ጀርመን፡ ንዓመታት ንብዓልቲ ቤቱ ብምድንዛዝ፡ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻምን ብምቕራጽን ዝተኸሰሰ ውልቀሰብ ተፈሪዱ

ተኸሳሲ ፈርናንዶ ፒ ኣብ ጀርመን ከተማ ኣቸን ዝርከብ ቤት ፍርዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተኸሳሲ ፈርናንዶ ፒ ኣብ ጀርመን ከተማ ኣቸን ዝርከብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ

ኣብ ጀርመን ከተማ ኣቸን ዝርከብ ቤትፍርዲ፡ ሓደ ውልቀሰብ ንብዓልቲ ቤቱ ብተደጋጋሚ ብመድሃኒት ብምድንዛዝን ብምዕማጽን፡ ነቲ ተግባራት ብቪድዮ ብምስኣል፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ኢንተርነት ብምልጣፉ፡ ንሸሞንተ ዓመትን ፈረቓን ክእሰር ፈሪድዎ።

እቲ ብሕግታት ብሕታዊነት ጀርመን ፈርናንዶ ፒ ጥራይ ተባሂሉ ዝተገለጸ ሰብኣይ፡ ብኸቢድ ዓመጽ፡ ከቢድ ኣካላዊ ጕድኣትን ምጥሓስ ውልቃዊ ብሕትውናን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

እቲ ቤትፍርዲ፡ እቲ መበቈሉ ስጳኛዊ ዝዀነ ወዲ 61 ዓመት ሰብኣይ፡ ካብ 2018 ክሳዕ 2024 ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ገዝኦም ንብዓልቲ ቤቱ ብምድንዛዝን ብምዕማጽን ገበነኛ ኰይኑ ረኺብዎ።

ወሃቢት-ቃል እቲ ቤትፍርዲ ካታሪና ኤፈርት፡ እቲ ሰብኣይ ነቲ ግህሰት ብስእሊ ከም ዝቐድሖን ኣብ ኢንተርነት ከም ዝጠቅዖን ገሊጻ።

"ናይዞም ተግባራት ቪድዮታት ኣብ ናይ ቻት ጕጅለታትን ናይ ኢንተርነት መድረኻትን ሰቒሉ፡ ካልኦት ተጠቀምቲ ከም ዝርእይዎ ገይሩ፡" ትብል።

መብዛሕትኡ መስርሕ ፍርዲ፡ መንነት ብዓልቲ ቤቱ ንምሕላው ብዝብል ብዕጹው ተኻይዱ።

ጠበቓኣ ኒኮል ሰርቫቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እታ ግዳይ ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ፡ "ክትምስክር፡ ስምዒታታን ንዅሉ ዘጋጠማ ነገራትን ክትገልጽ ክኢላ እያ፡" ኢላ።

እቲ ብይን ግን ነቲ ዝበጽሓ ነገር ዝኽሕስ ከም ዘይኰነ ገሊጻ። "ንነገራት ንምጽዋር ግን ቍሩብ ክሕግዝ ይኽእል'ዩ።"

እቲ ውሳነ ክሳዕ ሕጂ ይግባይ ክበሃል ይከኣል።

ማዕከናት ዜና ጀርመን፡ እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፈረንሳ ንዶሚኒክ ፔሊኮት ዝምልከት ጉዳይ ኣብ ፈረንሳ ዘጋጠመ ክስተት ተመሳሳልነት ከም ዘለዎ ይገልጻ።

ጂዘል ፔሊኮት ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ብዓል-ቤታ ነበር ዶሚኒክ መደንዘዚ መድሃኒት እናሃበን ብኢንተርነት ዝመልመሎም ዓሰርተታት ደቂ ተባዕትዮ ናብ ገዛ እናዓደመን ኣእምሮኣ ኣብ ዝሰሓተትሉ እዋን ኣብ ዓራታ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ገይሩ።

ዶሚኒክ ፔሊኮት ንዅሉ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክስታት ማለት ንብዓልቲ-ቤቱ ነበር ብመድሃኒታት ምድንዛዝን ምዕማጽን ከምኡ'ውን ዓሰርተታት ደቂ ተባዕትዮ ብምምልማል ክትዕመጽ ምግባሩ ተኣሚኑ'ዩ።

ቤትጽሕፈት ፈደራላዊ ፖሊስ ገበን ጀርመን፡ ቢኬኤ፡ ግዳያት ብመድሃኒት ምድንዛዝ ጾታዊ ዓመጽን "ዳርጋ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ እየን" ይብል።

ከምዚ ዓይነት ገበናት፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓዳር፡ ፍቕራዊ ዕርክነት፡ ስድራቤት ወይ ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ሰባት ዘሎ ናይ ምትእምማን ዝምድና ብምምዝማዝ እዩ ዝፍጸም፡" ይብል።