እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ናብ መጥቃዕቲ እስራኤል እንተ ተጸምቢራ 'ሲኦል' ክፍጠር'ዩ - ኢራን
ኣመሪካ ናብ መጥቃዕቲ እስራኤል ምጽንባራ "ንምሉእ እቲ ናብ ዞባ ሲኦል" ከም ዝቕይሮ ምኽትል ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ስዒድ ካቲብዛደህ፡ እዚ "ኲናት ኣመሪካ ኣይኰነን" ኢሉ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ጕዳይ እንተ ተሳቲፉ ድማ ወትሩ "ናብ ዘይምልከቶ ኲናት ዝኣተወ ፕረዚደንት" ተባሂሉ ክዝከር'ዩ ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ተሳትፎ ኣመሪካ ነቲ ግጭት ናብ "ዓዘቕቲ" ክቕይሮ፡ መጥቃዕቲ ክቕጽልን ምቍራጽ "ኣረሜናዊ ግፍዕታት" ከም ዘደናጕዮን ገሊጹ።
ትማሊ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝርከብ ሆስፒታል ሶሮካ፡ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን ድሕሪ ምውቃዑ እዩ፡ እቲ ሚኒስተር ነዚ ርእይቶ ዝሃበ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ንዝርከብ ወተሃደራዊ ቦታ እምበር ነቲ መሳለጥያ ዒላማ ዝገበረ ከም ዘይኰነ ጸብጺበን።
ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል ኣብ ልዕሊ ማእከል ሕክምና ሶሮካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 71 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ነቲ "ዘይንጡፍ" ሪኣክተር ከቢድ ማይ ኣራክን መሳለጥያ ናታንዝን ሓዊሱ ንኒዩክለራዊ ቦታታት ኢራን ዒላማ ከም ዝገበረ ገሊጹ።
ቴህራን ብዛዕባ ኣብ ኢራን ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝወረደ ጕድኣት ሓድሽ ሓበሬታ ኣይሃበትን።
እዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ኣብ ወሳኒ እዋን እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ብሓሙስ ዋይት ሃውስ ኣመሪካ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ብቐጥታ ኣብቲ ግጭት ክትሳተፍ ድያ ኣይክትሳተፍን ክውስን ምዃኑ ገሊጹ።
ካቲብዛደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብርግጽ ዲፕሎማሲ ቀዳማይ ኣማራጺ'ዩ" ኢሉ።
ደብዳብ ቦምባታት እናቐጸለ እንከሎ ግን "ዝዀነ ዘተ ክንጅምር ኣይንኽእልን ኢና" ኢሉ።
ንሱ ብተደጋጋሚ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ "ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ርእሰ ምክልኻል" ብምባል "ኣብ ማእከል ዲፕሎማሲ ኢና ነይርና" ይብል።
ብ13 ሰነ እስራኤል ኣብ ኒዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን መጥቃዕቲ ብምፍጻማ ሓያሎ ላዕለዎት ጀነራላትን ተመራመርቲ ኒዩክሌርን ቀቲላ።
እቲ ምክትል ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ነቲ ግጭት "ምኽኒት ዘይብሉን" "ዘየድልን" ኢሉዎ።
ኢራን ስምምዕ ኑክሌር እንተትቕበል ነይራ እቲ ግጭት ክተርፍ ይኽእል ነይሩ ዝብል ተደጋጋሚ ርእይቶ ትራምፕ ምላሽ ዝሃበሉ ካቲብዛደህ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ነቲ ዘተ "ክሳብ እትዕንቅፎ" ይዘራረቡ ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
"ኣብ ማስካት፡ ሻድሻይ ዙርያ ኒዩክለሳዊ ዝርርብ ክንገብር መደብ ነይሩና፡ ብሓቂ ድማ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣብ ኣፍደገ ኢና ነይርና፡" ኢሉ።
"ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣብ ኣፍደገ ከም ዝነበርና ካብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ ይፈልጥ'ዩ።"
ብተወሳኺ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ጽሑፋትን ቃለ-መጠይቓትን "ዘደናግርን ዝጋጮን" ጽሑፍን ቃለ መሕትትን እዩ ብምባል ነቒፉ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራቅቺን ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ብተደጋጋሚ ብተሌፎን ከም ዝተዘራረቡን እዚ ድማ ነቲ ቅልውላው ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑን ሮይተርስ ሓቢሩ።
ነቲ ማዕከን ዜና ቃሎም ዝሃቡን ብሰንኪ ተነቃፊነት ናይቲ ጕዳይ መንነቶም ከይግለጽ ዝሓተቱን ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ከም ዝገለጽዎ፡ ኣራክቺ፡ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ደው እንተዘይኣቢላቶ ቴህራን ናብ ዘተ ከም ዘይትምለስ ገሊጹ'ዩ።
እስራኤል፡ ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወይ ንኒዩክለራዊ ቦምብ ክውዕል ዝኽእል ዝሃብተመ ዕቝር ዩራንየም ናብ "ኣጽዋር ንምቕያር ስጕምቲ ወሲዳ" ክትብል ከሲሳ።
ኢራን ወትሩ ኑክሌሳዊ መደባታ ምሉእ ብምሉእ ሰላማዊ ምዃኑ ትገልጽ።
ብዓርቢ፡ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት (IAEA) ኢራን ክሳብ 60 ሚእታዊት ጽሩይ ዝሃብተመ እኹል ዩራንየም ኣዋህሊላ እያ ብምባል ኒዩክለሳዊ ቦምባታት ክትሰርሕ ከምእትኽእል ገሊጹ።
ካቲብዛደ ነዚ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "እዚ ዕሽነት'ዩ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ኣብ ግምት ወይ ሃቐነ ዝተመርኮሰ ኲናት ክትጅምር ኣይትኽእልን ኢኻ። ኒዩክለሳዊ ቦምባ ክህልወና እንተንደሊ ቅድሚ ሕጂ ምሃለወና ነይሩ።
"ኢራን ንሰላማዊ ኒዩክለሳዊ ንጥፈታት፡ ናብ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምቕያር ዝዀነ መደብ ኣማዕቢላ ኣይትፈልጥን፡" ኢሉ።
ሓላፊ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ፡ ትካላት ኒዩክለር "ንሰባትን ንከባብን ክጐድኡ ስለ ዝኽእሉ፡ ብዝዀነ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ፈጺሙ መጥቃዕቲ ክፍጸም የብሉን፡" ይብል።
ካቲብዛደ ድሕሪ ኣብ ካናዳ ዝተኻየደ ዋዕላ ጕጅለ 7 ክህልው ኣብ ዝኽእሉ ዲፕሎማስያዊ ኣገባባት እውን ተዘራሪቦም።
ንሱ፡ "ካብ ኤውሮጳውያን ንሰምዖ ዘለና፡ ብደረጃ ሚኒስተራት ናብ ዲፕሎማሲ ክምለሱ ከም ዝደልዩ'ዩ። ኣብ ጀነቫ ኣኼባ ክገብሩ እዮም፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢዶም ዘለዉ ጕዳያት ሒዞም ናብ መኣዲ ዘተ ክመጹ ምግዳዶም ኣዚና ሕጕሳት ኢና።"