መንቀሊ ክልከላ ናብ ትግራይ ዝሓልፋ መካይን 'መንግስቲ ዘይቆጻጸሮ ኮንትሮባንድ ዕዳጋ' ድዩ?

ካብ ጸጋም ናብ የማን [ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ [ሌ/ጀ] ፡ ኮሙሽነር ጀነራል ፌደራል ፖሊስ ደመላሽ ገብረሚካኤል]

ምንጪ ስእሊ, office of the president-Tigray

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ናብ ትግራይ ዝኣትዋ ናይ ጽዕነት መካይን ክልከላታት ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ዜገታት 'ዶ ዳግማይ ዕጽዋን ክባን ይጅመር'ሎ' ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ቀንዩ'ሎ።

ነቲ ኵነታት ኣመልኪቱ፡ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፈደራል - ምኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን - ብዛዕባ'ቲ ኵነታት መብርሂን ምኽንያትን ክወሃቦ ብደብዳበ ሓቲቱ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ [ሌ/ጀ] ብዛዕባ እቲ ብኣባላት ፖሊስ ፌደራል ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ናብ ትግራይ ዝሓልፋ ናይ ጽዕነት መካይን ዝግበር ዘሎ ክልከላ ኣመልኪቱ ምስ ኮሙሽነር ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ክልተኦም ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት "እተን ሸቐጥ ዝሓዛ ናይ ፅዕነት መኻይን ዝተኸልከላሉ ምኽንያት ካብ ትግራይ ዶብ ሰጊሩ ብኮንትሮባንድ ሸቐጥ ይኸይድ ኣሎ ብዝብል ምኽንያት ዝተኣሳሰረ'ዩ" ዝበለ ኮይኑ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ካብ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝተዋጽአ ሓደ ሓይሊ ዕማም ቆይሙ ስራሕ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ [ሌ/ጀ] መንቀሊ እቲ ዕግታ ሸቐጣት ብኮንተሮባንድ ዶብ ሰጊሩ ናብ ካልእ ሃገር ይጉዓዝ ስለዘሎ'ዩ ድኣ ይበል እምበር ኣየናይ ሃገር ከምዝኾነ ግን ኣይጠቐሰን።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኵናት ተጸሚዶም ኣብ ዘለውሉ ኩነታት፡ ገለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ "ሸቐጣት ብመገዲ ራማን ካልኦት ከባቢታት ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ይሰግር ከምዘሎ" ክጽሕፉ ከምዝቐነዩ ዝፍለጥ'ዩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣብ ከተማ ራማን ከባቢኡን ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ወግዓዊ ምንቅስቓስ ይኹን ብወግዒ ዝተኸፈተ ዶብ ከም ከም ዘየለን ገሊፆም።

እንተዀነ ዘይስሩዕ ንግዳውን ማሕበራውን ርክባት ከምዘሎ ኣቶ ኣማኑኤል ዝተብሃለ ነባሪ ከተማ ራማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ብመንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝቐውም ሓይሊ ዕማም ኣብ ዶባት ዝካየድ ምንቅስቓስ ንግዲ ስርዓት ከትሕዝን በቲ ከይዲ ምጽራይ ኣቢሉ ዝተረኸበ ውጽኢት ድማ ስጉምቲ ከምዝወስድ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ተነቢሩ ዝቐነየ ክልከላ ናይ ጽዕነት መካይን ድማ ክለዓል ተሰማሚዖም ይብል።