ኬንያ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ብሪጣንያ ዘቕረበቶ ዝርዝር ክስታት ጾታዊ ዓመጽ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ባይቶ ኬንያ፡ ወተሃደራት ብሪጣንያ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝስልጥኑሉ እዋን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብርሰት ከባቢን ፈጺሞም ክብል ከሲሱ።
እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ጥቓ ወተሃደራዊ መደበራት ታዕሊም ኣብ ዝርከባ ምምሕዳራት ላይኪፒያን ሳምቡሩን ካብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ዝተረኽበ ዘሕዝን ምስክርነት ብዝርዝር ሒዙ ኣሎ።
እቶም ወተሃደራት፡ እቲ ባይቶ ምስ ዘካይዶ ዝነበረ መርመራ ምትሕብባር ብምእባዮም ካብ ተሓታትነት ብምህዳሞም ይኽሰሱ።
ኣብ ኬንያ ዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ዓባይ ብሪጣንያ ብሸነኹ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብቲ ዝቐረበ መደምደምታታት እቲ ጸብጻብ ዘይምንጽብራቑ ከም ዘሕዝኖ ብምግላጽ፡ ነቲ ክስታት "መርትዖ ምስ ቀረበ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ስልጣንና፡" ንምጽራይ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ወተሃደራት ኢንግሊዝ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣሃዱ መሰልጠኒ ሰራዊት እንግሊዝ (ባቱክ) ክስልጥኑ እኳ እንተጸንሑ፡ ህላወኦም ግን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ከካትዕ ጸኒሑ'ዩ፤ ወተሃደራት ብጕለድት ስነ-ምግባርን ግህሰት መሰላትን ይኽሰሱ።
ኣብ ዓመት፡ ልዕሊ 1000 ወተሃደራት ኬንያ ስልጠና እንግሊዝ ክወስዱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ዓባይ ብሪጣንያ ንልምምድ ናብ ኬንያ ይለኣኹ።
ኮሚቴ ምክልኻል ባይቶ ኬንያ፡ ሚኒስተራት ስለያን ጕዳያት ወጻእን ብሓባር ድሕሪ ዘካየዱዎ ክልተ ዓመት ዝወደሰ መርመራ፡ 94 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ክወጽእ እንከሎ፡ ባቱክ ብቐጻሊ ጥሕሰት ስነ-ምግባር፡ ምግሃስ መሰላትን ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ብዝበጽሐ ጕድኣትን ስክፍታታት ዕዮን ከሲሱ።
እቲ ፓነል፡ ካብ ግዳያት፡ ሲቪላት፡ መራሕቲ ማሕበረሰብ፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን መንግስታዊ ትካላትን ብጽሑፍን ቃልን ዝቐረበ ርእይቶታት ከም ዝኣከበ ሓቢሩ።
እቲ ጸብጻብ ኣብ እዋን መርመራ፡ ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ፡ ወተሃደራት ባቱክ ብዘሳተፈ ህዝባዊ ባእስን ሓደጋታት ትራፊክን ሓዊሱ ቅትለት፡ መጥቃዕትን ምጕዳል ኣካላትን ከም ዘማረሩ ይሕብር።
ብተወሳኺ ባቱክ "ከም መሻርኽቲ ልምዓት ዘይኰነስ ከም ጐበጣዊ ህላወ እናተራእየ ይመጽእ ከም ዘሎን፡ ግዳያት ዝበጽሖም በደላት መግዛእታዊ በደላት የመሳስሉ፡" ከም ዝነበሩን ይገልጽ።
ካብቶም ዝኸፍኡ ተርእዮታት፡ ኣብ 2012 ዝተፈጸመ ቅትለት ኣግነስ ዋንጂሩ ኰይኑ፡ ሬሳ እታ ግዳይ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ማእከላይ ዕርዲ ከተማ ናንዩኪ ኣብ ዝርከብ ታንከር ማይ ሓደ ሆቴል ታንኪ ተረኺቡ።
ኣግነስ፡ ሓደ ምሸት ምስ ወተሃደራት እንግሊዝ ከም ዘሕለፈት ይግለጽ።
እቲ ፓነል፡ ኣብዚ ጕዳይ "ፍትሒ ብምድንጓዩ ዘይዕግበት ከም ዝተፈጥረ፡" ገሊጹ።
"መስርሕ መርመራ - ኣባላት ባቱክ'ዮም ብዝተባህሉ - ዘይግቡእ ምትእትታውን ዕንቅፋትን ከም ዘጋጠሞ፡ እዚ ድማ ኣብ መስርሕ ፍትሒ ዕንቅፋት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ብቕትለት ዋንጂሩ ዝተኸሰሰ ወተሃደር ብሪጣንያ ነበር፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትእዛዝ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወን ሕጂ ድማ ናብ ኬንያ ተመሓላሊፉ ክወሃብ ትጽቢት ይግበር።
ንሱ ግን፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ፤ ጠበቓታቱ ድማ ነቲ ኣሕሊፍካ ምሃብ ንምቅዋም ከም ዝተዳለው ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካልእ ክሲ ድማ፡ ኣብ 2012 ዝተፈጸመ "ዘይሕጋዊ ቅትለት" ጓሳ ቲላም ለረሽ እዩ። እዚ ብሓደ ሳጅን ባቱክ ከም ዝተፈጸመ ክግለጽ እንከሎ፡ "ክሳብ ሕጂ ኣብ ኬንያ ይኹን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ማእሰርቲ ወይ ክሲ ኣይተፈጸመን።"
ዓባይ ብሪጣንያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ወተሃደር እንግሊዝ ብጥይት ለረሽ ምማቱ ከም ዝሓዘነት እኳ እንተገለጸት፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ጥቅምቲ ንኮሚተ ፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን ኣኽበርቲ ሕጊ ብሪጣንያ ክሲ ንምቕራብ እኹል መርትዖ ከም ዘየለ ከም ዝደምደሙ ኣመልኪቱ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ክመጽእ ዝኽእል ዝዀነ ሓድሽ መርትዖ ዳግም ኣብ ግምት ንምእታው ድልዊ ምዃና ገሊጻ።
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ "ብወተሃደራት ባቱክ ዝርብሽ ዝንባለታት ጾታዊ ጕድለት ስነ-ምግባር" ከም ዝተፈጸመ ብምጥቃስ፡ ካብ ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓኑ ሰባት ዘቕረቡዎም ጥርዓናት ብሰበስልጣን እቲ ከባቢ ከም ዝተቛረጹ ወይ ብጌጋ ከም ዝተታሕዙ ከም ዝገለጹን፡ "ብዙሓት ግዳያት ፍትሒ ከይረኽቡ ከም ዝተኸልከሉን፡" ገሊጹ።
ብወተሃደራት ባቱክ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበረሰባት ሳምቡሩን ማሳይን ዝተፈጸመ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ዘርኢ "ኣገዳሲ መርትዖ" ከም ዘሎ ድማ ጠቒሱ።
"ብወተሃደራት ባቱክ ዝፍጸሙ ጕዳያት ዓመጽን ጾታዊ ዓመጽን ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ኣይረኸቡን፡ ግዳያት ድማ ፍትሒ ኣይረኸቡን።"
እቲ ጸብጻብ ግዳያት ዝሃቡዎ ምስክርነት ዝሰነደ ኰይኑ፡ ወተሃደራት እንግሊዝ ንደቂ ኣንስትዮ እቲ ከባቢ ብኸመይ ከም ዝሃድኑወን፡ ዕንጸይቲ፡ ማይ፡ ወይ ጥሪት እናጓሰያ እንከለዋ ከም ዘጥቅዑወን ብዝርዝር ዝገልጽ እዩ።
ኣብ 1997 ኣብ ኣርቸርስ ፖስት ዘጋጠመ "30 ደቂ ኣንስትዮ ብካራ ብምፍርራሕ ብጕጅለ ተዓሚጸን፤ ገሊአን ድማ ኣብ ውሽጢ ገዛአን፡" ብምዕማጽ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ጠቒሱ።
ባቱክ፡ "ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን ከም ዘይጻወር፡" ብምግላጽ ከምዚ ዓይነት ክስታት ድማ ኣዝዩ ብዕቱብ ከም ዝወስዶ ሓቢሩ።
መሰኻኽር ብተወሳኺ፡ ወተሃደራት ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ከተማን ጥራይ ነብሶም ምውጻእ ሓዊሱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ስኽራን፡ ስርዓት ኣልቦ ባህርያትን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ዓመጽ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ዝመልኦ ተግባራትን ዘጠቓልል ኣጋጣሚታት ከም ዝተራእዩ ገሊጾም።
እቲ መርመራ ብዘይካ ዓመጽን መጥቃዕትን፡ጕዳያት "ኣቦ ዘይብሎም" ህጻናት'ውን ሰኒዱ።
"ዓሰርተታት ህጻናት ካብ ወተሃደራት እንግሊዝ ተወሊዶም'ዮም፤ ንሳቶም -እቶም ወተሃደራት- ድማ ናብ ዓዶም ተመሊሶም። ደቀን በይነን ዘዕብያ ኣደታት ጸለመን ፋይናንሳዊ ጸገምን ኣጋጢሙወን ኣሎ፡" ይብል።
ምኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ፡ ኣብ እዋን መርመራ ንዝተላዕሉ ጕዳያት ምላሽ ከም ዝሃበን፡ "ነቲ ዝተላዕለ ስክፍታታት ንምፍታሕ ዝተወስደ ስጕምትታት ከም ዘሎን፡" ገሊጹ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ኮሚተ ዝረኸቦም ሓደስቲ ክስታት፡" ንምጽራይ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።
"ኣብ ኬንያ ምስ ዘሎ ወተሃደራትና ብዝተኣሳሰር ዝተፈጥሩ ጸገማት ኣዝዩ የሕዝነና፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







