ህይወት ንእሽቶ ጓል ዘድሓነት ምስጢራዊት ክፍሊ

ዶሊ ንሲግበርት ስተርን ጓል ጓላ እያ

ምንጪ ስእሊ, SOTHEBY'S

መግለጺ ስእሊ, ዶሊ ንሲግበርት ስተርን ጓል ጓላ እያ

እቲ ዘስካሕክሕ ጨፍጫፍ ናዚ እንትነልዕ መዘክር ኣና ንሓስብ ንኸውን።

ኣብ ቀረባ ድማ ታሪኽ ውጻእ መዓት እቲ ጨፍጫፍ ብዛዕባ ዝዀነት ጓል ሸውዓተ ዓመት ዶሊ ከም ብሓድሽ ይለዓል ኣሎ።

እቲ ዛንታ ካብ ሓንቲ ኣብ ምስጢራዊ ክፍሊ ዝተሓብአት ጓል ሸውዓተ ዓመት ንእሽቶ ቈልዓ ይጅምር።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ቀረባ ኣብ ለንደን ብጨረታ ክሽየጥ ዝተሓስበ ታሪኻዊ ስእሊ ሩስያዊ ቀባኢ ዋሲሊ ካንዲስኪ እዩ።

እዚ ብልዑል ዋጋ ክሽየጥ’ዩ ዝብል ግምት ተዋሂቡዎ ዘሎ ስእሊ ግን ታሪኽን ጅግንነትን ሓደ ኣዝዩ ዘሕዝን ስድራቤት ሒዙ ኣሎ።

እቲ ስእልን ዶሊን ግን እንታይ ኣራኺቡዎም?

ብመሰረት ኣብ ውሽጢ እቲ ንሕትመት ዘይበቕዐ መዘክር ዝሰፈረ ታሪኽ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ሓንቲ ጓል ሸውዓተ ዓመት ህጻን ሚስጥራዊ ኣብ ዝዀነ ክፍሊ ተሓቢኣ።

ዶሊ ትብሃል።

እዛ ህጻን፡ “ኣይኰነን ድምጺ፡ ትንፋስኺ’ውን ፈጺሙ ክስማዐዕ የብሉን። ዋላ ሓደ ኣብዚ ምዃንኪ ክፈልጥ የብሉን። ትሰምዕኒ’ዶ ኣለኺ? ዋላ ሓደ!” ዝብል መጠንቀቕታ ተነጊሩዋ።

እታ ሰበይቲ፡ ምስ ኣዲኣን ዓባያን ኣብ ገዝኦም ትከናኸና ዝነበረት ሞግዚታ'ያ።

"ሰብ ድምጽኺ እንተሰሚዑ ጀርመናውያን ንኩላትና ክቐትሉና ይኽእል እዮም" ዝብል መጠንቀቕታ ክወሃባ እንከሎ ኣእምሮኣ፡ ዳግም ገዝኣ፣ ኣዲኣ ወይ ዓባያ ንዓመታት ከም ዘይትርእዮም ኣይገመቶን።

ንዝቕጽሉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ግን ኣብዛ ንእሽቶ ክፍሊ ተሓቢኣ፤ ብዘይካ ጃምቦ ዝበሃል መጻወቲ ሓርማዝ ካልእ ነገር ኣይነበራን።

ዶሊ፡ ኣይሁዳዊት እያ፤ እዋኑ 1943፡ ቦታኡ ድማ ኣብታ ብናዚ ዝተጎበጠት ኣምስተርዳም እዩ።

ብርግጽ ኣና’ውን ኣብዚ ተመሳሳሊ ግዜ እያ ነይራ። እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ኣና ኣብ ውሽጢ ኣስታት ሰለስተ ኪሎ ሜትር ኣብ ዝርከብ ገዛ እያ ተሓቢኣ ነይራ።

ክልቲአን ህጻናት ግን ሌላ ኣይጸንሐንን፤ ተራኺበን’ውን ኣይፈልጣን። ኣናን ስድርኣን ኣብ ነሓሰ 1944 ተታሒዞም ናብ ኦሽዊትዝ ተላኢኾም።

ኣደ ዶሊ፡ ኣቦኣን ዓባያን እውን ኣብ ኦሽዊትዝ ተቐቲሎም፤ ዶሊ ብህይወት ተሪፋ።

ኣዲኣ ሉዊዝን ኣቦን ሀርበርትን

ምንጪ ስእሊ, SOTHEBY'S

መግለጺ ስእሊ, ኣዲኣ ሉዊዝን ኣቦን ሀርበርትን

ኣና ዝጸሓፈቶ ብዛዕባ ሕቡእ ናብርኣ ዝገልጽ ‘ዘ ዳያሪ ኦቭ ኤ ያንግ ገርል’ ዘርእስታ ጸብጻብ፡ ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ ሰነዳት ህልቂት ኣይሁዳውያን እያ።

ታሪኽ ካብቲ ህልቂት ዝተረፈት ዶሊ ኣብቲ ዘይተሓትመ መዘክር ሰፊሩ ዝርከብ ኰይኑ ልዕሊ እቲ መጽሓፍ ምስ ሓደ ፍሉጥ ቅብኣ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎ።

እዚ ብሉጽ ዘመናዊ ስነ ጥበብ ዝተባህለ ስእሊ ኣብ ለንደን ኣብ ዝካየድ ጨረታ ብ42 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝሽየጥ ይግመት።

እዚ ዋጋ፡ ክብረ ወሰን እቲ ሰኣሊ ከም ዝዀነ ይንገር።

እዚ ስእሊ ስድራ ዶሊ በዓል መን ከም ዝነበሩን እንታይ ከም ዘጋጠሞምምን ዘዘኻኽር እዩ።

ሩስያዊ ዋሲሊ ካንዲንስኪ ብ1910 ዝሰርሖ ቅብኣ ሙራናኡ ሚት ኪርቼ (ብቤተክርስቲያን) ሙናርኡ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣብቲ ኣብ ፖትስዳም ኣያታት ዶሊ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ውቁብ ቪላ፡ ተሰቒሉ ዝነበረ ስእሊ እዩ።

እዞም ስድራ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዕውታት ነጋዶ ዓለባ ነይሮም። ስምምዓቶም ኩሉ ምስ ጸሓፍትን ፍሉጣት ሰባት ነይሩ።

ምስ ከም ቶማስ ማን፡ ፍራንዝ ካፍካን ኣልበርት ኣንስታይንን ዝኣመሰሉ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ጸለውቲ ጸሓፍቲን ፈላስፋታትን ይራኸቡ ነይሮም።

ካንዲንስኪ ኣብ ባቫርያ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሙርናው ድሕሪ ምብጻሑ እዩ ስኢልዋ

ምንጪ ስእሊ, SOTHEBY'S

መግለጺ ስእሊ, ካንዲንስኪ ኣብ ባቫርያ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሙርናው ድሕሪ ምብጻሑ እዩ ስኢልዋ

እቶም መጻምድቲ ስነ-ጥበብ የድንቑን ከም ናይ ሬኖየር፡ ሙንች፡ ካንዲንስኪን ናይ ቀደም ሆላንዳውያን ብሉጽ ስእልታትን ዝርከብዎም ስራሕቲ ይእክቡ ነይሮም።

ኑዛዜ ሲግበርት ልዕሊ ሚእቲ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት የጠቓልል።

ስድራቤት ስተርን ኣብ ማሕበረሰብ ኣይሁድ እውን ንጡፋት ኰይኖም ኣብ 1916 ነቶም ካብ ምብራቕ ኤውሮጳ ሃዲሞም ኣብ ጀርመን ብድኽነት ዝነብሩ ኣይሁድ ዝሕግዝ ትካል መስሪቶም እዮም።

ናዚ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ስድራቤት ስተርንን ከማኦም ዝኣመሰሉ ስድራቤታትን ዒላማ ስቅያት ኮይኖም።

ሲግበርት ኣብ 1935 ምስ ሞተ ህይወት እናኸበደ መጺኡ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ገለ ካብቶም ቆልዑ ድሮ ናብ ሆላንድ ተሰዲዶም ስለ ዝነበሩ ዮሃና ማርጋሬት ድማ ገለ ኣቑሑ ገዛኣን ስእልታታን ሒዛ ስዒባቶም።

ስድራቤት ስተርን ከም ብዙሓት ኣይሁዳውያን ስድራቤታት፡ ስነ-ምግባር ንዘይብሎም ነጋዶ፡ ክቡር ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ብሕሳር ዋጋ ብምሻጥ ገንዘብ ኣዋህሊሎም።

ብ1941 ዮሃና ማርጋሬት ብናዚ ሃገር ዘይብላ ሰብ ተባሂላ ተኣዊጃ።

ግን ድማ ተስፋ ናጽነት ኣቕሪቦሙላ: ስድርኣ ሒዛ ካብ ሆላንድ ንክትወጽእ ዘኽእላ ቪዛ ንክህብዋ ብፈረንሳዊ ስነ ጥበባዊ ሄንሪ ፋንቲን-ላቱር ዝተሰኣለ ስእሊ ክትህቦም ሓቲቶማ።

እዚ ግን ተንኰል እዩ ነይሩ።

ኣብ ፖትስዳም ዝርከብ ቪላ ስድራቤት ስተርን

ምንጪ ስእሊ, SOTHEBY'S

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፖትስዳም ዝርከብ ቪላ ስድራቤት ስተርን

ንሳ ነቲ ስእሊ ኣረኪባቶም፡ እንተዀነ ቪዛ ኣይተወሃበትን።

ብድሕሪኡ ዮሃና ተሓቢኣ፤ ግን ኣብ 1943 ከም ወለዲ ዶሊ ንሳ’ውን ተታሒዛ።

ዶሊ ኣብ ተዘክሮታታ፡ ኣዲኣን ኣቡኣን ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ራዕዲ ንምክልኻል ዝከኣሎም ከም ዝገበሩ ትገልጽ።

ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ሞግዚት ኣና ብሓላፍነት ክህብዋ ከለዉ ተስፋ ዘቑርጽ ህሞት ነይሩ።

"ለይቲ እዩ ነይሩ፡ ድሮ ደቂሰ ነይረ፡ ልስሉስ ድምጺ ኣደይ ኣበራቢሩኒ። 'ዶሊቸን፡ ክትልዓሊ ኣለኪ። ገና ኣይወግሐን።' መጺኣ ምሳይ ኣብ ዓራት ኰፍ ኢላ፡ ኣቦይ’ውን መጺኡ ኰፍ ኢሉ። ድሌት ጀርመናውያን ስለ ዝዀነ ንክልተ ሰሙን ክኸዱ ከም ዘለዎምን ብድሕሪኡ ከም ዝምለሱን ነጊሮሙኒ . . .

"ደወል ማዕጾ ሃንደበት ምስ ተደወለ ኣቦይ ከይዱ ማዕጾ ከፊቱ። ሰለስተ መኰንናት ግሩነ ፖሊዘይ [ሓይሊ ፖሊስ ናዚ] ቦቲ ጫምኦም ዓው ዝበለ ድምጺ እናስምዐ ፈንጢሶም ኣትዮም።

" ‘ቀልጥፉ፡ ቀልጥፉ፡ እንተዘይኮይኑ ክንተኩስ ኢና’' ኢሎም ኩሉ ሰብ ክቕልጥፍ ኩሉ ዓይነት ትእዛዛት ብዓውታን ብሓይሊን ጨደሩ: ። ኣነ ፈሪሐ ብድሕሪ ኣና ተሓቢአ፡ ኣዝየ ፈሪሐ" ትብል።

ወለዲ ዶሊ ተወሲዶም። ሽዑ እያ ንመወዳእታ ግዜ ርእያቶም።

ንጽባሒቱ ናብ እንዳ ኣና ከይዳ። ናዚ ከም በዓል ዶሊ ዝበሉ ኣይሁድ ብጫ ኮኾብ ክኽደኑ ኣገዲዶምዎም።

ኣና ግን ነቲ ኮኾብ ካብ ጃኬት ዶሊ ኣልጊሳቶ።

ካብ ድሕሪ ሕጂ ድማ ሓትነይ ኢላ ንክትጽውዓ ነጊራታ።

ሓደ ክፋል ገዛ ኣና ከም ናይ ሓኪም ምኽሪ ክፍሊ ኰይኑ ዘገልግል ንእሽቶ ሕቡእ መተሓላለፊ ነይርዎ።

እዚ መተሓላለፊ ንዝቐጸሉ 30 ኣዋርሕ ገዛ መንበሪ ዶሊ ኰይኑ።

ኣብ መንደቕ መመገቢ ክፍሊ ቪላ ስተርን ዝርአ ስእሊ ካንዲንስኪ

ምንጪ ስእሊ, SOTHEBY'S

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንደቕ መመገቢ ክፍሊ ቪላ ስተርን ዝርአ ስእሊ ካንዲንስኪ

ክልተ መጻሕፍቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ህጻናትን መጻሕፍቲ ጽውጽዋያትን ነይርዋ፤ ደጋጊማ ኣንቢባቶም።

"ኣብቲ ናይ ምምኽኻር ሰዓታት ኣብ ዝነበረሉ ምሸት፡ ኣብ ቀውዒን ክረምትን ኣብ ጸልማት ኰፍ ክብል ነይሩኒ። ብዙሕ ግዜ ኣብ መሬት ተዘርጊሐ፡ እግሪ ናይቶም ዝጽበዩ ዝነበሩ ሕሙማት ብታሕተዋይ ስንጥቕ ማዕጾ እቖጽር ነይረ።"

ብሕትውናኣ ብራዕዲ ወራር ፖሊስ ተጋዲዱ።

ኣና ንዶሊ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዘሎ ክፍተት ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ መሕጸቢ ኢድ ኣብ ዝርከብ ሳንዱቕ ትሓብኣ ነይራ።

ኣብ ትሕቲ ሓመድን መወልወሊን ከም "ዘይትርአ ተገይራ"።

"ፖሊስ ጀርመን ኣብ ውሽጢ ክሽነ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣና ዋላ ሓንቲ ከም ዘይትፈልጥ ትኸውን ነይራ። ጀርመናዊ ዋዛታት ትነግሮምን ተዐሽዎምን፡ ምስ ክዱ ግን ከም ርሑስ መወልወሊ ዕጽፍጽፍ ኢላ ትወድቕን ትንቅጥቀጥን ነይራ።"

ንሓንቲ ንእሽቶ ጓል፡ ሓደ ካብቲ ዝኸበደ ነገር ፍጹም ስቕ ምባል እዩ።

ኣብ መወዳእታ ኪዳን ሃገራት ኣብ 1945 ንኣምስተርዳም ሓራ ምስ ኣውጽኡን ዶሊ ካብ ምሕባእ ክትወጽእ ክኢላ።

ናይዚ ፍናንን እፎይታን ብመዓልታዊ ድምጽታት ይግለጸላ ነይሩ።

"ከም ብሓድሽ ክነብር ተፈቒዱለይ፣ ምሉእ ብምሉእ ክነብር።"

ዶሊ ክሳብ 70ታት ዕድሚኣ ድማ ህይወት ኣስተማቒራ።

ዶሊ ኣብ ዳሕራይ ህይወታ

ምንጪ ስእሊ, SOTHEBY'S

መግለጺ ስእሊ, ዶሊ ኣብ ዳሕራይ ህይወታ

ኣብ 1935 ዝተወልደት ዶሊ፡ ኣብ እዋን ኲናት "ተሓቢኣ" ሓንቲ ካብቶም ካብ ህልቂት ኣይሁዳውያን ዝተረፉ ክትከውን ክኢላ።

ወግዓውያን ሰነዳት ሆላንድ፡ ኣብ እዋን ወራር ምስ ሞግዚትኣ ኣና ትነብር ምንባራ የመልክቱ።

ብህይወት ዘለዉ ኣዝማድ ዶሊ ከም ዝፈልጥዎ፡ ካብታ ገዛ ክሳዕ ሕጂ ብህይወት ዘሎ ሰብ የለን።

ቢቢሲ፡ ነቲ ዶሊ ብዛዕባ ተመኩሮኣ ዝሃበቶ ጸብጻብ ብፍሉይ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ዳሕረዎት ኣባላት ስድራቤታ፡ ሃለዋት ናይቲ ዝጠፍአ እኩብ ስነ-ጥበብ ስተርን ንምርካብ መርመራ ኣካይዶም።

ኣብ 2013 ኣብ ኣይንድሆቨን ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ካንዲንስኪ ከምዘሎ ድማ ረኺቦም።

ካብ 1951 ጀሚሩ ኣብኡ ዝጸንሐ’ዩ። እቲ ኣብ ቪላ ፖትስዳም ዝነበረ ክኸውን ይኽእል’ዶ?

ሓለፍቲ ቤተ መዘክር ከም ብሓድሽ መርሚሮም፤ ኣብ ድሕሪት እቲ ስእሊ "ላንድሻፍት" ዝብል ቃል ረኺቦም።

ሲገርት ኣብ ኑዛዜኡ ንካንዲንስኪ ንምምዝጋብ ዝተጠቕመሉ ቃል እዩ ነይሩ፣ ክልቲኡ ናይ ኢድ ጽሑፍ ድማ ተመሳሳሊ ነይሩ።

ዶሊ እቲ ርኽበት ቅድሚ ምርግጋጹ እያ ሞይታ፡ ስድራኣ ግን ኣሰር ናይቲ ዝጠፍአ ብሉጽ ስራሕቲ ክረኽቡ ከም ዝቐረቡ ትፈልጥ ነይራ።

ድሕሪ ነዊሕ ወፍሪ ኣብ መወዳእታ ናብታ ስድራቤት ተዋሂቡ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሶተቢስ ክሽየጥ ትጽቢት ይግበር፤ ሽዑ ብቲ ስነጥበበኛ ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዝለዓለ ዋጋ ከም ዝሽየጥ ይግመት።

ሲግበርትን ዮሃና ማርጋሬት ስተርንን

ምንጪ ስእሊ, SOTHEBY'S

መግለጺ ስእሊ, ሲግበርትን ዮሃና ማርጋሬት ስተርንን

እቶም ብህይወት ዝተረፉ 13 ወረስቲ ስድራ ስተርንስ ነቲ ኣታዊ ክማቐልዎ እዮም፤ ኣብቶም ዝተረፉ ስእልታት ዝያዳ መጽናዕቲ ንምክያድ ክውዕል እዩ።

ሙርናው ሚት ኪርቸ ዳግማዊ፡ ካብቲ ሩስያዊ ኣብ ፓሪስ ስራሕቲ ሴዛንን ቫን ጎህን ዝወሰድሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጥበብ ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ እዩ።

ሓንቲ ካብቶም ነቲ ሓራጅ ዘካይዱ ዝኾነት ሄለና ኒውማን፡ "ኣዝያ ኣዝያ ፍልይቲ ስእሊ'ያ፡ ሓንቲ ካብተን ብሉጻት ስእሊ ካንዲንስኪ'ያ። ኣብ ስነ-ጥበብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ክንድዚ ዝኣክል ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ረቒቕ ስርሒት ዝጀመረሉ እዋን ዝተሰርሐት’ያ።"

ጸሓፍቲ ታሪኽ ስነ-ጥበብ፡ እቲ ሰኣሊ ናይ ሲነስተዝያ (ሓደ ህዋስ ኣካላት ብምንቕቓሕ ምስ ካልእ ህዋስ ኣካላት ዝተኣሳሰር ጦብላሕታ ህዋሳት ምፍራይ) ተውህቦ ወይ ክእለት ከም ዝነበሮ ይዛረቡ፤ ሓደ ሕብሪ ብምርኣይ ሙዚቃ ናይ ምስማዕ ክእለት ነይርዎ።

እቲ ብሩህ ዝጠፍአ ብሉጽ ስርሑ ምስታ ኣብ ሓራ ዝወጹ ጎደናታት መዓልታዊ ሓጎስ ዝረኸበት ንእሽቶ ጓል ክተሓሓዝ ግቡእ ይመስል።

ስድራ ዶሊ፡ መንነቶም ንምሕላው ክብሉ ኣብዚ ጽሑፍ ስም ስድራቤታ ክጥቀስ ኣይፈቐዱን።