነበረ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ከም ዝተጀመረ ይፍለጥ።

ኣብቲ ፈላማይ በረራ ከኣ 140 ተጉዓዝቲ ዝሓዘት ቦይንግ 737-700 ዝዓይነታ ነፋሪት ተጓዒዛ።

ኣብቲ ስነስርዓት ዳግማይ ምጅማር ኣገልግሎት ዝተረኸበ ኣካያዲ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣቶ መስፍን ጣሰው፡ ናብታ ከተማ ዝግበር በረራ ክጅምር ምኽኣሉ "እታ ከተማ ምስ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘለዋ ታሪኻዊ ዝምድና ንምሕያል ክሕግዝ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝበጽሐ ዕንወት ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቲ ጽገና ሓሙሽተ ወርሒ ከም ዝወሰደ ሓቢሩ።

“መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 290 ሚልዮን ብር ወጸኢ ብምግባር ጽገናን ሕድሳትን ገይሩ ኣሎ። እቲ ጽገና ዝተገብረሉ ጽርግያ ነፈርቲ ንውሓቱ 2ሽሕን 500 ሜትሮ ስፍሓቱ ድማ 60 ሜትሮ ኰይኑ፡ እቲ ደው መበሊ ድማ ኣርባዕተ ቦይንግ 737 ነፈርቲ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ከዕርፍ ይክእል” ክብል ኣቶ መስፍን ኣረዲኡ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ተርሚናል በጺሑ ዝነበረ ዕንወት ከምዝተጸገነን ልዕሊ 200 ሰባት ከተኣናግድ ከም ዝኽእልን'ውን ሓቢሩ።

ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናይ ትሕተ ቕርጺታት ጽገናን ሕድሳትን ከም ዝተኻየደ ብምጥቓስ ተወሳኺ ተጉዓዝቲ ዝተኣናገድሉ ፍሉይ ክፍሊ ('ቪ.ኣይ.ፒ') ከም ዝተሃነጸ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ወግዓዊ ምጅማር በረራ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተረኽበ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ "መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብታ ከተማ ዝገብሮ በረራ ዳግም ምጅማሩ ማሕበራዊ ጸገማት እቲ ህዝቢ ኣብ ምፍታሕ ሓጋዚ እጃም ክህልዎ’ዩ" ኢሉ።

እቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ብቐንዱ ኣብቲ ነፈርቲ ዝንቀሳቐሳሉ ጽርግያ በጺሑ ዝጸንሐ ጉድኣት ኣዝዩ ልዑል ከም ዝዀነን ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኑ ከም ዝጸንሐን ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ይገልጹ።

ብተወሳኺ፡ ተርሚናል እቲ መዓርፎ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ናውቲታት ተዘሚቶምን ዓንዮምን ከም ዝጸንሑ ጠቒሶም።

መዓርፎ ነፈርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ኣክሱም፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣገልግሎት ከይሃበ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እዚ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሰኣን ዘመናዊ መጓዓዝያ ከቢድ ምንግልታዕን ጸገምን ክበጽሖም ከም ዝጸንሐ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ንቡር ስርሑ ክምለስ ምኽኣሉ፡ ነዞም ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ምፍታሕን ብዝለዓለ ደረጃ ተሃስዩ ንዝርከብ ዓውዲ ቱሪዝም እታ ከተማ ንምሕዋይን ልዑል እጃም ክህልዎ’ዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ኣቶ ኣበበ ብርሃነ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ኣክሱም ዓበይቲ ሓድግታትን ታሪኻዊ ቦታታትን ዘለዎ ከም ምዃኑ መጠን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ኣብ ቱሪዝም ዝምርኰስ እዩ። ኣብ 2012 ኣስታት 30 ሽሕ በጻሕቲ ዓዲ መጺኦም ነይሮም፤ ካብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን በጺሑ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኲናት ግን ናብ ባዶ’ዩ ወሪዱ” ክብል ኣረዲኡ።

ስነስርዓት ምጅማር በረራ መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም

ምንጪ ስእሊ, BBC/EAL

ምንቅስቓስ ቱሪዝም ኣክሱም ብድሕሪ'ቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶሪያ’ውን እንተዀነ ሕውየት ከም ዘየርኣየ እቲ ከንቲባ ሓቢሩ።

ናይዚ ምኽንያት፡ "እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣገልግሎት ክህብ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ብምንባሩ እዩ" ኢሉ።

“በዚ ምኽንያት እቲ ቁጠባ ተሃስዩ’ዩ ጸኒሑ፤ ካብ ቱሪዝም ተጠቀምቲ ዝነበሩ፡ ምስ ስራሕቲ ቅርጻ ቅርጺ፣ ባህላዊ ጥበባት ሆቴላትን ሎጃትን ዝነበሩ ሰብሃፍቲን ሰራሕተኛታትን ናብ ስራሕ ከይተመለሱ ጸኒሖም” ብምባል ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ እታ ከተማ’ውን ከቢድ ቁጠባዊ ጸቕጢ ፈጢሩ ምጽንሑ ኣብሪሁ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብታ ከተማ ዝገብሮ በረራ ዳግም ምጅማሩ፡ ነቲ ደስኪሉን ብዝተፈላለዩ ጸገማት ተሃስዩን ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ንግዲ ከምዘመሓይሾ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

"ቀረብ ሸቐጣት ክውስኽ ከምኡ’ውን እቲ ሰላም እናተጠናኸረ እንተከይዱ ርክባት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክጠናኸር ክሕግዝ’ዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ መገዲ ኣየር ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ በረራ ከም ዝጀመረ እዩ ተገሊጹ።