እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወጻኢታት ምክልኻል ምብዛሕ፡ ንክሊማ ብኸመይ ይጸልዎ?
ክሊማ ዓቢ ስግኣት ድሕነት ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራት ዳግማይ ብህጹጽ ምዕጣቕ ከም ዘድሊ የጠንቅቑ ኣለዉ።
ልቀት ካርቦን ምክልኻል እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ዋን ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ምውሳኽ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብሓቂ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ ከቀላጥፍ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብ መላእ ዓለም ንነዊሕ እዋን ክጸንሑ ዝኽእሉ ግጭታት ምብዛሖም፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ከም ዝህሉን ምውሳኽ ልቀት ካርቦን ከጋጥም ከም ዝኽእልን ይግለጽ።
ገለ ክኢላታት'ውን ኣብ ምክልኻል ክሊማ ዝውዕል ዝነበረ ጸጋታት ናብ ምክልኻል ይዘውር ምህላዎም ስክፍታ ኣለዎም።
ካብ ምክልኻል ዝወጽእ ልቀት ካርበን ክንደይ'ዩ?
ኣብ መላእ ዓለም ብምክልኻላት ሰራዊት ዝፍጠር ልቀት ዝምልከት ዝተዋደደ ኣሃዛት የለን። ገለ መንግስታት ግን ነዚ ኣሃዛት ብወለንታኦም ይዝርግሕዎ።
ገለ ክኢላታት ድማ፡ ኣብ ትንበያታትን ግምታትን ዝተመርኰሰ ዓለማዊ ምስሊ ወሲዶም ኣለዉ።
ጸብጻብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ "እዚ ሕጂ ዘሎ ግምታት፡ ወተሃደራዊ ጽላት ኣብ መላእ ዓለም ካብ 3.3% ክሳብ 7% ካብ ጠቕላላ ዓለማዊ ልቀት ጋዝ ከም ዘለዎ፡" ይሕብር።
ወተሃደራዊ ሓይሊታት፡ ሓንቲ ሃገር እንተዝዀኑ ነይሮም፡ ንቻይና፡ ኣመሪካን ህንድን ስዒቦም ራብዓይ ልዑል ልቀት ዘለዎም ምዀኑ።
እዚ ብመሰረት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣብ ከባብያዊ ጽልዋታት ዝምርምር ትካል ግብረ ሰናይን 'ሳይንቲስትስ ፎር ግሎባል ረስፖንሲቢሊቲ' ዝተባህለ ኣብ ስነ-ምግባር ዝተመርኰሰ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምትግባር ዝጣበቕ ነጻ ትካል ብሓባር ዘካየዱዎ ጸብጻብ እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ወተሃደራዊ ባጀት ድማ፡ እዚ እናገደደ ክኸይድ ምዃኑ ይሕብር።
ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ 2024፡ 2.7 ትሪልዮን ዶላር ከም ዝበጽሐን እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት (2023) ብ9.4 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየን ይግለጽ።
እዚ ብውሑድ፡ ዝሑል ኲናት ካብ ዝዛዘም ጀሚሩ ክብረወሰን ዝሓዘ ወሰኽ ከም ዝተርኣየ ንግጭት ዝምርምር ናጻ ትካል ስቶክሆልም ትካል ምርምር ሰላም ይሕብር።
ኣብ 2024፡ ልዕሊ 100 ሃገራት ወተሃደራዊ ወጻኢታተን ከም ዘዕበያን፡ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከባ ቅልጡፍ ዕብየት ከም ዘርኣያን የመልክት።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣባላቱ ኣብ 2035 ወጻኢታት ምክልኻልን ጸጥታን ካብ 2 ሚእታዊት ናብ 5 ሚእታዊት ከም ዘዕብያ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እዚ ድማ፡ ካብ 2021 ክሳብ 2023 ጠቕላላ ወተሃደራዊ ኣሰር ካርበን ኣባል ሃገራት ኔቶ ብ30 ሚልዮን ቶን ወሰኸ ምርኣዩ- ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ወተሃደራዊ ወጻኢታት ድሕሪ ምውሳኹ ስዒቡ ዝመጽአ ምዃኑን ይግለጽ።
እዚ ብግምት፡ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ተወሳኺ መካይን ኣብ ጽርግያ ምስ ምቕማጥ ማዕረ ምዃኑ፡ ኣብ ዘላቕነት ዓለምና ዝሰርሕ ዓለምለኻዊ ትካል ምርምርን ምጕስጓስን 'ትራንስናሽናል ኢንስቲትዩት' ይሕብር።
ገለ ካብቶም ዓበይቲ በከልቲ
እቲ ዝኸበደ ብድሆ፡ ከም ነፈርቲ ውግእ፡ ታንክታት፡ መራኽብ ውግእን ሳብማሪናትን ዝኣመሰሉ ስርዓታት ከበድቲ ኣጽዋር ካብ ካርበን ናጻ -'ዲካርቦናይዝ' -ምግባር ምዃኑ ክኢላታት የጠንቅቑ።
ብደረጃ ዓለም፡ ነፈርቲ ውግእ ካብተን ዝለዓለ ጸዓት ዝሓታ ማሽናት ምዃነን ይገልጹ።
ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ (ሕጂ ክፍሊ ውግእ ኣመሪካ ተባሂሉ ዝተሰየመ) 55 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ዝተጠቕሞ ጸዓት ነዳዲ፡ ነፈርቲ ውግእ ዝተጠቐምኦ ምዃኑ ብሰፊሑ ዝተጠቕሰ መጽናዕቲ ይሕብር።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ 100 ኖቲካል ማይልስ (185 ኪ.ሜ) ዝበረረት ኤፍ-35 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ ብማእኸላይ ገምጋም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ነደዲ እትጥቀም መኪና ኣብ ሓደ ዓመት እትፍንዎ ካርበን ዳይኦክሳይድ ከም እትፍኑ ኣብ 2022 ኣብ መጽሔት ኔቸር ዝተሓትመ መጽናዕቲ ይሕብር።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ሰራዊት ኣመሪካ ጥራይ ዝጥቀመሉ ነዳዲ ጀት፡ ምስ ሽዱሽተ ሚልዮን መካይን ተጕዓዝቲ ዝመጣጠን ልቀት የፍሪ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣመሪካ ኣብ 2024 ወተሃደራዊ ወጻኢታታ ብ5.7 ሚእታዊት ከም ዘዕበየት ይፍለጥ።
ኣብ ዓለም ድማ፡ ዝዓበየ ወጻኢታት ምክልኻል ዘለዋ ሃገር ከም ዝዀነት ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ይሕብር።
"ወተሃደራዊ ምህርቲ ምዕባይ ጸዓት ዝሓትት ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ትሑት ካርበን ዘለዎም ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂታት ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ ግን ድሩት'ዩ፡" ይብል ክኢላ 'ኮንፍሊክት ኤንድ ኢንቫይረንመንት ኦብሰርቫተሪ' ዳግ ዌር።
ንጹር ቀዳምነታት
ቢቢሲ፡ እዚ ወሰኽ ወጻኢታት ንልቀት ካርቦን እንታይ ትርጕም ክህልዎ ከም ዝኽእልን ወተሃደራዊ ጽላቶም ካርቦን ንምውጋድ ዝዀነ መደብ እንተሃልዩዎን ንሚኒስትሪ ውግእ ኣመሪካ ሓቲቱ።
ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ መልሲ "ሚኒስትሪ ውግእ ኣመሪካ ምስ ቀንዲ ተልእኾ ውግእ ናይቲ ክፍሊ ዘይቃዶ መደባትን ተበግሶታትን ለውጢ ክሊማን የወግድ እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።
"ብቐንዱ ኣብ ምምሕያሽ ጐዳኢ፡ ውግእን ድልውነትን ኣተኲርና ኣለና። ነዚ ብሰለስተ መገዲ ኢና ንገብሮ ዘለና፡ ማለት ስነ-ምግባር ተዋጋኢ ምምላስ፡ ዳግመ ህንጸት ወተሃደራዊ ሓይልታትና፡ ከምኡ'ውን ዳግማይ ምምስራት ግትኣት።"
ኔቶ ንዝተላእኸሉ ተመሳሳሊ ሕቶታት መልሲ ኣይሃበን።
እንተዀነ፡ እቲ ትካል ወሰኽ ልቀት ካርቦን ንምምካት ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ውጽኢታዊ ከም ዘይኰነ ተንተንቲ ይዛረቡ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ጻዕርታት ዲካርቦናይዜሽን ምስ ስፍሓት ባጀት ዳግመ-ምዕጣቕ ክነጻጸር እንከሎ ትሑት'ዩ፡" ይብል ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ኤውሮጳዊ ውድብ ወተሃደራዊ ማሕበራትን ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ሓላፊት ፖሊሲ ዝዀነ ዲሚትራ ኮቱዚ።
"ኢንዱስትሪታት ምክልኻል ኤውሮጳ ንውሕስነት ጸዓትን ዘላቕነትን ኣብ ትልምታተን ከዋሃህዳ ጀሚረን ኣለዋ። እንዀነ ሎሚ ዝፈርዩ ዘለዉ ስርዓታት ቅድሚ ናብ ጥቕሚ ምውዓሎም ዓመታት ክወስድ'ዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
ዋጋ ኲናት
ልክዕ ዋጋ ግጭታት ብመንጽር ዕንወት ክሊማ ንምዕቃን ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ገለ እዋናዊ ውግኣት ግን ኣብ ከባቢ ዘለዎም ጽልዋ ዓብዪ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ገምጋም ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ናይቲ ግጭት ኣስታት 175 ሚልዮን ቶን ጋዝ ከም ዝተለቐቐ ኣብ 2024 ዝተሓትመ ጸብጻብ ይሕብር።
ካልእ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብዛዕባ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ካብ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዝወጽእ ልቀት ካርቦን ኣስታት 1.9 ሚልዮን ቶን ክኸውን ከሎ፡ እዚ ድማ ካብቲ ዓመታዊ ልቀት 36 ውልቀ ሃገራትን ግዝኣታትን ዝዓቢ ምዃኑ ገሊጹ።
"ቅልጡፍ ጀት ይዅን፡ መርከብ ውግእ ወይ ታንኪ፡ ካብ ልቀት ነጻ ክዀኑ ዝገብር ዓቕሚ ቴክኖሎጂ የብልናን፡" ይብል ጡረተኛ ጀነራል ሰራዊት እንግሊዝን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኔቶ ነበርን ሪቻርድ ኑጊ።
"ስለዚ ድማ ነቲ ክውንነት ክንቅበሎ ኣለና፤ እዚ ድማ እቲ ቴክኖሎጂ ክሳብ ዝመጽእ፡ ክንዲ ዝደለናዮ ልቀትና ክንቅንስ ኣይንኽእልን ኢና።"
ስለዚ ንመከላኸሊ ዝያዳ ገንዘብ ምውጻእ ማለት ንክሊማ ዝውዕል ፋይናንስ ውሑድ እዩ ማለት እዩ።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝቐረበ ጸብጻብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ዕላማታት ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ንምፍጻም ኣብ ዘድሊ ባጀት ዝተኸስተ ክፍተት፡ ድሮ ኣርባዕተ ትሪልዮን ዶላር ምዃኑ (ፍርቂ ካብዚ ብፍሉይ ኣብ ጸዓትን ክሊማን ዘጋጠመ ሕጽረት እዩ) ይሕብር።
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ክሳብ 2035 6.6 ትሪልዮን ዶላር ክበጽሕ ከም ዝኽእል የመልክት።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት እቲ ሕጽረት ናብ 6.4 ትሪልዮን ዶላር ከም ዝሰፍሕ የጠንቅቕ።
ብተወሳኺ እተን ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም፡ ካብ ነተን ንክሊማዊ ለውጢ ኣዝየን ተቓላዕቲ ዝዀና ሃገራት ዝህብኦ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ኣብ ምክልኻል 30 ዕጽፊ ወጻኢታት ይገብራ ከም ዘለዋ ይገልጽ።
ኣብ ኣዘርባጃን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ29 ስዒቡ፡ ምዕቡላት ሃገራት ክሳብ 2035 ኣብ ዓመት 300 ቢልዮን ዶላር ክህባ ተሰማሚዐን።
ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ድማ ምስቲ ዝኸፍአ ጽልዋታት ለውጢ ክሊማ ንምትዕጽጻፍ ኣብ ዓመት ልዕሊ ሓደ ቲሪልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ይገልጻ።
ፍሉይ ወኪል ፓናማ ንለውጢ ክሊማ ጁዋን ካርሎስ ሞንተረይ ጎሜዝ ኣብ ሕዳር 2024 ኣብ ባኩ ኣዘርባጃን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ29፡ "ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ ዓመት ኣስታት 2.5 ቶን ዶላር እዩ፡" ኢሉ ነይሩ።
ንሱ ወሲዅ፡ "ንሓድሕድካ ንምቕታል 2.5 ትሪልዮን ዶላር ብዙሕ ኣይኰነን፤ ህይወት ንምድሓን ግን ትሪልዮን ዶላር ምኽንያታዊ ኣይኰነን፡" ምባሉ ይከዝር።
ሕጂ ግን ቅድሚ ሕጂ ዝተኣተወ ቃል እውን ክፍጸም ድዩ ኣይፍጸምን ዝብል ጥርጣረታት ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን (OECD)፡ 11 ለገስቲ ሃገራት፡ ካብ 2025 ክሳብ 2027 ዝህልወን ወግዓዊ ልምዓታዊ ሓገዝ - ማለት ንክሊማዊ ፋይናንስ እውን ዘጠቓልል ናይ ወጻኢ ሓገዝ - ከም ዝቘረጻ ኣፍሊጠን።
ንኣብነት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ 2027 ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 0.5 ሚእታዊት ዝነበረ ወጻኢታት ሓገዝ፡ ናብ 0.3% ብምንካይ ኣብ ምክልኻል እትገብሮ ወፍሪ ክትውስኽ ምዃና ገሊጻ።
ላዕለወይቲ ወኪል ጕዳያት ምፍታሕ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ኢዙሚ ናካሚትሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ብዙሓት ወይ ሓያሎ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ፡ ንኣብነት ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ፡ ባጀት ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ይቕንሳ ኣለዋ፡ ቀዳምነታተን ድማ ባጀተን ናብ ምክልኻል የብለኦ ኣለዋ" ኢላ።
ከምዚ ዓይነት ምዝንባል ፋይናንስ ንኻልኦት ዓውድታት ከም ክሊማ፣ ማሕበራዊ ወጻኢታትን ካልኦትን ዝወሓደ ፋይናንሳዊ ጸጋታት ክህሉ ምግባር ማለት ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጻ።
ጀነራል ኑ፡ "ፈቲና ጸሊእና ሓይልታት ምክልኻል ክህልውና እዮም። ካብዚ ኣብ እዋን ኲናት ዝወጽእ ልቀት ደው ንምባል እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ ብመጀመርታ ከም መከላኸሊ ዝሰርሕ ሓያል ወተሃደራዊ ሓይሊ ምህላው'ዩ፡ እዚ ድማ ኔቶን ብሪጣንያን ክገብርዎ ይፍትኑ ኣለዉ፡" ኢሉ።
ካልኦት ድማ፡ ሓያላት ወተሃደራት ብሓቂ ንሰባት ካብቲ ዝዳኸም ዘሎ ክሊማ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ሳዕቤን ክከላኸሉሎም ይኽእሉ ድዮም ወይስ ንጽልዋኡ ከቀላጥፎ ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ኣለዎም።