ሓበሻውን ጀማይካውን መበቈላ ብስእሊ እትገልጽ ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ

ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ

ምንጪ ስእሊ, GABRIELLE TESFAYE

ኣብ መቐለ ተወሊዱ ካብ ዝዓበየ ኣቦን ኣፍሪቃውን ህንዳውን መበቈል ካብ ዘለዋ ጀማይካዊት ኣደን ኣብ ጥቓ ቺካጎ ኣብ እትርከብ ንእይሽተይ ከተማ፡ ሚልዋኪ፡ ተወሊዳ ዓብያ።

ኣብ ጥበባት ቅብኣ፡ ስነ ግጥሚ፡ ካርቱን ፊልም (ኣኒሜሽን)፡ ጥበብ ኣሻንጉሊትን (ፐፒትሪ) ወዘተ እትነጥፍ ኰይና ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት እትለብስ ዘላ ኵለመዳያዊ ዓለምለኻዊት ስነ ጥበባዊት እያ፤ ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ።

ጓል ሸውዓተ ዓመት ኰይና ንመምህራ "ህይወተይ ምሉእ ኣብ ስነ ጥበብ ክነጥፍን ዓለም ክዘውርን እደሊ" ከምዝበለት እትዝክር እዛ ስነ ጥበባዊት፡ ካብ ቍልዕነታ ንትምኒታ ብቝም ነገር ከምዝሓዘቶ ትገልጽ።

ኣብ ጥንታዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ውርሻታት ተመርኲሶም ብዝተሰርሑ ስርሓታ፡ ኣብ ከም ቬግን ኣፍሮፓንክን ዝበሉ ፍሉጣት ሕትመታት ክትቀርብ በቒዓ።

"ኣብ ኵሉ ነገር ጽባቐን ቃንዛን ኣሎ" ዝብል ፍልስፍና ህይወት ዘለዋ ገብርኤል፡ ኣብ ለንደን፡ ኒውዮርክ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ዛንዚባር፡ ህንድን ሽወደንን ስርሓታ ንምርኢት ኣቕሪባ እያ።

ካብ ኣኽሱማዊ ስልጣነ ክሳብ ኲናት ትግራይ፡ ካብ ኣፍሪቃዊ ያታታት ክሳብ ንግዲ ባርያ ኣብ ጥበባዊ ስርሓታ ዝቃልሑ ዛንታታት ኣለዉ።

ዛጊድ ዓለምለኻዊ ሽልማት ዝረኸቡ ስርሓውቲ ኣበርኪታ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ዕድላትን ስልጠናታትን እውን ረኺባ እያ።

ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ቐጠር፡ ደውሓ፡ ኣብ ዝርከብ ቨርጂንያ ኮመንወልዝ ዩኒቨርሲቲ’ (ቪሲዩ) ብ ኣርትን ዲዛይንን ናይ ማስተርስ ዲግሪ ትምህርታ ትከታተልን፡ ኣብታ ብኲናት ኣብ ቅርስታታ ከቢድ ዕንወት ወሪዱዋ ዘሎ ትግራይ ማእከል ገይራ፡ ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻታት መጽናዕቲ ተካይድን ኣላ።

‘ሓንፈጽ ውርሻታተይ ኣብ ስርሓተይ ጽልዋ ኣለዎም’

ስእሊ ክራር ዝሓዘት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, GABRIELLE TESFAYE

መግለጺ ስእሊ, 'ኤቭሪቲንግ ቸንጅስ' ካብ ስእልታት ገብርኤል ተስፋየ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዕጫ ክፍሎምን እለሻ እንጌራን ኣብ ርሑቕ ሃገር ካብ ዘራኸቦም ክልተ ስደተኛታት ዝተወለደት ገብርኤል፡ ኣተዓባብያኣ ናብ ባህልን ማሕበረሰብን ሓበሻ ይዅን ጀማይካ ዝቐረበ ኣይነበረን።

እናዓበየት ምስመጸት ባህልን መንነትን መበቆላ ንምፍላጥ ዝነበራ ክቱር ባህጊ ምርኩስ ገይራ፡ ብዘካየደቶ መጽናዕትን ጕዕዞን እያ ተወሃሂዳቶ።

"ካብ ኣቦይን ኣደይን ወጻኢ ብዙሕ ዘመድ ኣዝማድ ኣብ ዘለዎ ኣይኰንኩን ዓብየ። ማሕበረሰብ ጀማይካ ወይ ተጋሩ ኣብ ዘይብሉ ክልተ ስደተኛታት እዮም ኣዕብዮምኒ። ስለዚ ብባህሊ ቅሩብ ዝተገለልኩ እየ ነይረ። ኣደይ ሓበሻ ስለዘይኰነት ድማ ኣብ ገዛና ብእግሊዝኛ ኢና እንዛረብ ኔርና።

"ስለዚ ዝነበረኒ ምስ ባህለይ ናይ ምትእስሳር ፍቕሪ፡ ውጽኢት ውልቃዊ ጕዕዞ እዩ ነይሩ። እናዓበኹ ምስከድኩ ጥንታዊ ስነ ጥበባትና፡ ባህልና ከጽንዕን ናብ ኢትዮጵያ ክመላለሰን ጀሚረ። ናብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን በይነይ እየ ከይደ፤ ምኽንያቱ መበቆለይ ናይ ምፍላጥ ዓቢይ ድልየት ነይሩኒ" ትብል።

ስርሓት ገብርኤል፡ ንጥንታዊ ጥበብን ታሪኽን ብዘለዋ ፍቕሪ ዝተቓነዩ እዮም። ብፍላይ ኣብ ስደት ተወሊዶም ንዝበዓዩ ሰባት እዚታት እያ ብስነ ጥበብ እተካፍሎም።

"ጥንታዊ ስነ ጥበብ ኣዝዩ እዩ ዝጸልወኒ፡ ናይ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ምሉእ ዓለም። ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ይሰርሑ ከምዝነበሩ፡ ምስ ተፈጥሮን መንፈሳውነትን ዝነበሮም ምትእስሳር፡ ብስነ ጥበብ ኣቢሎም ከመይ ዛንታታት ይነግሩ ከምዝነበሩን ምጽናዕ ኣዝየ እየ ዝፈቱ" ትብል።

እዚ ድልየታ ድማ ንባህልን ታሪኽን መበቆላ ዝያዳ ክትሰርሓሉ ከምዘበገሳ ትገልጽ።

"ቅዲ ስርሓተይ ብርግጽ ምስ መበቆለይ ዝተተሓሓዘ እዩ። ኣደይ ጀማይካዊት እያ፤ ናታ ባህላዊ ድሕረ ባይታ ካብ ጸሊም ኣፍሪቃውን ህንዳውን እዩ። ካብ ህንዲ ናብ ጀማይካ ዝመጹ ብዙሓት ኣዝማድ ኣለዉኒ። ጀማይካ ድማ ደሴት ብዝሓ ባህሊ እያ። ህንዳውያን፡ ቻይናውያን ኣፍሪቃውያንን ኣለዉ። እዞም ኣህዛብ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጀማይካ ነቢሮም እዮም። ስለዚ ታሪኾም ይጸልወኒ እዩ። ታሪኽ ጀማይካ ዝገልጹ ብዙሓት ስርሓት ሰሪሐ እየ" ትብል።

ኣሰር ከም ሓወልቲ ኣኽሱምን መስጊድ ነጋሽን ዝኣመሰሉ ታሪኻዊ ቅርስታት ኣብ ስእልታታን ፊልምታታን፣ ከም ቡንን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሃብትታትን ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ግጥምታታ ተንጸባርቘም።

"ብመበቆለይ ኣዝየ እየ ዝኾርዕ፤ ናይዞም ክልተ ባህልታት ሓንፈጽ ምዃነይ ድማ ኣዝየ እየ ዘመስግን። ብስርሓተይ ኣቢለ ንባህለይ፡ ህዝበይን፡ ኣበው እመዋተይን ክብሪ ምሃብ ድማ ንዓይ ኣገዳሲ እዩ" ክትብል ትገልጽ።

ባህላዊ ትውፊታት ዝበቘለትሎም ማሕበረሰባት ሓበሻን ጀማይካን ብስነ ጥበብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ህይወታ ገይራ ክትነብሮም ከምእትፍትን ገብርኤል ትዛረብ።

"ኣብ ትርፊ ግዜይ ስርሓት ካይላ እሰርሕ፤ ወሓለ ከሻኒት እውን እየ። ባህላዊ ምግብታት ጀማይካን ሓበሻን እሰርሕ። እንጀራ ምስንካት፡ ጸብሒ ምስራሕን እኽእል እየ። ብፍላይ ሽሮ ኣዝየ'የ ዝፈቱ። "

‘ዘ ወተር ዊል ኬሪ ኣዝ ሆም’

ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ፡ ባህጋ፡ ስምዒታን ተጓንፎታታን ብግጥሚ ንምግላጽ ዝተዓደለት እያ። ዋሕዚ ቃላታ ናብ ቅብኣ ትቕይሮም፤ ቅብኣታታ እውን ክንቀሳቐሱ ብምግባር ዛንታ ክነግሩ ናብ ዝኽእሉ ካርቱን ፊልምታት (ኣኒሜሽን) ተማዕብሎም።

ሞያ ፊልም ደንጕያ ዝጀመረቶ'ኳ እንተዀነ፡ ዕዉት ስራሕ ንምስራሕ ግን በቒዓ እያ።

ባሮት ዝጸዓነት መርከብ

ምንጪ ስእሊ, GABRIELLE TESFAYE

"ፊልም ንድፍን ቅብኣን ክገብርዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ዛንታ እተዘንትወሉ ዝተፈለየ መንገዲ ምዃኑ ተረዲአ። ክትመሃረሉ እትኽእል ዘደንቕ መሳለጢ ኰይኑ እውን ረኺበዮ።"

ኣብ እዋን እቲ ብኣትላንቲክ ዝግበር ዝነበረን ንሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ኣደዳ ስቓይን ሞትን ዝገበረን ንግዲ ባርያ፡ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝውሰዱሉ ካብ ባሕሪ ይድርበዩ ብዛዕባ ዝነበሩ፡ ዘዘንቱ ፈላማይ ፊልማ ‘ዘ ወተር ዊል ኬሪ ኣዝ ሆም’ ኣብ ብላክ ስታር ፊልም ፈስቲቫልን ካልኦትን ብዙሕ ሽልማትን ክብርን ረኺባትሉ እያ።

"ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ብዙሕ ፈስቲቫላት ፊልም ተራእዩ እዩ። ብዙሕ ሽልማታት እውን ረኺቡ። በቲ ዝረኸቦ ቅቡልነት ሕጕስቲ እየ ነይረ። ኣብዚ እዋን ድማ ‘ፎር ትግራይ’ ዝብል ኣርእቲ ዘለዎ ፊልም ኣብ ብዙሓት ፈስቲቫላት የቕርቦን ብዛዕባኡ ኣብቶም መድረኻት መግለጺ የቕርብን ኣለኹ" ክትብል ትገልጽ።

‘ገዛይ ኣብ መቐለ እየ ክሃንጾ ዝደሊ’

"ስነ ግጥሚ ትርግታ ልቢ እቶም ካልኦት ስሓተይ እመስለኒ" እትብል ገብርኤል፡ ዝተፈላለየ ተውህቦታት'ኳ እንተሃለዋ፡ ስርሓታ ቀዲሞም ብስነ ግጥሚ ከምዝውለዱ ትኣምን።

"እቶም ዝተፈላለዩ ጥበባት፡ ስምዒታተይ ዝገልጸሎም ዝተተሓሓዙ መንገዲታት'ኳ እንተዀኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ብግጥሚ እየ ስእሊ ዝጅምር፤ ብእኡ እየ ፊልም ዝጅምር። ግጥሚ ምጽሓፍ እዩ ቀዲሙ ዝመጸለይ፡ እቲ ዝጸሓፍክዎ ድማ ብቅብኣ ወይ ኣኒሜሽን እገልጾ።"

ገብርኤል ፈረወይኒ ተስፋየ

ምንጪ ስእሊ, GABRIELLE TESFAYE

ወላዲ ገብርኤል፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ እዋን ደርጊ ዝነበረ ሓድሕድ ኲናት እዩ ዓዱ ገዲፉ፡ ብበረኻን ኣጻምእን ሃጽ ኢሉ ተሰዲዱ።

ብዛዕባ እታ ዝዓበየላ ዓይኒ ትግራይ መቐለ፡ ቍልዕነቱ፡ ኣደኡን ሓዉን ኵሉሻብ የዘንትወላ ነይሩ።

"ቈልዓ እንከለኹ፡ ኣብ ካርታ፡ ኢትዮጵያ ኣበይ ኣላ? መቐለ ኣበይ ኣላ ኢሉ ይሓተኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ብኢደይ የመልክቶ" ክትብል እትዝክር ገብርኤል፡ ነታ ምስ ጐበዘት ከይዳ ዝረኣየታ መቐለ ፍሉይ ፍቕሪ ኣለዋ። መቐለን ትግራይን ኣብ ተለላታት ግጥሚ፡ ገጻት ስእልን ፊልምን ደጋጊማ ትገልጸን።

ኣብ ድህረ-ገጻ ኣብ ዝጠቀዓቶ ብኵናት ዝፍተን ሕልማ ዝገልጽ ‘ዎምስ’ (Warmth’ ዝብል ግጥሚ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ርሻን ሃኒጻ ክትነብር ትምነ።

"ካብ መዓሙቕ ልበይ እጽሊ

ኣብቲ ናባኺ ዝመጸሉ

ደቀይ ክርእዮም እናዕለሉ

በእዳወይ ዝተነድፈ

ገፊሕ ውቁብ ርሻን ተኺለ

ኣብ ርስቲ ወለደይ

ኣብ ማእከል መቐለ" ዝብል ውርሲ ትርጕም ዘለዎም ተለላታት ኣለዉ።

እዚ ልባዊ ትምኒታ ምዃኑ እያ ትገልጽ።

"ኣብ መቐለ ገዛ ክሰርሕ፡ ደቀይ ኣብኡ ክዓብዩ እደሊ። ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቤተ መጻሕፍቲ፡ ሙዝየማትን ካልእን ኣብ ምህናጽ ክሕግዝ እምነ። እቲ ኲናት ደው ምስበለ ከምኡ ኢና ክንገብር ዘለና።" 

‘አዒንተይ ፍሩያት ብምዃኖም፡ ቈልዑ ይስሕቍኒ ነይሮም’

ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ

ምንጪ ስእሊ, GEBRIELLE TESFAYE

ውሑዳት ስደተኛታት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ዝዓበየት ገብርኤል፡ ኣብ እዋን ቁልዕነታ ብምኽንያት ካብ ስደተኛ ቤተሰብ ምምጻኣ መዛኑኣ ይስሕቍዋን ይድህሉዋ ከምዝነበሩ ትዝክር።

"ኣብ ገሊኡ እዋን ኣብ ቤት ትምህርተይ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዀንኩ ብሕታዊት ተመሃሪት ነይረ። ኣብ ገሊኡ ድማ ስደተኛ ስድራቤት ዘለዋ እንኮ ተመሃሪት ነይረ፤ ይላገጹለይን ካብ ካልእ ከምዝመጻኹ ክስመዓንን ይገብሩኒ ነይሮም። ኣዒንተይ ፍሩያት ብምዃኖም ከኣ ይስቍኒ ነይሮም" ትብል።

ወላዲኣ ብኣንጻሩ ፍሩያት ኣዒንቲ፡ ምልክት ጽባቐ እምበር ዝሰሓቐሎም ከምዘይኰኑ የረደኣ ነይሩ።

እናዓበየት ምስ መጸት ንስእሊ ከም መጸግዒኣ፡ ፍሩያት ኣዒንታ ድማ ከም ሕላገት ስርሓታ ክትጥቀመሎም ጀሚራ።

"ኣቦይ ብዙሓት ሓበሻ ፍሩይ ዓይኒ ከምዘለዎምን፡ ክዀርዕ ከምዝግባእን ይነግረኒ ነይሩ። ንዕኡ እዩ ዝመስለኒ ኵሎም ዝስእሎም ሰባት ገዘፍቲ ኣዒንቲ ዘለዎም። ካብ ባህሊ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ናይ ባዕለይ ልምዲ ከም ሓይሊ ወሲደዮን መለለዪ ስርሓተይን ክኸውን ገይረዮ።"

ምስ ሕብሪ ቆርበታ ተተሓሒዙ ኣተዓባብያኣ ቀሊል ከምዘይነበረ'ውን ትዝክር።

"ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኣሜሪካ ምዕባይ፡ ከምቲ ኣብ ሚድያ ዝሰኣል ፍጹም ቦታ ኣይኮነን፤ ብፍላይ ጸሊም እንተዄንካ፡ እቲ ዝመጻኻሉ ሃገር ብዘየገድስ ህይወት ከቢድ እዩ።"

ኰይኑ ግን መምህራን ኣዝዮም ንፉዓትን ሓገዝታን ከምዝነበሩ ትገልጽ።

"ብዙሕ ግዜ ንምንባር ከበድቲ ዝዀኑ ኵነታት ነይሮም፤ ናይ ጥበብ ስርሓተይ ግን መዕቆብየይ ነይሮም። ስነ ጥበብ እዩ ሕልመይ ክብርትዕ ገይርዎ። ሽዑ እየ ድማ ነቲ ብኣካል ዝነበርኩዎ ዘይኮነስ ነቲ ክዀኖ ዝደልዮን ብኸመይ ከምዝዀኖን ዝገልጹ ምስልታት ምስኣል ጀሚረ።"

ቅብኣ ዝተሓቛቖፉ ሰብኣይን ሰበይትን

ምንጪ ስእሊ, GABRIELLE TESFAYE

መግለጺ ስእሊ, 'ላስት ኢምብረስ'

ብስርሓተይ ‘ሕውየትን ምልዕዓልን’ ክፈጥር እደሊ

ገብርኤል ተስፋየ፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ስርሓታ ሳዕቤናት እቲ ጐንጺ ናብ ምንጽብራቕ ከምዝተቐየሩ እያ እትገልጽ፡፡

"ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጠር ዘሎ ዓለምለኻዊ ግንዛበ ንምፍጣር ስራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ተጋሩ ሕውየትን ምልዕዓልን ንምፍጣር እውን እዩ።"

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ድማ ምስ መሓዛኣ ኰይና ‘ትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭ’ ዝተባህለ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ስነ ጥበበኛታት ዝሓቘፈ ማሕበር መስሪተን።

"ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እንነብር ተውህቦ ዘለና ተጋሩ እንራኸበሉን ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ሓቢርና እንሰርሓሉን ባይታ ንምፍጣር ኢና መስሪትናዮ" እትብል ገብርኤል፡ ዛጊድ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ሓባራዊ ምርኢት ስእሊ ብምድላው ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ገንዘብ ኣብ ምእትእኽኻብን ብሞያኦም ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢራ።

‘ብዙሕ ዓሚመ ኢለ ኣይኣምንን’

ብኣርትን ዲዛይንን ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርታ ኣብ ምክትታል እትርከብ ኵለ መዳያዊ ስነ ጥበባዊት ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ፡ በቲ ዛጊድ ኣብ ክሊ ዕድመ ዕስራታት ኰይና ዝሰርሓቶ ስርሓት ዕግብቲ ኣይኰነትን።

"ሓቂ ዘረባ ዛጊድ ብዙሕ ስራሕ ዝሰራሕኩ መሲሉ ኣይስመዓንን። ገና ብዙሕ ስራሕ እዩ ዝተርፈኒ። ክንደይ ዝኣክል ክሰርሕን ክንደይ ርሕቐት ክጓዓዝን ከምዘድልይ ስለዝፈልጥ፡ ገና ኣብ ጀማሮ እየ ዘለኹ፡፡’’

ትምህርታ ምስ ዛዘመት በቲ እትፈትዎ ሞያ መምህር ክትከውንን ብኡ ኣቢላ ናይ ሳልሳይ ዲግሪ ትምህርታ ክትቅጽልን ድልየት ኣለዋ።

ብቛንቋ እንግሊዝ ዝተጽሓፈ ፈላማይ ናይ ህጻናት መጽሓፋ ‘ፍረወይኒስ ሲድ’ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዕዳጋ ዝወዓለ ኰይኑ፡ ኣታዊኡ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ህጻውንቲ ስደተኛታት ከምዝውዕል ተዛሪባ።

ፑፐትሪ ዝርእዩ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, GEBRIELLE TESFAYE

መግለጺ ስእሊ, ካብ ምርኢት ጥበብ ኣሻንጉሊት (ፑፐትሪ) ገብርኤል ተስፋይ

'ፈተናታት ኣለዉ'

ዛጊድ ካብ ስነ ጥበብ ወጻእ ኣብ ህይወታ ሰሪሓ ከምዘይትፈልጥ እትገልጽ ኣርቲስት ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ፡ እቲ እትፈትዎ ሞያ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ፈተናታት ዝረሓቐ ከምዘይኰነ ትገልጽ። ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ እትልጥፎም ገለ ስእልታት ጸቡቓት ዘይኰኑ ርእይቶታት ከምዝቐርቡላ ትዛረብ።

"ንኣብነት ኣካላት ሰብ ዘርእዮ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እንተለጢፈ፡ ሰባት ብቐሊሉ ክወቕሱንን ከጥቅዑንን ይቐሎም፤ ምናልባት ወዲ ተባዕታይ እንተዝኸውን እቲ ሰኣላይ ክንዳኡ ዝዀኑ ኣይመስለንን። ኣብ ኦንላይን ብዙሕ ወቐሳን ጽቡቓት ዘይኰኑ ርእይቶታትን ኣጋጢሞምኒ ይፈልጡ እዮም።"

ገለ ሰባት ስነ ጥበብ ከም ጽቡቕ ናይ ስራሕ ዓውዲ ከምዘይርእይዎ እውን ትገልጽ።

"ኣብ ህይወተይ ክሳብ ሎሚ በዚ ሞያ ርእሰይ ክኢለ እየ ዝነብር፤ በቶም ሕጂ ዝሰርሖም ዝለኹን ንድሕሪ ሕጂ ዝሰርሖምን ስርሓት እውን ዕዉትቲ ከምዝኸውን ጥርጥር የብለይን" ትብል።

ስነ ጥበባውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ናይ ሞያ መሳርሕተን ሓሓሊፉ ዘጋጥመን ፈተናታት እውን ካልእ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ትገልጽ።

ገብርኤል ተስፋየ ኣብ ስራሕ

ምንጪ ስእሊ, GEBERIELLE TESFAYE