እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ገዛ ዘይብሎም ስደተኛታት ቍጽሮም ይውስኽ ኣሎ
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ገዛ ዘይብሎም ወይ ኣብ ሓደጋ ምስኣን መንበሪ ገዛ ዘለው ስደተኛታት ቍጽሮም ብሓሙሽተ ዕጽፊ ወሰኽ ከም ዘርኣየ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
መንግስታዊ መረዳእታ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ኣብ 2021/22 ካብ ዝነበረ 3,560፡ ኣብ 2024/25 ናብ 19,310 ወሲኹ።
ትካላት ግብረ ሰናይ፡ እዚ ወሰኽ "ቀጥታዊ ውጽኢት" ፖሊሲ መንግስቲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ሓደስቲ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ስደተኛታት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ካብ ዘዳልዎም መንበሪ ኣባይቲ - ሆቴላት ሓዊሱ - ክወጽኡ ዝወሃቦም ግዜ 28 መዓልታት ምዃኑ ከምኡ'ውን መስርሕ ሓተትቲ ዕቝባ ዘቕርቡዎ ሕቶ ዝቐልጠፈ ምዃኑ ዘስዓቦ'ዩ ኢሎም።
መንግስቲ ስደተኛታት ካብ መንበሪ ኣባይቲ ዕቝባ ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም መንበሪ ንኽሰጋገሩ ንምሕጋዝ "ተወፋይነት" ከም ዘለዎን "ሓደጋ ገዛ ኣልቦነት ንምቅላል" ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ይሰርሕ ከም ዘሎን ገሊጹ።
እዚ፡ ተኸታተልቲ መንግስታት ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ልዕሊ ዓቕሙ ዝተጨናነቐ ስርዓተ ዕቝባ ንምፍታሕ ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን ዘጋጥም ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ጠለባት ዕቝባን ይግባይን ውሳነታት ዘይረኸቡ ጥርዓት ብሰፊሑ ኣለው።
እቲ መስርሕ ምዝሕሓል ዘርኣየ ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ እዋን ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ ነይሩ፤ ሰልፊ ዕዮ ግን ውሳነታት ከቀላጥፍ ይደሊ - ውጽኢቱ ድማ ዝያዳ ሰባት ዕቝባ ክወሃቦምን ዝነብሩሉ ቦታ ክደልዩን ንምኽኣል እዩ።
ሓደ ንገዛ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝድግፍ ትካል ግብረ ሰናይ፡ መብዛሕትኡ ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድመአን መንእሰያት ደቀንስትዮ ሓገዝ ክሓታ ይርኢ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ካብ ኲናት ሱዳን ሃዲማ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተወት ዩስራ ሓንቲ ካብኣተን'ያ። እታ ጓል 26 ዓመት መንእሰይ፡ ቅድሚ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምእታዋ ምሉእ ስድራኣ ከም ዝተቐትሉ ገሊጻ።
ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ብመንግስቲ ዝምወል ናይ ዕቝባ ሆቴል ተቐሚጣ'ኳ እንተነበረት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዕቝባ ካብ እትረክብ ንደሓር ግን ኣብ ጐደናታት ዓባይ ማንቸስተር ኣብ ዝርከብ ቴንዳ ደቂሳ ከም ዝነበረት ትዛረብ።
"ሓደ ሓደ ግዜ ሰኽራማት መጺኦም ነቲ ቴንዳ ክኸፍቱ ይፍትኑ እሞ ኣነ ድማ ከእዊ እጅምር፤ ክሳብ ዝወግሕ ክድቅስ ኣይክእልን እየ።"
ዩስራ ካብቲ ዝነበራ ናይ ሆም ኦፊስ መንበሪ ገዛ ክትወጽእ ቅድሚ ምግዳዳ ኣብ ዝነበራ መዓልታት፡ ምስ ምምሕዳር ከባቢኣ ተራኺባ። ይዅን እምበር፡ ውላድ ዘይብላ ብምዃና፡ ማሕበራዊ ኣባይቲ ንምርካብ ብቕዕቲ ከይኰነት ተሪፋ።
ዩስራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ንዝሓሸ ናብራ ካብ ሱዳን ሃዲማ፡ ሕጂ ግን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምምጻኣ ከም ዘጣዓሳ ብምግላጽ፡ ገዛ ካብ እትስእን ንደሓር ህይወት "ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ኢላ።
ካብ 'Stockport Race Equality' ደገፍ ካብ ዝረኽቡ ብዙሓት ስደተኛታት ሓንቲ እያ።
ሓደ ሓታቲ ዕቝባ፡ ወረቐት ስደተኛ ምስ ተዋህቦ ካብቲ ብመንግስቲ ዝምወል መንበሪ - መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ብዙሕ ሰብ ዝነብረሉ ገዛ (HMO) ወይ ሆቴል - ወጺኡ ናይ ገዛእ ርእሱ መንበሪ ገዛ ክረክብ 28 መዓልታት ይወሃቦ።
ማዕረ ማዕረኡ ድማ ስራሕ ክረኽቡ ወይ ኣድላዪ እንተዀይኑ ኣድማሳዊ ልቓሕ ከመልክቱ ኣለዎም።
መንግስቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ መጀመርታ ኣድማሳዊ ክፍሊት ልቓሕ ንምርካብ ኣስታት 35 መዓልታት ከም ዝወስድ ገሊጹ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ስደተኛታት ናይ ዕቝባ ድጋፎም ከይተወድአ መንበሪ ገዛ ወይ ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዘይክእሉ ትካላት ግብረ ሰናይ ገሊጸን ኣለዋ።
ሓላፊት ፖሊሲን ጎስጓሳትን ሃገራዊ ትካል ግብረ ሰናይ ገዛ ዘይብሎም ክራይሲስ ጃስሚን ባስራን፡ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ንዅሉ ክፈትሑዎ እኹል ግዜ ከም ዘይኰነ ገሊጻ።
እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ስደተኛታት ዝለዓለ ወሰኽ ገዛ ኣልቦነት ይርኢ ከም ዘሎን እቲ ሓቀኛ ቍጽሪ ገዛ ዘይብሎም ዝያዳ ክኸውን ተኽእሎ ከም ዘሎን ገሊጻ።
ብመሰረት ጸብጻባት፡ ለንደንን ሰሜናዊ ምዕራብን - ማንቸስተርን ሊቨርፑልን ሓዊሱ - ዝለዓለ ብዝሒ ግዳም ሓደር ስደተኛታት ወይ ኣብ ሓደጋ ገዛ ዘይብሎም ስደተኛታት ኣለወን።
ኣብ ምዕራብ ለንደን ዝርከብ ከባቢ ሂሊንግደን ዝለዓለ ወሰኽ ኣርእዩ - ኣብቲ ከባቢ ኣብ 2024/25 2,098 ገዛ ዘይብሎም ስድራቤታት ስደተኛታት ኰይኖም፡ እዚ ኣሃዝ ኣብ 2021/22 71 ነይሩ።
ስደተኛታት ካብቲ ናይ ከባቢኦም ምትእስሳር ዘለዎም ከባቢ ደገፍ ክደልዩ ኣለዎም፣ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ዕቝባ መንበሪኦም ዝርከበሉ ቦታ እዩ።
ሂሊንግዶን ምስ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ብዘለዋ ቅርበት ዝበዝሑ ሓተትቲ ዕቝባ ዝነብሩላ ከተማ እያ።
ኣብ ታሕሳስ፡ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ኦዲት፡ ኣብ ስርዓተ ዕቝባ ዝምልከት ጸብጻብ ኣውጺኡ፡ ተኸታታሊ "ናይ ሓጺር ግዜ፡ ግብረ መልሲ ዝህብ" ፖሊሲታት መንግስቲ ጸገማት ናብ ካልእ ቦታታት ከም ዘግዓዘን፡ ደረጃታት ገዛ ኣልቦነት ከም ዘዕበዮን ድማ ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ሌበር ዑቕባ ንዝተዋህቦም ሰባት ዝወሃብ ዝነበረ ናይ 28 መዓልታት ግዜ ናብ 56 መዓልታት ብምውሳኽ ነቲ ጸገም ክፈትሖ ፈተነ ገይሩ ነይሩ፤ እዚ ግን ብኣጋኡ ማለት ኣብ መስከረም ኣብቂዑ ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ።
እቲ ናይ 56 መዓልታት ናይ ምግዓዝ ግዜ ፈተነ ግን፡ ነቶም ተቓላዕቲ ተባሂሎም ዝተባህሉ - ነፍሰጾራት፡ ቈልዑ ዘለወን ስድራቤታትን ስንኩላንን ሓዊሱ - ተናዊሑ። እዚ ኣብ ጥሪ 2026 ክውዳእ ነይርዎ፡ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ኣብ መስከረም 2025 ኣብ ዝዛዘመ ዓመት 110 ሽሕ ሰባት ዑቕባ ከም ዝሓተቱ፡ ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዝሕብርሉ እዋን'ዩ - እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ13% ወሰኽ ኣርእዩ።
ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም 108,085 ሰባት ኣብ መንበሪ ዑቕባ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ልዕሊ 36,000 ኣብ ሆቴላት፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ከም HMO ዝኣመሰሉ ናይ ሓባር ኣባይቲ ይርከቡ።
ውዕላት መንበሪ ዕቝባ ንመንግስቲ ቢልዮናት ፓውንድ ወጻኢታት ክገብር ምኽንያት ከም ዝዀኑዎ ይፍለጥ።
መንግስቲ፡ ነቲ ጠለቦም ክውሰን ዝጽበዩ ዘለዉ ሓተትቲ ዕቝባ ንምጽራይ፡ "ነፍሲ ወከፍ ሆቴል ዕቝባ" ንምዕጻውን ወጻኢታት ንምንካይን ተመባጺዑ እዩ።
"ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት ዝፍጠር ጸቕጢ ንምቅላል፣ ዝያዳ ምቹኣት" ቦታታት ይቐርቡ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዳይረክተር ዓለማዊ ምልውዋጥ ስደትን ብዙሕነትን ጃኪ ብሮድሄድ ግን፡ ፖሊሲታት ዑቕባ "ዳግማይ ክሕሰበሎም፡" ከም ዘድሊ ገሊጻ።
ሓደ መፍትሒ ድማ ከም ሆቴላት ዝኣመሰሉ ናይ ዕቝባ መንበሪ ቦታታት ንምክትታል ንውልቃውያን ወሃብቲ ኣገልግሎት ገንዘብ ኣብ ክንዲ ምኽፋል ኣብ ዝያዳ ግዝያዊ መንበሪ ኣባይቲ ወፍሪ ምግባር ምዃኑ ሓሳብ ኣቕሪባ።
ኣብ መንጎ ምምሕዳራት ከባቢን ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያትን ምውህሃድ ክህሉ ከም ዝግባእ እውን ተረድእ።