ኣዛዚ ሓይሊ ምድርን ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳን ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

ወዱ ንፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒን ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሰራዊት እታ ሃገርን ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩጋንዳ፡ እቲ ጀነራል ንወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝገሸ ኣረጋጊጹ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር’ውን፡ እቲ ጀነራል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክራኸብ ትጽቢት ከምዝግበር ኣቃሊሐን።

እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ትዊተር፡ ንሓይልታት ትግራይ ከምዝድግፍ ዝገልጽ ጽሑፍ ለጢፉ ነይሩ፡ እንተዀነ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ዩጋንዳ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ጽሑፍ ንምክልኻል ዩጋንዳ ከምዘይውክል ብምሕባር ውልቃዊ ርእይቶኡ ከምዝዀነ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ርዋንዳን ዩጋንዳን፡ ዶባተን ንሰለስተ ዓመት ክተዓጻጸዋ ጠንቂ ንዝዀነ ወጥሪ ክፈትሖ ብፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ፍሉይ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት’ውን ካብ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ናብ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሪ ኬንያታ ዝተለኣኸ ፍሉይ መልእኽቲ ሒዙ ተሰዲዱ ምንባሩ’ውን ይዝክር።

ነዚ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቃስን ካልእን ዝተዓዘቡ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ጀነራል ሙሆዚ ነቲ ካብ 1986 ጀሚሩ ንኣስታት 36 ዓመታት ንዩጋንዳ ዝመርሓ ዩወሪ ሙሰቨኒ ንምትካእ ባይታ ይጣጥሓሉ ኣሎ ዝብል ርእይቶ’ዮም ዝህቡ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት ሰራዊት ዩጋንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ዕጡቓት ተቓወምቲ የሰልጥን ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት ወጺኦም’ኳ እንተነበሩ፡ ዩጋንዳ ሓቅነት የብሉን ብምባል ከምዝነጸገቶ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ገለ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ዩጋንዳ ብህወሓት ንዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ የሰልጥን ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ኣውጺኦም ነይሮም።

ኣፈኛ ሰራዊት ዩጋንዳ፡ ብርጋዴር ጀነራል ፈሊክስ ኩላዩጊየ ትማሊ ሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጸብጻብ "ፍጹም ዝተሰንዐ እዩ" ክብል’ዩ ነጺግዎ።

እቲ ዜና፡ ሓደ ኣብ ኒውዚላንድ ዝመደበሩ መርበብ ሓበሬታ፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብቲ ኣብ ማሳካ ዝተባህለ ከባቢ ዝወሃብ ስልጠና ዝተሳተፉ ዝተባህሉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ሰራዊትን ካልኦት ትካላት ጸጥታ ዩጋንዳን ብምዝርዛር’ዩ ነቲ ዜና ሰሪሕዎ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 4,000 ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ክስልጥኑ መደብ ከምዝነበረ ይጠቅስ።

እቲ ስልጠና ብግብጺን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝድገፍ ምዃኑ'ውን ኣስፊሩ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሶም ዘለዉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ዩጋንዳ፡ ወዱ ንፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒን ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሰራዊት ዩጋንዳን ሌ/ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ እዩ።

ኣብ 2021፡ ጀነራል ካይነሩጋባ፡ ነቶም "ኣሕዋት" ክብል ዝገለጾም ሓይልታት ትግራይ ዘለዎ ደገፍ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

እቲ በቲ መርበብ ሓበሬታ ዝወጽአ ሰነድ፡ ቅኑዕ ወይ ስኑዕ ምዃኑ ዛጊት ብንጹር ኣይተረጋገጸን። እቲ 'ስኩፕ' ዝተባህለ ኣብ ኒውዚላንድ ዝርከብ መርበብ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ተኣማንነት ምንጪ ናይቲ ሰነድ ይዅን ሓቅነት ናይቲ ሓበሬታ መረጋገጺ ኣየቕረበን።

ኣብ ትሕዝትኡ ግን፡ ዘይቃዶ ሓበሬታ ኣስፊሩ ነይሩ። ንኣብነት ጄምስ ካባረበ ዝተባህለ ሰብ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ተባሂሉ ተጠቒሱሎ፡ እንተኾነ ኣብታ ሃገር በቲ ስም ዝጽዋዕ ሚኒስተር ምክልኻል ነይሩ ኣይፈልጥን።

ብወገን ኢትዮጵያ ይዅን መራሕቲ ትግራይ ብዛዕባ'ቲ ጸብጻብ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።