ብሪጣንያ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ብቕልጡፍ ንምስጓግ ጽገናታት ፖሊሲ ክትገብር'ያ

ብሪጣንያ ትወስዶ ኣብ ዘላ ሰፊሕ ጽገናታት ፖሊሲ ዑቕባ፡ ምስጓግ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምቅልጣፍ ዝዓለመ መደብ ከም ዝህሉ ብጸሓፊት ዘቤታዊ ጕዳያት ሻባና ማሕሙድ ክግለጽ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ንሳ፡ ሰኑይ 17 ሕዳር 2025 [ኣ.ኤ] ንኣባላት ባይቶ ኣብ እትህቦ መግለጺ፡ ኣንጻር ምእላይ ዝቐርብ ዝነበረ ብዙሕ ይግባይ ንምቍራጽን ንሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ሓፈሻዊ ምጽጋንን ዝሓዘ መደባት ዝምልከት መብርሂ ክትህብ እያ።

እቶም ዕቝባ ዝተዋህቦም ንግዚኡ ጥራይ ኣብታ ሃገር ክጸንሑን፡ ዝመጽእሉ ሃገር ኣብ ዝዀነ እዋን ውሑስ ኰይኑ እንተተረኺቡ ናብ ዓዶም ክምለሱን እዮም።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዕቝባ ዝተዋህቦም ሰባት ብቐዋምነት ኣብታ ሃገር ንምንባር ሕቶ ቅድሚ ምቕራቦም 20 ዓመት ክጽበዩ ክግደዱ ምዃኖም እውን ተገሊጹ።

ሻባና ማሕሙድ ብተወሳኺ፡ መንግስታት ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምቕባል ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝግበር ምትሕብባር እንተዘይኣመሓይሾም፡ ዓባይ ብሪጣንያ ካብተን ሃገራት ንዝመጽኡ ሰባት ቪዛ ምሃብ ደው ከተብሎ ምዃና ክትገልጽ እያ።

ንሳ ብሰንበት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "እዚ ንዓይ ሞራላዊ ተልእኾ'ዩ፣ ምኽንያቱ ዘይሕጋዊ ስደት ንሃገርና ይሃስያ እዩ ዘሎ፤ ማሕበረሰባት ይበታተን ከም ዘሎ ይርኢ ኣለኹ፡" ኢላ።

ዓቃባዊ ጸሓፊ ውሽጣዊ ጕዳያት ክሪስ ፊልፕ፡ እቲ ስጕምቲ ካብዚ ንላዕሊ ክኸይድን ሕቶ ዕቝባኦም ዘይሰለጠ ሓተትቲ ዕቝባ "ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን" ከም ዝሰጐጕን ገሊጹ።

እዚ ውጥናት፡ ካብ ገለ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ነቐፌታ ኣስዒቡ'ሎ። መንግስቲ ኣብ ጕዳይ ኢሚግሬሽን "ምሉእ ብምሉእ ናብ ጌጋ ኣንፈት" ይኸይድ ከም ዘሎ ይገልጹ።

መንግስቲ፡ ብዝሒ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ሰባት ክቕንስ ዝደሊ ኰይኑ፡ እቲ ጽገናታት ምስጓግ ሕቶ ዕቝባ ዘይጸደቐሎም ሓተትቲ ዕቝባን ወጻእተኛታት ገበነኛታትን ንምቅልጣፍ ከምኡ'ውን ዕዉታት ሓተትቲ ዕቝባ ንኽጸንሑ ዝያዳ ከጸግሞም ዝዓለመ እዩ።

ብመሰረት እቲ ውጥናት ሰባት ይግባይ ዝበልሉ ሓደ ግዜ ጥራይ ክድረት ምዃኑን ሓደ ጕዳይ እንተዘይተዓዊቶም ድማ ክስጐጕን እዮም።

ሰበስልጣን መንግስቲ ለውጢ ፖሊሲ "ዓቢ" ክብሉ ገሊጾሞ። እቲ ፖሊሲ ካብቲ ዴንማርክ እትኽተሎ ኣገባብ ዝተረዓመ'ዩ።

ጸጋማዊ መንግስቲ ዴንማርክ ሶሻል ዲሞክራት፡ ኣብ ኤውሮጳ ብዘለዎ ተሪር ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን'ዩ ዝፍለጥ።

ከም ኣካል ናይቲ ጽገናታት፡ ሻባና ማሕሙድ፡ ንመሰል ህይወት ስድራቤት ዝሽፍን ዓንቀጽ 8 ናይቲ ንመሰል ህይወት ስድራቤት ዝሽፍን ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ (ECHR) ሓዊሱ፡ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጕዳያት ቤት ፍርዲ ስደት ብኸመይ ከም ዝትግበር ምሉእ ብምሉእ ክትጽግኖ ትደሊ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ቀረባ ስድራቤት ዘለዎም ከም ወላዲ ወይ ውላድ ጥራይ እዮም ዓንቀጽ 8 ከም መበገሲ ምጽናሕ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ።

ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ንሰባት ካብ ኢሰብኣዊ ወይ ዘዋርድ ኣተሓሕዛ ሓለዋ ንምሃብ ዝተዳለወ ዓንቀጽ 3 ECHR ካብ መንጐ ዝጸገና ሃገራት ሓንቲ ክትኸውን እያ።

መንግስቲ እዚ፡ ከበድቲ ገበነኛታት ሓዊሱ ድሌታት ክንክን ጥዕናኦም ክማላእ ስለ ዘይክእል ዝስጐጕሉ መስርሕ ደው ንክብል ዘይምኽንያታዊ ክስታት ንምድጋፍ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለ ይኣምን።

ብተመሳሳሊ ቤት ጽሕፈት ዘቤታዊ ጕዳያት፡ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ምስጓግ ሓደ ስደተኛ ዝዓግት ክሲ ንኸይህሉ፡ ሕጊ ዘመናዊ ባርነት -Modern Slavery Act- ክተርር ምዃኑ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመር፡ እቲ ጽገናታት፡ "ኣብታ ሃገር ናይ ምጽናሕ መሰል ዘይብሎም፡" ሰባት ንምስጓግ "መወዳእታ ዘይብሉ ይግባይ፡" ኣብያተ ፍርዲ ደው ከብል'ዩ ኢሉ።

ሻባና ማሕሙድ፡ ኣብ ኢሚግሬሽን ዘሎ ጕዳያት ርግኣት ሕብረተሰብ ከም ዝዘረገን ከም ዝኸፋፈለን ከም ዘስተውዓለት ብምግላጽ፡ እቲ ጽገናታት፡ መንግስቲ ኣብ ብሪጣንያ ናይ ምጽናሕ መሰል ዘይብሎም ሰባት ንምእላይ ከም ዘኽእሎ ሓቢራ።

"ዕቝባ ክንህብ ዘኽእለና ልግሲ ንምዕቃብ ስርዓትን ቍጽጽርን ክንመልስ ኣለና፡" ኢላ።

ኣቐዲማ እታ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጕዳያት ንስደተኛታት ብናይ ስራሕን ትምህርትን ሓድሽ ውሑስን ሕጋውን መስመራት ክትፈጥር ምዃና ንቢቢሲ ገሊጻ ነይራ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስጕምትታት ኣብ ልዕሊ ዕዉታት ሓተትቲ ዕቝባ ዝያዳ ጽኑዕ ገደብ ክግበር እዩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ጕዳዮም ክግምገምን ዓዶም ውሑስ እንተዀይኑ ክምለሱን እዮም።

ሓደ ስደተኛ ቀዋሚ መንበሪ ወይ ንዘይተወሰነ ግዜ ንኽጸንሕ ንኽሓትት ካብቲ ሕጂ ዘሎ ሓሙሽተ ዓመታት ን20 ዓመታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተቐማጢ ክኸውን ኣለዎ።

ወለድን ቈልዑን ሓዊሱ ናይ ቀረባ ኣዝማድ እንተዘይኰይኖም ኣባላት ስድራቤቶም ኣምጺኦም ክጽንበሩዎም ኣይክእሉን እዮም።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ናይ መንበሪ ገዛን ሰሙናዊ ኣበልን ኣይክህልዎምን እዩ።

'ዓመታት ሰንፈላል'

ኣብ ብሪጣንያ ክሳብ ሰነ 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣስታት 111 ሽሕ ሕቶታት ዕቝባ ከም ዝቐረቡ ወግዓዊ ኣሃዛት መንግስቲ ይሕብሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ስርዓት ይግባይ ልዕሊ 50 ሽሕ ዘይተወገነ ጥርዓናት ከም ዘለዎን እዚ ብውሑድ ሓደ ዓመት ከም ዝወስድን ይግለጽ።

ካብ ውሽጢ ሰልፊ ዕዮ እውን ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ጽገናታት ነቐፌታታት ክቐርብ ጸኒሑ'ዩ።

መራሒ ሪፎርም ዓባይ ብሪጣንያ ኒጀል ፋራጅ፡ እቲ ሚኒስትሪ ዘቤታዊ ጕዳያት ዘቕርቦም ዘለው ጽገናታት "ደገፍቲ ሪፎርም" ከም ዘምሰሎም ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ውሽጣዊ ጉዳያት ሊበራል ዲሞክራት ማክስ ዊልኪንሰን፡ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ናይ ምጽናሕ መሰል ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ሰባት "ብቕልጡፍ ኣብ ምስጓግን ከተኩር ኣለዎ፡" ኢሉ።

ኣካያዲ ስራሕ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኤንቨር ሰሎሞን፡ ኣብ ክንዲ ስደተኛታት ምዕጋት፡ እቲ ን20 ዓመት ናይ ምጽባይ ግዜ "ሰባት ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ደንገርገርን ጭንቀትን ክጥሕሉ ክገብር እዩ፡" ኢሉ።

ጋዜጣ ታይምስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣንጎላ፡ ናሚብያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን - ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ዝመጽኡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ገበነኛታትን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላጹ- ስግኣት እገዳ ቪዛ ኣንጸላልዩወን ኣሎ።

ምንጪ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት፡ እተን ሃገራት ብምኽንያት "ብዘይቅቡል ትሑት ምትሕብባርን ዕንቅፋት መስርሕ ምቕባል ዝተሰጕን፡" ዒላማ ይዀና ከም ዘለዋ ገሊጹ።