ንጂዘል ፔሊኮት ካብ ዝዓመጹ 50 ሰባት፡ በዓልቤታ ዝርከቦም ተኸሰስቲ ገበነኛታት ተባሂሎም

ፔሊኮት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዳያኑ ፈረንሳ ኣብ ከተማ ኣቪንዮን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 72 ዓመት ሰበይቲ ንዝተፈጸመ ጃምላዊ ጾታዊ ግህሰት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ 51 ደቂ ተባዕትዮ ፈሪዶም።

በዓል ቤት ጂዘል ፔሊኮት ነበር ዶሚኒክ ፔሊኮት ብኸቢድ ዓመጽ ገበነኛ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ንበዓልቲ ቤት ሓደ ካብቶም ተሓባበርቲ ተኸሰስቲ ጂን ፒየር ዝዀነት ማሬቻል ሲልያ ብኸቢድ ዓመጽ፡ዘይጭዋዊ ስእሊ ጓሉ ካሮሊን ኣንስቲ ደቁ ዝዀና ኣውሮርን ሴሊንን ብምውሳድን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ዣን-ፒየር ማሬቻል'ውን ክፍረድ እንከሎ፡ ብፈተነ ዓመጽ በዓልቲ ቤቱን ብኸቢድ ጾታዊ ዓመጽን ከምኡ'ውን ብመድሃኒት ክትድንዝዝ ብምግባር ገበነኛ ተባሂሉ።

እዚ ወዲ 63 ዓመት ሰብኣይ ቅድም ኢሉ፡ ንዶሚኒክ ፔሊኮት ተኸቲሉ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ንገዛእ በዓልቲ ቤቱ ብመድሃኒት ብምድንዛዝ ከም ዝዓመጻን ዶሚኒክ'ውን ክዕምጻ ከም ዝዓደሞን ተኣሚኑ።

ካብ'ቲ እዋን'ቲ ንደሓር እቲ ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ዝገበሮ ነገራት "ኣሰቃቒ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ዓማጺ'የ ነይረ፤ ሕጂ ግን ኣይኰንኩን" ክብል ተኣሚኑ።

ዶምኒክ ፔሊኮት ማእሰርቲ 20 ዓመት ክፍረድ እንከሎ፡ ዣን-ፒየር ማሬቻል ማእሰርቲ 12 ዓመት ተፈሪዱ። ዓቀብቲ ሕጊ ማሬቻል ማእሰርቲ 17 ዓመታት ሓቲቶም ነይሮም።

ክሪስቲያን ሌስኮል፡ ስሪል ዴልቪልን ፍሎሪያን ሮካን'ውን ብኸቢድ ዓመጽ ገበነኛታት ተባሂሎም።

ወዲ 30 ዓመት ቻርሊ ኣርቦ'ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ገበነኛ ተባሂሉ።

ጃክስ ኩቦ ብኸቢድ ዓመጽ ገበነኛ ክበሃል እንከሎ፡ ኒኮላስ ፍራንኮይስ ብኸቢድ ዓመጽን ምስሊ ግህሰት ህጻናት ብምሓዝን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ሳይመን መከነስ፡ ቴሪ ፓሪሲስ፡ ፓትሪስ ኒኮል ዝበሃሉ ውልቀሰባት ዝርከቡዎም 49 ካልኦት ተኸሰስቲ'ውን ብኸቢድ ጾታዊ ዓመጽ ገበነኛታት ተባሂሎም ኣለው።

እቶም ተኸሰስቲ፡ ካብ ሓሙሽተ ዓመት 13 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተፈሪዶም ኣለው።

ጂዘል ፔሊኮት እንታይ'ዩ ኣጋጢሙዋ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጂዘል ፔሊኮት ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት በዓል ቤታ ነበር ዶሚኒክ መደንዘዚ መድሓኒት እናሃበን ብኢንተርነት ዝመልመሎም ዓሰርተታት ደቂ ተባዕትዮ ናብ ገዛ እናዓደመን ኣእምሮኣ ኣብ ዝሰሓተትሉ እዋን ኣብ ዓራታ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ገይሩ።

መንነታ ክግለጽን መስርሕ ፍርዳ ወግዓዊ ክኸውንን ዝኸኣለ ድማ ብናይ ባዕላ ፍቓድ'ዩ።

በዓል ገዝኣ ነበር ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ እኳ እንተተኣመነ፡ መብዛሕትኦም እቶም ካልኦት ኣብ ፍርዲ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ግን እቲ ዝፈጸምዎ ተግባር፡ 'ጾታዊ ግህሰት ኣይኰነን' ክብሉ ይኽሕዱ።

ኵሎም እቶም ዝተኸሰሱ ሰባት ካብ ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ 20 ዓመት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ክወሃቦም ኣኽበርቲ ሕጊ ይሓቱ።

እዚ ድማ ብኸቢድ ዓመጽ ንዝተኸሰሰ ዝወሃብ ዝለዓለ ፍርዲ እዩ።

ሓደ ነቲ ክሲ ዝኣመነ ካብ መንጎ ተኸሰስቲ፡ ነቲ ፍርዲ ህዉኽን "ብልሹውን" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ጐስጐስቲ፡ እዚ ጉዳይ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝግበር ኣብ ሕጊ ዓመጽ ፈረንሳ ምምሕያሽ ምግባር ከም ዘድሊ ዘረጋግጽ እዩ ይብሉ።

ዶሚኒክ ፔሊኮት ካብ 2011 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ንበዓልቲ ቤቱ ብዘይ ኣፍልጦኣ መድሃኒታትን መደቀሲ ከኒናታትን እናጠሓነ ሓቢኡ ናብ እትወስዶ መግበን መስተን ይውስኸላ ነይሩ።

ሽዑ ጂዘል ፔሊኮት ብሰንኪ እቲ መድሃኒት ኣእምሮኣ ትስሕትን ዝኽሪታታ ይጠፍኡን።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሓደ ሱፐርማርኬት፡ ብትሕቲ ሓጺር ቀምሽ ደቂ ኣንስትዮ ስእሊ እናሰኣለ ዝረኣዮ ሓደ ዋርድያ ንፖሊስ ጸዊዑ ኣትሒዝዎ።

ንሳ ሓደ እዋን ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣዚና ንፋቶ መጻምድቲ ይመስኒ ነይሩ" ኢላ። ግን ከኣ በዓል ቤታ፡ ንሳ ቀልባ ክትስሕት ከላ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ገዝኦም ይዕድም ነይሩ።

ካብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ፡ ዳኛ ሮጀር ኣራታን ኣርባዕተ መሳርሕቱን እቶም ሕጂ ካብ 27 ክሳብ 74 ዓመት ዝዕድሚኦም 50 ደቂ ተባዕትዮ ናብ ገዛ ፔሊኮት ከመይ ይበጽሑ ከም ዝነበሩ ክሰምዑ ጸኒሖም ኣለዉ።

ንጃዘል ፔሊኮት

ምንጪ ስእሊ, CLEMENT MAHOUDEAU/AFP

ተኸሰስቲ መን እዮም?

ዶሚኒክ ፔሊኮት ንኹሉ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክስታት ማለት ንበዓልቲ ቤቱ ነበር ብመድሃኒታት ምድንዛዝን ምዕማጽን ከምኡ'ውን ዓሰርተታት ደቂ ተባዕትዮ ብምምልማል ክትዕመጽ ምግባሩ ተኣሚኑ'ሎ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ዳያኑ እቲ ንኸቢድ ዓመጽ ዝፍረድ ዝለዓለ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክፈርዱሉ ይደልዩ።

"ኣነ ዓማጺ እየ" ክብል ንደያኑ ተዛሪቡ እዩ።

"ንኹሉ ሓቅታት [እቲ ጉዳይ] ኣፍልጦ እህቦ" ዝበለ ዶሚኒክ ንበዓልቲ ቤቱ ነበርን ሰለስተ ደቁን ይቕሬታ ክልምን ተሰሚዑ። ግን ከኣ ተግባራቱ ንስድራቤት ፔሊኮት ዝበታተነ ኰይኑ ኣሎ።

እቶም ካልኦት ተኸሰስቲ ካብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ህይወት ዝመጹ ኮይኖም መብዛሕትኦም ድማ ካብ 50 ኪ.ሜ (30 ማይልስ) ራድየስ ናይቲ ፔሊኮትስ እትነብረሉ ቁሸት ማዛን እዮም።

መጥፋእቲ ሓዊ፣ ሓለውቲ ጸጥታን መራሕቲ ናይ ጽዕነት መካይንን ዝርከብዎም ኰይኖም መብዛሕትኦም ከኣ ቆልዑ ኣለዎም።

ካብቶም 51 እቶም 50 ብኸቢድ ዓመጽን ፈተነ ዓመጽን ዝኽሰሱ እዮም።

ወዲ 63 ዓመት ሮማን ቪ፡ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ናይ 18 ዓመት ማእሰርቲ ይጽበዮ።

ኤችኣይቪ ከም ዘለዎ እናፈለጠ ንጂዘል ፔሊኮት ኣብ ሽዱሽተ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብምዕማጽ ይኽሰስ።

ጠበቓኡ ግን፡ ንዓመታት ሕክምና ክከታተል ስለዝጸንሐ ነቲ ረኽሲ ከሕልፎ ኣይክእልን ክብል ይሙጕት።

ስእላዊ መግለጺ ቤት ፍርዲ

ምንጪ ስእሊ, Benoit PEYRUCQ/AFP

ካልኦት 10 ደቂ ተባዕትዮ ድማ ካብ 15-17 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጽዑ ይኽእሉ እዮም።

ኣኽበርቲ ሕጊ እቶም ካልኦት 38 ሰብኡት ካብ 10-14 ዓመት ክእሰሩ ይሓቱ ኣለዉ።

ኣብ ፈረንሳ ናይ ዓመጽ ማእሰርቲ ብማእከላይ ገምጋም11.1 ዓመት ምዃኑ ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ይሕብር።

ገለ ካብቶም ተኸሰስቲ ብተግባሮም ይቕሬታ ሓቲቶም እኳ እንተኾኑ፡ ካልኦት ብዙሓት ግን ነዚ ኣይገበሩን።

ካብ መንጐኦም ዣን ፒየር ኤም ዝተብሃለ ኣብዚ ሰሙን "ብተግባረይ እሓፍር፡ ፍንፉን እየ" ኢሉ። ጠበቓኡ ድማ እቶም ዳያኑ ነቲ ጣዕስኡ ኣብ ግምት ከእትውዎ ተስፋ ይገብር።

ኣብ ልዕሊ ኩሎም ተኸሰስቲ ዝቐረበ መርትዖ፡ ኣብቲ እዋን ብዶሚኒክ ፔሊኮት ብቪድዮ ዝተቐድሐ ተሰንዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ'ዩ።

ስለዚ ካብቶም ተኸሰስቲ ዋላ ሓደ ሰብ፡ ነቲ ጂዘል ፔሊኮት ኣእምሮኣ ክትስሕት ኣብ ትግበረሉ ዝነበረት እዋን ኣብ መደቂ ክፍላ ኣትዮን ፈጺሞምዎ ዝብል ዝቐረበ ክሲ ክቃወሞ ኣይከኣለን።

ምስ በዓል ቤታ ዝተፋትሐት ጂዘል ፔሊኮት፡ እቶም ሰባት "ከም ባምቡላ እዮም ዝጻወቱኒ ነይሮም" ትብል።

መከላኸሊኦም እቲ ዝፈጸምዎ ተግባር ዓመጽ ዝብል ትርጉም ክወሃቦ የብሉን ዝብል ጥራይ እዩ።

ጂዘል ፔሊኮት ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ተሳቲፋ እያ።

ስማን መንነታን ወግዓዊ ክኸውን ዝወሰደቶ ውሳነ ኣዝዩ ዘይተለምደ ኰይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ግን ጸኒዓ ደው ኢላ'ላ።

"ኩለን ዝተዓመጻ ደቂ ኣንስትዮ፡ ማዳም ፔሊኮት ገይራቶ፡ ኣነ'ውን እኽእል እየ ክብላ እደሊ" ትብል።

ኤልሳ ላቦሬት 'ፌሚኒስት' ተጣባቒት መሰላት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "[ጂዘል ፔሊኮት] እቲ ጉዳይ ካብ ገዛእ ርእሳ ዝዓበየ ክኸውን እያ ወሲና። ንሕና ከም ማሕበረሰብ ንጾታዊ ዓመጽ እንሪአሉ ኣገባብ ዕሩይ ክትገብር" ኢላ።