ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ትካላት ንዩክለር ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ - ዛጊት ዝተፈልጠ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነፈርቲ ውግእ ሃገሩ ኣብ ኢራን ኣብ ዝርከብ ሰለስተ ንዩክለሳዊ ቦታታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸማን ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ርኡይ ምዕባለ ከም ዘርኣየን ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ንህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ "ብዙሓት ዒላማታት ተሪፎም ከም ዘለዉ ዘክሩ። ሎሚ ምሸት ካብ ኵሉ ዝኸበደትን ምናልባት'ውን ቀታሊትን እያ ነይራ፡" ኢሉ።

"ሰላም ቀልጢፉ እንተ ዘይመጺኡ ድማ ናብቶም ካልኦት ዒላማታት ብልክዕነት፡ ቅልጣፈን ብቕዓትን ክንቅጽል ኢና።"

ሓደ ካብቶም ዛጊት ዒላማ ዝተገብሩ፡ እቲ ፎርዶ ዝተባህለ ኣብ ርሑቕ ኣኽራን ዝተኸወለ ንንዩክለሳዊ መደባት ኢራን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መማዕበሊ ዩራንየም እዩ።

ኣብቲ መሳለጥያ ዝሰዓበ ጕድኣት ግን ገና ምሉእ ብምሉእ ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ሰበስልጣን እስራኤል፡ ነዚ መጥቃዕትታት ኣብ ምውጣን ምስ ኣመሪካ "ምሉእ ምውህሃድ" ከም ዝነበሮም ይገልጹ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ ብሰኑይ ብዲፕሎማስያዊ መስመራት ኣቢላ ምስ ኢራን ከም ዝተራኸበት ገሊጾም። እቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኵሉ ዝተለሙዎ ምዃኑን መንግስቲ ንምቕያር ከም ዘይሓሰቡን ገሊጾም።

ኢራን ሕነኣ ንምፍዳይ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ወተሃደራዊ መሳለጥያ ኣመሪካ ዒላማ ክትገብር ትኽእል እያ።

ሰበስልጣን ቴህራን ኣቐዲሞም ኣመሪካ ኢዳ እንተ ኣእትያ ንዞባዊ ኲናት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑን መልሰ-ተግባር ክህቡ ምዃኖምን ኣጠንቂቖም ነይሮም።

እቲ ዛጊት ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ተፈሊጡ ዘሎ ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ፤

ብኸመይ እዩ ተጀሚሩ?

እስራኤል ብ13 ሰነ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ንዩክለሳውን ወተሃደራውን ዒላማታት ኢራን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈጺማ።

ቀዳማይ ምኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ንዩክለሳዊ መደባት ኢራን ምፍራስ ምዃኑ ገሊጹ።

ኢራን ግን ንዩክለሳዊ መደባታ ሰላማዊ ምዃኑ ትምጕት።

ከም ኣምሳያኡ ድማ ኢራን ሮኬታትን ድሮናትን ብምልኣኽ ኣብ እስራኤል ደብዳብ ኣካዪዳ።

ክልተአን ሃገራት ካብ ሽዑ ጀሚረን ንሰሙን መመላእታ ሓድሕደን ምጥቕቓዕ ቀጺለን ይርከባ።

ትራምፕ ንነዊሕ እዋን ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትውንን ከም ዝቃወም ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ሓያሎ ሰባት እስራኤል ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ይኣምኑ፣ እስራኤል ግን ክትቀበሎን ክትነጽጐን ኣይትስማዕን።

ኣብ መጋቢት፡ ሓላፊት ስለያ ኣመሪካ ቱልሲ ጋባርድ፡ ኢራን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ዩራንየም ከም ዘለዋ፡ እንተዀነ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይትሰርሕ ገሊጻ ነይራ።

ትራምፕ ግን ነዚ ዘረባ "ጌጋ" እዩ ዝብሎ።

ትራምፕ ኣብ እዋን ጐስጓሱ፡ ዝሓለፉ መራሕቲ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ "መወዳእታ ዘይብሉ ዓሻ ውግኣት" ጀሚሮም ክብል ነቒፉዎም።

ንኣመሪካ ድማ መወዳእታ ኣልቦ ካብ ዝዀኑ ውግኣት ከውጽኣ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመትሉ እዋን፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ዝርርብ ንዩክለር እየ ነይረን።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማራ ኢራን ናብ ዘተ ክትኣቱ ክልተ ሰሙን ክህባ ምዃኑ ገሊጹ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ገደብ ግዜ ኣዝዩ ሓጺሩ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣበይ ደብዲባን እንታይ ኣጽዋር ተጠቒማን

ኣመሪካ ንሰለስተ ንዩክለሳዊ ቦታታት - ኣብ ፎርዶ፡ ናታንዝን እስፋሃንን ከም ዝሃረመት ትገልጽ።

ፎርዶ ካብ ቴህራን ንደቡብ ኣብ ዝርከብ ኣኽራን ተሓቢኡ ዝርከብ ኰይኑ፡ ካብቲ ንዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዘራኽብ መትረብ ታንለር ዝዓሞቐ ትሕቲ መሬት ምዃኑ ይእመን።

ፎርዶ ኣብ ትሕቲ መሬት ብምህላዉ እስራኤል ብመንገዲ ዘለዋ ኣጽዋር ክትሃርሞ ኣጸጊሙዋ ጸኒሑ።

ኣመሪካ ግን በቲ "ባንከር ባስተር" ዝበሃል ቦምባኣ ገይራ ክትሃርሞ ከም እትኽእል ክግለጽ ቀንዩ።

እቲ ኣመሪካ ዘፍረየቶ ቦምባ GBU-57 Massive Ordnance Penetrator (MOP) ይበሃል። 13,000 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኰይኑ፡ ቅድሚ ምፍንጃሩ ኣስታት 18 ሜትሮ ኮንክሪት ወይ 61 ሜትሮ መሬት ሰርሲሩ ክኣቱ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።

ገለርያ ፎርዶ ካብ 80 ሜትሮ ክሳብ 90 ሜትሮ ትሕቲ መሬት ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝግመት።

ስለዚ፡ እቲ ኣመሪካ ዘለዋ ቦምባ ክበጽሖ ከም ዝኽእል ውሕስነት የለን።

ዛጊት ዝሓሸ ዘሎ ባምባ ግን ንሱ እዩ።

ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ኣብዚ ሕጂ ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ኤም.ኦ.ፒ ከም ዝተጠቕሙን ክልተ ዒላማታት ከም ዝተሃርሙን ይገልጹ።

መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ኢራን እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ?

መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ትካላት ንዩክለር እንታይ ዓይነት ጕድኣት ወይ ክሳራታት ከም ዘውረደ ዛጊት ዝተነጸረ የሎን።

ምክትል ፖለቲካዊ ዳይረክተር መንግስታዊ ፈነወ ኢራን ሓሰን ኣበዲኒ፡ ኢራን ነዞም ሰለስተ ንዩክለሳዊ ቦታታት "ቅድሚ ቍሩብ ግዜ" ከም ዘግዓዘቶም ገሊጹ።

ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኢራን "እቲ ንብረት ኣቐዲሙ ስለ ዝወጽአ ጕድኣት ከም ዘይበጽሓ፡" ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ "እቲ ምምዕባል ንዩክለሳዊ መሳለጥያታት ምሉእ ብምሉእን ፍጹምን ተደምሲሱ፡" ኢሉ።

ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ ጉዳያት ዝነበረ ማርክ ክሚት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ኣብ ዘረባኡ ኣዝዩ ጥንቁቕ ነይሩ።

"ጠቕሊሉ ከም ዝዓነወ ዝሕብር መንገዲ የሎን፡" ኢሉ።

ኢራን ምስ እስራኤል ዝገበረቶ ናይ መወዳእታ ዙርያ ውግእ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 200 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 1,200 ድማ ከም ዝቘሰሉን ገሊጻ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እስራኤል ድሕሪ'ቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ንዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ሓይሊ ጸጥታኣ ትውስኽ ኣላ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ጸጥታ ንምጥንኻር ኣብ ምሉእ ሃገር ገደባት ተነቢሩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ሓድሽ ክልከላ ንጥፈታት ትምህርቲ፡ ኣኼባታትን ቦታታት ስራሕን ዝእግድ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ እዩ።

ኢራን ብኸመይ ሕነ ክትፈዲ ትኽእል?

ኢራን ክሳዕ ሕጂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መደበራታ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሊባኖስ (ሕዝቦላህ)፡ ኣብ ሶርያን ኣብ ቓዛን (ሓማስ) ዝርከቡ ወከልታ ኣቐዲሞም ስለ ዝተወቕዑ ኣዝያ ከም ዝተዳኸመት ክኢላታት ይገልጹ።

እንተዀነ፡ ኢራን ሕጂ'ውን ዓቢይ ዕንወት ከተውርድ ዓቕሚ ኣለዋ።

ሰበስልጣን ኢራን ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ከይትኣቱ ብምጥንቃቕ፡ ኢዳ እንተ ኣእትያ ግን ከቢድ ጕድኣት ከም ዝወርዳን ኣብቲ ዞባ ምሉእ ኲናት ንምጅማር ሓደጋ ከም ዝገጥማን ገሊጾም።

ሕነኣ ንምፍዳይ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ መደበራት ኣመሪካ ዒላማ ክትገብር ምዃና ኣፈራሪሓ።

ኣመሪካ ኣብ ባሕሬን፡ ግብጺ፡ ዒራቕ፡ ዮርዳኖስ፡ ኩዌት፡ ቀጠር፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓዊሱ ብውሕዱ ኣብ 19 ዞባታት ማእከላይ ምብራቕ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣለዋ።

ሓደ ካብቶም ኣውራ ዒላማታት ኢራን ክኸውን ዝኽእል እቲ ኣብ ባሕሬን ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ንወሽመጥ ፋርስ ምስ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘራኽብን 30% ቀረብ ነዳዲ ዓለም ብእኡ ኣቢሉ ዝመሓላለፍን ብመጻብቦ ሕርሙዝ ዝፍለጥ ወሳኒ መስመር መራኽብ ዒላማ ክትገብር ትኽእል እያ።

ንዕዳጋታት ዓለም ምርግጋእ ዝፈጥር መስመራት ባሕሪ'ውን ከተጥቅዕ ተኽእሎታት ኣሎ።

ንኣመሪካ ይሕግዛ ኣለዋ ንዝበለተን ኣብ ጥቓኣ ዝርከባ ሃገራት'ውን ዒላማ ክትገብረን ትኽእል እያ። እቲ ኲናት ናብ መላእ እቲ ዞባ ክዝርጋሕ ድማ ይኽእል እዩ።

ትራምፕ ንኣመሪካ ናብ ኲናት ንኸእትዋ ካብ ኮንግረስ ፍቓድ የድልዮ ድዩ?

ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃገር ብወግዒ ኲናት ናይ ምእዋጅ በይናዊ ስልጣን የብሉን።

ኮንግረስ - ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሰኔትን ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ - ጥራሕ እዮም ዝኽእሉ።

እቲ ሕጊ ግን ፕረዚደንት ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ምዃኑ'ውን ይገልጽ።

እዚ ማለት ድማ ወተሃደራት ኣመሪካ ከዋፍርን ወተሃደራዊ ስርሒታት ብዘይ ወግዓዊ ኣዋጅ ኲናት ከካይድ ይኽእል ማለት እዩ።

ንኣብነት፡ ትራምፕ ኣብ 2017 ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣሳድ መጥቃዕቲ ኣየር ንምክያድ ዝወሰዶ ውሳነ ካብ ኮንግረስ ፍቓድ ዘድልዮ ኣይነበረን።

ትራምፕ ሃገራዊ ድሕነትን ሰብኣዊ ምኽንያታትን ብምጥቃስ በይናዊ ስጕምቲ ወሲዱ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ካብ ክልተኡ ሰልፍታት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ክትፍጽም ናይ ምእዛዝ ስልጣን ትራምፕ ክድርቱ ፈቲኖም እዮም።

ኣብ ኮንግረስ ውሳነ ሓይልታት ኲናት ንምሕላፍ ይሰርሑ ኣለዉ።

ቅድሚ ወግዓዊ ድምጺ ምሃብ ሰሙናት ክወስድ ይኽእል እዩ፡ እዚ ጻዕርታት እዚ ድማ ብቐንዱ ምሳልያዊ እዩ።