ትግራይ፡ ፍታሕ ዘይተረኽቦ ዕግታ መካይን ጽዕነት ወጥሪ ከየጋድድ የስግእ

መኻይን ፅዕነት

ምንጪ ስእሊ, SM

ዝተፈላለየ ጽዕነት ሒዘን ናብ ትግራይ ዝጓዓዛ ዝነበራ ሓያለ ዓበይቲ መኻይን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንመዓልታት ምዕጋተን ስግኣታት ይፈጥር ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ነቲ ኵነታት ኣመልኪቱ፡ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፈደራል - ምኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን - ብዛዕባ'ቲ ኵነታት መብርሂን ምኽንያትን ክወሃቦ ብደብዳበ ዝሓተተ ኰይኑ፡ ዛጊት ምላሽ ከምዘይተረኽበ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ኵነታት'ዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓደ ክንፊ ህወሓትን እናተቐልዐ ዝመጽእ ዘሎ ዘይምትእምማን ዘርኢ ምዃኑን፡ ናብ ዳግማይ ግጭት ከየምርሕን ዝብል ሻቕሎት ይስማዕ ከምዘሎ ይስማዕ።

እዘን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝተበገሳ ዓበይቲ መኻይን ኣብ ክልተ ሰለስተ ኬላታት ዓፋርን ኣምሓራ - ወልድያን ተዓጊተን ከምዘለዋ እቲ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ማሕበረሰብ ነጋዶን እውን ዓቢይ ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ከባቢ ሰርዶ መይዳ ዝበሃል ናብ ትግራይን ወልድያን ዝርከብ ኬላ ምስ መኪናኡ ተዓጊቱ ዝርከብ (ንድሕነቱ ስሙ ዝዓቀብናዮ) መራሒ መኪና፡ እቲ ዕግታ ዝሓለፈ ቀዳም 16 ግንቦት 2017 [ግ] ከምዝጀመረ ይሕብር። ብሰኑይ ድማ ድሕሪ ገለ ዝርርብ 'ሕለፉ' ተባሂሎም ጕዕዞ ጀሚሮም ምንባሮም ይዛረብ።

"ቀዳም ምሸት እዮም ኣዳይቱ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዓፅዮምና፣ 'ካብ ላዕሊ ትእዛዝ ተዋሂቡና' እዮም ዝብሉ፤ ልቐቝዎም ዝብል ትእዛዝ ክሳብ ዝመፀና ከኣ ተፀበዩ ኢሎምና፡" ኢሉ።

"ክሳብ ሰንበት ውዒለን ሓዲረን፡ ሰኑይ ሰዓት ሸሞንተ ድማ ሰዲዶምና ተበጊስና። ካብኡ ድማ ሰርዶ መይዳ ኣብ ዝበሃል ንመቐለ መገንፀሊ፡ ጠጠው ኣቢሎምና፤ 'ኣይትሓልፋን' ኢሎምና። ሸቐጣ ሸቐጥ ዝፀዓና ብዙሓት ኣይሱዝን ተስሓብትን ጠጠው ኢለን ኣለዋ። ክሳብ ሕዚ ዝተዋህበና ፍታሕ የለን።"

ንሱ፡ ኣብ ኣዳይቱ ጠጠው ዘበሉዎም ፖሊስ ዓፋር ኰይኖም፡ ኣብ ሰርዶ መይዳ ዝዓገቱዎም ድማ ኬላ ፈደራል ስለ ዝዀነ፡ ፈደራል ፖሊስ ከም ዝዀነ ይዛረብ።

ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቲ መዓዕገትቲ ኣብ መስመር ዓፋር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመስመር ክልል ኣምሓራ ወልድያ መስመር'ውን ተዓጽዩ ከም ዘሎን ኣስታት 30 መኻይን ኣብ መንገዲ ተዓጊተን ከም ዘለዋን ይሕብር።

ካብተን ኣብ ወልድያ ተዓጊተን ዘለዋ፡ ኣብ ሰርዶ ዝተኸልከላ ዝርከብአን ኰይነን፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ተጠውየን ክሓልፋ ዝፈተና እየን።

እቶም ኬላታት፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ረድኤትይዅን ዝዀነ ሸቐጣሸቐጥ ከይሓልፍ ዝተኸልከለሉ ብምዃኖም፡ ምስቲ ዘሎ ምትፍናን፡ 'እቲ ኵነታት ናበይ ኰን የምርሕ ይኸውን' ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዘሎ እቶም ቢቢሲ ዘዘራርቦም ሰባት ይገልጹ።

ዳርጋ ኵለን እተን ተሽከርከርት ሕጋውያን ምዃነን ዝገልጽ ሰነድ ከም ዘለወንን ምኽንያት እቲ ክልከላ ከም ዘይተገልጸለንን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ገሊኡ እቲ ጽዕነት ኣሕምልቲን ፍረታትን ብምዃኑ ብቐሊሉ ክበላሾ ተኽእሎ ከም ዘሎ ድማ ይግለጽ። ገለ ካብተን መካይን ካብ ጅቡቲ ዝተበገሳን ዘይትን ሽኮርን ጽዒነን ከምዘለዋ ድማ ይንገር።

ኣብ ሰርዶ መይዳ ዝተኸልከላ መካይን

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰርዶ መይዳ ዝተዓግታ መካይን

እቶም መራሕቲ መካይን፡ ነቶም ፖሊስ ቀሪቦም ከዘራርብዎም ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ንሳቶም ንባዕሎም እውን እቲ ምኽንያት ከም ዘይፈልጡዎ ከም ዝነገሩዎም ይሕብሩ።

እዚ ኵነታት ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩን ናህሪ ዕዳጋ ከየስዕብ ስግኣት ከም ዘሎን ክፍለጥ እንከሎ፡ ጽልዋ ናይዚ ኵነታት ኣብ ዕዳጋታት ትግራይ መብርሂ ንምርካብ ካብ ሰብመዚ እታ ክልል ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኻእለን።

"ንብረት ኣይሓልፍን እንተ ተባሂሉ፡ እቲ ማሕበረሰብ 'ዝዀነ ነገር ኣሎ ማለት እዩ' ኢሉ ናብ ዘየድሊ ጥርጣረታት ይወስዶ ኣሎ፣ እቲ ዝሓለፈ እዩ ዘዘኻኽሮ። ኣብ ዝዀነ ፖለቲካ ዘየሎ ህዝብን ማሕበረሰብ ንግድን ምጕዳእ ግቡእ ኣይኰነን፡" ዝብል ኣብ ትግራይ ዝርከብ ወናኒ መካይን ጽዕነት ዮናስ፡ መንግስቲ ቅልጡፍ ፍታሕ ክህበሉ ጸዊዑ።

"የሹፌሮች ኣንደበት" ብዝብል ዝፍለጥ ገጽ ፈይስቡክ፡ ብዛዕባ እዚ ተጓንፎ ብምስሊ ኣሰንዩ ደጋጊሙ ብምጽሓፍ፡ "እዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ተግባር፡ ብመንጽር ሕግን ሞራልን ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡" ክብል ተቓዊሙ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ክልከላ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብዙሕ ዘዘራርብ ዘሎ ኰይኑ፡ ካብ መንግስቲ ፈደራል ኰነ ካብ ክልል ዓፋር ዝተዋህበ መብርሂ የለን።

ቢቢሲ ካብ ዝመልከቶም ኣካላት መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን፡ ሓይልታት ጸጥታኣን ምስ ሰራዊት ፈደራል ዘሰለፉ ኰይነን፡ እቲ ኲናት ናብተን ክልላት ምስ ለሓመ ድማ በቲ ኵነታት ከምዝተጸልዋ ኣይርሳዕን።