ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ዝወረደ ዘይሃስስ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሲዳማ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ዝተፈጸመ፡ ኣብ እዋኑ ኣሰንባዲን ኣዛራቢን ዝነበረ ተርእዮ እዩ።
ኣብ ግንቦት 2015 [ኣ.ግ] ጸጋ በላቸው ተጨዊያ። ኣብቲ እዋን ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝዀነ ገበን ክኣ ተፈጺሙ።
ኣብቲ እዋን፡ ንትሸዓተ መዓልቲታት ደሃያ ከይተፈልጠ ክጸንሕ እንከሎ፡ ብ24 ግንቦት 2015 ጸጋ ካብቲ ዝዘረፋ ውልቀሰብ ናጻ ብምውጻእ ናብ ሃዋሳ ተመሊሳ።
ብ15 ግንቦት 2015 ጸጋ በላቸው ካብ ስራሕ ወጺኣ ናብ ውልቃዊ ጉዳያታ ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን “ኣሮጌ መነሃሪያ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ከም ዝተዘረፈት ተገሊጹ ነይሩ።
ቅድሚ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ተጨዊያ ኣብ ዘሕለፈቶም መዓልቲታት ዝምልከት ንፈለማ እዋን ንቢቢሲ ኣዋጊዓ ኣላ።
ንሳ ኣብዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ወጺኣ ኣብ ስደት ትነብር ኣላ።
መዘኻኸሪ፡ እዚ ዛንታ ንኣንበብቲ ክርብሹ ዝኽእሉ ትሕዝቶታት ኣለዎ።


ተጨዊየ ኣብ ጸልማት ገዛ ኣብ ዝተትሓዝክሉ እዋን ኰይነ ናጽነተይ ንምርካብ ዝነበረትኒ ኣማራጺ ሓንቲ መስኰት እያ ነይራ።
እቶም ጨዊዮም ዝወሰዱኒ ሰባት ንኽፈትሑኒ በኽየ ብዙሕ ለሚነዮም፤ ኣይሰምዑንን።
መግቢ ከቕርባለይ ዝመጽኣ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ’ውን እንተዀነ ኵነታተይ ኣየራህረሀንን።
ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ እቶም ዝዘረፉንን ተሓባበርቶምን ካብቲ ክፍሊ ምስ ወጽኡ በታ ንእሽቶ መስኮት ከመዓዱ ጀሚረ።
እታ መግቢ እተቕርበለይ ዝነበረት ሰበይቲ እልይ ምስ በለት ከኣ፡ በታ ጸባብ መስኮት ሾሊኸ ወጺአ።
መጀመርታ ርጋጽ እግረይ ንከይስማዕ ቀስ ኢለ እየ ዝጕዓዝ ነይረ፤ ደሓር ግን ናይ ሞትን ሕየትን ኢለ ሃዲመ።
ሽዑ፡ ርጋጽ እግረይ ዝሰምዓ ሰበይቲ ኣእውየን፤ ነዚ ሰሚዖም ካብ ገዛ ዝወጽኡ ደቂ ተባዕትዮ ኸኣ ክስዕቡኒ ጀሚሮም።
እቲ ቀንዲ ዝዘረፈኒ/ዝጨወየኒ ውልቀሰብ ምስኦም ኣይነበረን።
ካብቲ ቀጽሪ ወጺአ ኣብ ማእከል መገዲ ምስ በጻሕኩ፡ ሰባት ክረድኡኒ ተማሕጺነ። ነዚ ዝሰምዑ ሰባት ክእከቡ ጀሚሮም።
ብጐድነይ ሞተር ይሓልፍ ስለ ዝነበረ ግን ንዕኡ ደው ኣቢለ ክስቀል ምስ በልኩ፡ ካብቶም ዝስዕቡኒ ዝነበሩ እቲ ሓደ ነቲ ሞተር ደው ኣቢሉዎ።
ኣነ ወዲቐ።
ተስፋ ግን ኣይቈረጽኩን፤ እግሪ እቶም ኣውያተይ ሰሚዖም ዝተኣከቡ ሰባት ሒዘ ክምሕጸኖም ጀሚረ።
መለለዪ መንነተ ስራሐይ ኣውጺአ፡ “ሰራሕተኛ መንግስቲ’የ፤ ዘይፈልጦም ሰባት እዮም ጨውዮም ኣምጺኦምኒ። በጃኹም ሓግዙኒ” ኢለ ተማሕጺነዮም።
ዓበይቲ ሰባት፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ተኣኪቦም ነይሮም።
ገሊኦም፡ “ዋላ ሓደ ኣይጐድኣክን’ዩ፤ ኣጆኺ” ኢሎም ኣተባቢዖምኒ።
እቲ ዝነበርኩሉ ኵነታት ኣቓልቦ ሰባት እናሰሓበ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ግን እቲ ቀንዲ ዝዘረፈኒ ውልቀሰብ መጺኡ።
ነቶም ክሕግዙኒ ዝበሉ ሰባት መለለዪ መንነት ፖሊስ እናርኣየ ከዘራርቦም ጀሚሩ።
እዚ ድማ እቶም ዝተኣከቡ ሰባት ሓሳቦም ክቕይሩ ደሪኹ።
“ኣፍቃሪቱ’ዶ ኣይኰንክን? ስለምንታይ ንሰባት ተሸግሪ?” ኢሎምኒ።
ክሕግዙኒ እዮም ዝበልኩዎም ሰባት ምስኡ ተሓባቢሮም፡ ተሰኪሞም ናብቲ ዝሃደምኩሉ ገዛ መሊሶምኒ።

ብዙሕ ሰብ’ዩ ነይሩ፤ ግን ምሕጽንታይ ሰማዒ ኣይረኸበን።
ክዝርፉኒ እንከለው’ውን፡ እቲ ዝዘረፈኒ ሰብን ተሓባበርቱን ኣንጻረይ’ዮም ነይሮም።
15 ግንቦት 2015 [ኣ.ግ]፡ ካብቲ ዝሰርሓሉ ባንክ ዳሽን ጨንፈር ሃዋሳ ኣምስየ’የ ወጺአ።
ከምቲ ዝተለምደ፡ ተኻርየ ናብ ዝነብረሉ ገዛ ብታክሲ ክኸይድ ናብ ሓደ መኪና ኣትየ።
ኣብታ ዝተሳፈርኩላ ታክሲ ዝነበሩ ሰባት ብምሉኦም እቶም ክጨውዩኒ ዝመጽኡ ምዃኖም ፈጺመ ኣይፈልጥን ነይረ።
ናብ ታክሲ እትው ምስ በልኩ፡ ሓደ ሰብ ተቐላጢፉ ኣትዩ ኣብ ጐድነይ ኰፍ በለ።
ክሳብ ነቲ ኣብ ጐድነይ ኰፍ ዝበለ ሰብ ኣብ ድሕሪት ካልእ ጥርሑ ወንበር ከም ዘሎ ንምምልካት ናብ ድሕሪት ገጸይ ክሳብ ዘዝውር፡ ኣብታ ታክሲ ዝነበሩ ሰባት ሰብነቶም ኣዝዩ ዝደልደለ ምዃኑ ኣይተገንዘብኩን ነይረ።
“ክወርድ” ምስ በልኩ ብየማንን ጸጋምን ዝነበሩ ሰባት ክሳደይን ኢደይን ሓሊዀም ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ንኸይገብር ኣጠንቐቑኒ።
ሽዑ፡ ክሰርቁ ዝመጽኡ ስለ ዝመሰለኒ፡ ቦርሳይ ውሰድዎ ይብሎም ነይረ።
እታ መኪና ክትንቀሳቐስ ምስ ጀመረት ካብ መንጐኦም እቲ ሓደ፡ “ስለምንታይ ኢኺ ንመሓዛና ዘይተዛርብዮ” ይብለኒ።
“መን’ዩ ንሱ?” እብሎም።
“ንዮኋላመብራት ኣየዛርብን ኢልክዮ።”
የኋላመብራት ወልደማርያም፡ መዓርግ ዋና ሳጅን ዘለዎ ዓጃቢ ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ ነበር እዩ።
ኣብቲ ዝሰርሓሉ ባንክ ተገልጋሊ ኰይኑ ይመጽእ ዝነበረ የኋላመብራት፡ “ከዛርበኪ ይደሊ እየ፤ ንራኸብ” እናበለ የሸግረኒ፤ ኣብ ዝኣትወሉን ዝወጽኣሉን ሰዓት ይጽበየኒ፤ ተሌፎን እናቐያየረ ይድውል ነይሩ።
ብመሳርሕተይ ኣቢሉ ፈኸራታት ዝበዝሖ መልእኽቲታት ይሰደለይ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ምዝራፍ ክበጽሕ’ዩ ዝብል ግምት ግን ኣይነበረንን።
እታ ዝተሰቐልኩዋ መኪና ካብ ከተማ ሃዋሳ ወጺኣ ናብ ገጠር ከባቢ ክትጕዓዝ ምስ ጀመረት ስግኣተይ ሓፍ ኢሉ።
ናበይ ከም ዝኸይድ፡ እንታይ ከም ዝገብሩኒ ኣይፈልጥን ነይረ።
ኣብ ትሕቲ ዘይፈልጦም ሰባት ኰይነ ኵሉ ነገር ጸልሚቱኒ’ዩ ዝነበረ።
እታ መኪና ኣብ ሓደ ጫካ ምስ በጽሐት ተሓቢኡ ዝጸንሐ የኋላመብራት መጺኡ ኣብ ጐድነይ ኰፍ ይብል።
ሽዑ፡ ብናተይ ምሕጽንታ ጥራይ ተዋሒጣ ዝነበረት መኪና ናይ መርዓ ደርፊ ተኸፊቱ ክጭደረላ ጀሚሩ።
ሽዑ፡ “ተዘሪፈ ግዲ’የ?” ኢለ ሓሲበ።
ደሓር ከም ዝተረድኣኒ እውን እቲ ጕዳይ ከምኡ’ዩ ነይሩ።
ብዙሕ ምስ ተጓዓዝና ኣብ ሓደ ገጠር ከባቢ ምስ በጻሕና ንዕኡ ጋቢ ሂቦም፡ ንዓይ ገጸይ ብነጸላ ሸፊኖምዎ።
ካብታ መኪና ወሪድና ናብ ገዛኡ ክንኣቱ እንከለና፡ ሰባት ብዕልልታ ተቐቢሎምዎ።
የኋላመብራት፡ ሽጕጥ ኣውጹኢ ናብ ሰማይ ክትኵስ ጀሚሩ።
ኵሉ ነገር መርዓ’ዩ ዝመስል ነይሩ።
ሰብ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ ይጭድር ነይሩ፤ ኣነ ይበከሚ፡ ይልምን . . . ዝሰምዓኒ ግን ኣይነበረን።

እቲ ኵነታት ምሩኽ ሒዙ ናይ ዝመጽአ ጅግና እዩ ዝመስል ነይሩ።
ደሓር፡ ኵራዝ ጥራይ ናብ ዝበርሃሉ ጸልማት ክፍሊ ኣእቲዮምኒ።
ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ዝኣረገ ዓራት ነይሩ። ሕጂ እቲ ክፍሊ ክሓስቦ እንከለኹ መቓብር’ዩ ዝመስለኒ።
ምሉእ ለይቲ እናበኸኹ፡ እናጸለኹ ኣሕሊፈዮ።
ንጽባሒቱ፡ እቲ ቀንዲ ዘራፊ የኋላመብራትን ተሓባበርቱን ኣብ ኣፍደገ ኰይኖም ይጽውዑኒ።
“ድሕሪ ሕጂ በዓልቲ ቤት የኋላመብራት ኢኺ፤ ሽማግለታት ኣዳሊና ኢና። ናብ ቤተሰብኪ ቴሌፎን ደውሊ። ነቶም ሽማግለታት ክኣ ክቕበሉዎም ኣለዎም” ይብሉኒ።
ከምቲ ዝተበሃልኩዎ ንኽገብር ናብ ስድራይ ተሌፎን ደዊለ።
ስድራይ ከም ዝጠፋእኩ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ስንባደ እዮም ነይሮም።
ኣበይ ከም ዘለኹ ንምፍላጥ ብዙሕ ሕቶታት ይሓቱኒ።
ኣብ መንጐ እቲ ስልኪ ተዓጽዩ፤ ንዓይ ከኣ መሊሶም ናብቲ ጸልማት ክፍሊ የእትውኒ።
ሽዑ’የ በታ ጸባብ መስኰት ክሃድም ዝፈተንኩ። ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን።
ብውልቀ ውሳነኡ በዓልቲ ቤቱ ዝገበረኒ ዘራፊ ግን ናጻ ንምውጻእ ዝገብሮ ዝነበርኩ ፈተነታት፡ ንኽብሩ ዝፈታተን መጥቃዕቲ ገይሩ’ዩ ዝሓስቦ ነይሩ።
እቲ ዝገበርክዎ ፈተነ ኣይተዓወተን፤ ተሰኪሞም ናብቲ ገዛ ክመልሱኒ እንከለው ጓህሪ ዝመሰላ ኣዒንቱ ይርእየን ነይረ።
“ከመይ ኢልኪ ክትሃድሚ ትፍትኒ? . . . ከተዋርድኒ ድዩ? ካብ ኢዱ ጓል ኣንስተይቲ ሃዲማ ከተብልኒ? . . . ዝዀነ ሰብ ካብ ኢደይ ኣይሃድምን” . . . ብተደጋጋሚ ካብ ኣፉ ዝወጽኡ ዝነበሩ ቃላት እዮም።
እቶም ተሰኪሞም ዝመለሱኒ ሰባት ኣብ ሳሎን እንከለው ናብቲ ጸልማት ክፍሊ ሒዙኒ ኣትዩ።
ኣብኡ ኸኣ ተዓሚጸ።
ከቢድ ነይሩ . . . ህልኽ ነይሩዎ . . . ተባዕታይ ምዃኑ ንምምስኻር ይቃለስ ነይሩ፤ ኣነ ኽኣ ዓቕመይ ተፈቲኑ።
ቅድሚኡ ወዲ ኣይፈልጥን፤ ብስርዓት ቤተክርስቲያን ክምርዖ’የ ዝዳሎ ነይረ።
ድሕሪኡ ግን፡ መምስ መሰየ ከጋጥም ንዝኽእል ነገራት እናሓሰብኩ ምሉእ መዓልቲ ክበኪ ይውዕል።
ንሱ ኸኣ መምስ መሰየ ይጋሰሰኒ ነይሩ።
“መግቢ በሊዓ’ዶ? ትጭነቕ ትኸውን’ዶ? ትበኪ እያ ዘላ” ዝብል ርህራሀ የብሉን።
ብተደጋጋሚ ይዕምጸኒ ነይሩ፤ ውነይ ክሳብ ዘጥፍእ ብጭካነ ይዕምጸኒ።
ኣነ ዋላ ሓደ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ስለ ዘይነበረ፡ ንመዓልቲታት ኣብ ከምዚ ኵነታት ኰይነ ኣሕሊፈዮ።
ኣብቲ ገዛ ዝነበረ ኵሉ ሰብ ተሓባቢሩ ጨኪኑለይ፤ የእዊ፡ ረድኤት ይሓትት- ግን ዋላ ሓደ ናተይ ቃንዛ ዝርዳእ ሰብ ኣይነበረን።
ኣብ መንጐ ሰባት ኰይነ ኵሉ ሰብ ጨኪኑለይ።
“ግደፍ” ዝብል፡ “እንታይ የጋጥማ ኣሎ” ኢሉ ዝሓታት ኣይነበረን።
መዓልታዊ ብዙሓት ሰባት’ዮም ናብቲ ገዛ ዝመጽኡ ነይሮም፤ ግን ዋላ ሓደ ብዛዕባይ ኣይተገደሰን።
ወጊሑ ክመሲ እንከሎ ብስግአት ተሸሚመ ዝወጽኣላ መዓልቲ ጥራይ ይጽበ ነይረ።

ሓደ መዓልቲ፡ መግቢ ከተቕርበለይ ንዝመጽአት ቈልዓ፡ “እዚ ቦታ እንታይ ይበሃል?” ኢለ ሓቲተያ።
“ቡርሳ” ትብለኒ።
ድሕሪኡ፡ ከመይ ከም ዝዀነ ኣይፈልጥን ኣብ ጐድነይ ሓደ ዝተረስዐ ቴሌፎን ረኺበ።
በዚ “ቡርሳ” ዝብል መልእኽቲ ናብ ስድራይ ይሰድድ።
እቲ ዝሰደድኩዎ ግን ካብቲ ተሌፎን ኣጥፊአዮ።
ስድራይ ኣብቲ እዋን ነዚ ጕዳይ ትዅረት ዝህብ ሰብ ስኢኖም በይኖም ላዕልን ታሕትን እዮም ዝብሉ ነይሮም።
ሓንቲ መሳርሕተይ ብዛዕባይ ክትሕተት እንከላ፡ “የኋላመብራት ከም ዝወሰደኒ” ስለ ዝተዛረበት እቲ ዝዘረፈኒ ኣባል ፖሊስ ከም ዝዀነ ፈሊጦም ነይሮም።
እዚ ጕዳይ ንዝምልከቶ ኵሉ ከም ዝበጽሕ ገይሮም’ዮም።
ካብ ኢትዮ ቴሌኮም ብዝረኸቡዎ ሓገዝ ኣድራሻ እቲ መልእኽቲ ዝተሰደደሉ ቁጽሪ ቴሌፎን “ቡርሳ” ከም ዝዀነ ፈሊጦም።
እዚ ሓበሬታ ክኣ ናብ ፖሊስ ወሲዶምዎ።
ንጽባሒቱ ምሸት ሰዓት ክልተ [ኣ.ኢትዮጵያ] ፖሊስን ሓወይን ናብ መደብር ቡርሳ መጺኦም።
ክሳብ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ነቲ ዝዘረፈኒ ብኸመይ ከም ዝሕዙዎ ይዘራረቡ ነይሮም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ እናሓተቱ ናብቲ ዝነበርኩሉ ገዛ ክበጽሑ እንከለው ግን፡ ኣነ ይዅን እቲ ዘራፊ ኣብቲ ቦታ ኣይነበርናን።
የኋላመብራት፡ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ከም ዝመጽኡ ሰሚዑ ስለ ዝነበረ ሒዙኒ ጠፊኡ።
ሰብነተይ ቈሲሉ ተዳኺመ እየ ነይረ፤ ግን ነዊሕ መገዲ ብእግርን ሞተርን ንጕዓዝ ነይርና።
ኣብ ውሽጢ እዚ ህሞት እንከለና’ውን ይዕምጸኒ ነይሩ።
ንዓይ ብምስቓይ ናብ ስድራይ ደዊለ “ነቶም ሽማግለታት ተቐበሉዎም፡ ዝበለኩም ግበሩ” ክብሎም እዩ ዝደሊ ነይሩ።
ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ግን፡ ስድራይ እዚ ጕዳይ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣቃሊሖምዎ።
እቲ ጕዳይ ኣዘራራቢ ምስ ኰነ ኸኣ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ የኋላመብራት ጸቕጢ ክገብሩ ደሪኹዎም። ስድራኡ ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ጀሚሮም።
እዚ ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ ስለ ዝፈጠረ፡ ሽማግለታት ተኣኪቦም እቲ ዘረፋ ንክቕበሎ ክሓቱኒ ጀሚሮም።
ምስ ኣበኽዎም፡ “ክንሰደኪ ኢና፤ ናብ ስድራኺ ክትከዲ ኢኺ፤ ድሕሪኡ ግን ብዕርቂ’ዩ ክውዳእ” ብምባል እቲ ጕዳይ ብዕርቂ ከምዝውዳእ ንምርግጋጽ ቓለ መሓላ ንኽፍጽም ይሓቱኒ።
እዚ ስነስርዓት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ክፍጸም ቘጸራ ተታሒዙ እንከሎ ፖሊስ ናብታ ዝተተሓዝኩላ ከተማ ይመጽእ ከም ዘሎ ሓበሬታ በጺሑዎ።
ሽዑ፡ ንዓይ ኣብ ገዛ ገዲፉ ሃዲሙ።
ንጽባሒቱ ድማ፡ ካልኦት ሰባት ገንዘብ ሂቦም ናብ ሃዋሳ ዝኸደሉ መኪና ከትሕዙኒ ጀሚሮም።
ናብ ሃዋሳ ክጽጋዕ እንከለኹ ናብ ስድራይ ዝድውለሉ ተሌፎን’ውን ሂቦምኒ።
ሰብነተይን ኣእምሮይን ተዳኺሙ ስለ ዝነበረ፡ ዝበሉኒ ኵሉ እየ ዝገብር ነይረ።
ስድራይ ይመጽእ ኣለኹ ኢለ ደዊለሎም።
ናብ ሃዋሳ ኣብ ዘእቱ ብሎኮ ክበጽሕ እንከለኹ ጽዑቕ ተፍትሽ ነይሩ።
ብዙሓት መካይን ፖሊስ ነይረን፤ ሰብ ከኣ ካብ መካይን እናወረደ ይፍተሽ ነይሩ።
እታ ዝነበርኩዋ መኪና ደው ኢላ ስለ ዝነበረት ፖሊስ “ንዓኺ እንዲና ንእልሽ ዘለና” ኢሎም ብኽልተ ጐድነይ ከም ገበነኛ ሒዞም ናብ ናይ ፖሊስ መኪና ክወስዱኒ ምስ በሉ፡ “ስድራይ ከይረኸብኩ ኣይኣቱን” ይብሎም።
ብተሌፎን ምስ ስድራይ ኣራኺቦምኒ፤ ናብ መደብር ፖሊስ ከም ዝመጽእ ክኣ ሓቢሮምዎም።
ኣብቲ መደበር ፖሊስ፡ ሰብ መዝን ፖሊስን ተኣኪቦም ካበይ ከም ዝመጻእኩ ይሓቱኒ።
ካበይ ከም ዝተበገስኩ ከም ዘይፈልጥን እናቘራረጽኩ ከም ዝመጻእኩን ይነግሮም።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ “ንሕና ኢና ረኺብናኪ፤ ካብቲ ዝተለቐቕክሉ ቦታ ጀሚሩ ንከታተለኪ ነይርና። ካልእ ዕግርግር ንዘይምፍጣር ናብ ሃዋሳ ክሳብ ትኣትዊ ኢና ንጽበ ነይርና” ይብሉኒ።
ኣነ ግን ኣብ ሰለስተ መነሃሪያ መኪና ክሳብ ዝመልእ እናተጸበኹ እየ ሃዋሳ በጺሐ።
እቲ ናይ መጀመርታ “ዕግርግር ንዘይምፍጣር” እዩ ብዝብል እንተሓሲብናዮ፡ ካብቶም ካልኦት ክልተ መነሃሪያታት ፖሊስ ባዕሎም ሒዞምኒ ክመጽኡ ምኽኣሉ ነይሮም።
እቶም ሓለፍቲ ከምዚ ኢሎም ናብ መዕረፊ ቦታ ምስ ወሰዱኒ ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ሓወይ “ብዝተዋደደ ስርሒት ንዓኣ ሒዝናያ ኣለና፤ ንሱ ግን ናብ ጫካ ኣትዩ” ዝብል ዜና ሰሚዑ።
ኣነ ግን፡ ካብቲ ቦታ ተፋንየ እየ መጺአ።
ደሓር ናብ ሆስፒታል ከይደ መርመራ ተገይሩለይ፤ ድሕሪኡ ፖሊስ ናብ ስድራይ ክሰዱኒ ክሓቶም እንከለኹ ዘይተጸበኹዎ ምላሽ እዮም ሂቦምኒ።
ቃለይ ክህብ ከም ዘለኒ ብምግላጽ ናብቲ መደብር ፖሊስ ወሲዶም ኣብ ሓንቲ ፍርናሽ ዝተነጽፈላ ክፍሊ ኣእቲዮምኒ።
ንኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብኡ ጸኒሐ። ካብቲ ክፍሊ ክወጽእ ኣይፍቀደለይን ነይሩ።
ሽቓቕ ብፖሊስ ተዓጂበ እየ ዝኸይድ ነይረ።
እቲ ዝዘረፈንን ዝዓመጸንን ኣነ ምስ ተፈታሕኩ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ’ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ድማ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ መጋብኣያ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ሃዋሳ ብ16 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ወሲኑ።

ምንጪ ስእሊ, Sidaama Bureau of Justice
እቲ ውሳነ ምስ ተመሓላለፈ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ንምርካብ ኣብ ዝሓተትናሉ ግዜ ግን ኣነ ብዘይፈልጦ ኵነታት እቲ ውሳነ ፍርዲ ከም ዝተመሓየሸ ሰሚዐ።
እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ማእሰርቲ 16 ዓመት፡ ብይግባእ ናብ 10 ዓመት ወሪዱ።
እዚ መዓስን ብኸመይን ከም ዝተመሓየሸ ኣይፈልጥን።
እቲ ውሳነ ክመሓላለፍ እንከሎ ዝሓበረኒ ዓቃቢ ሕጊ’ውን የለን።
ሰብ ሞያ ሕጊ ክኸዱዎ ዝኽእሉ ርሕቐት ከይዶም’ዮም ብዝብል እዩ ነይሩ እቲ ናይ መጀመርታ ውሳነ ዝተቐበልኩዎ።
ብቋንቋ ሕጊ፡ “ተመጣጣኒ መቕጻዕቲ” ዝብል ኣሎ፤ ግን ብዝዀነ መዐቀኒ ኣብ ልዕሊ ግዳይ ንዝበጽሐ በደል ዝመጣጠን መቕጻዕቲ ኣሎ’ዩ ኢለ ኣይኣምንን።
ብዙሕ ሰብ፡ ኣብ እዋን እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፍጸመሉ ግዜ ንዘለዋ ደቓይቕ ጥራይ እዩ ዝሓስብ።
ድሕሪኡ ዝስዕብ ስነ ልቦናዊ ጕድኣት ግን ኣየስተብህለሉን።
ጾታዊ ዓመጽ፡ ጕዳይ ደቓይቕ ዝዀነሉ ምናልባት ነቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣካል እዩ።
ነታ ግዳይ ግን ዕድመ ልክዓ ዝስዕባ ቃንዛ እዩ።
ስነ-ልቦናይ ብዙሕ ተሃስዩ እዩ፤ ክሳብ ሕጂ ሕክምና ይገብር ኣለኹ።
እቲ ዝወረደኒ መጥቃዕቲ፡ ማሕበራዊ ርክባተይ፡ መንፈሳዊ ህይወተይ፡ ንነብሰይ ዘለኒ ኣረኣእያ ኵሉ ጐዲእዎ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ብብኽያት እየ ዘሕልፎ። ስድራይ ብኵነታተይ ተጨኒቘም ስለ ዝነበሩ፡ ካልእ ሻቕሎት ንከይውስኸሎም ተሓቢአ ብዙሕ ከበድቲ መዓልቲታት እየ ዘሕልፍ።
ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ዝነበረት ጸጋ ገዲፈ፡ ድሕሪኡ ቅሩብ ሕይል ዝበለት ጸጋ ንምርካብ ብዙሕ ጽዒረ’የ።
እዚ ኵሉ እንከሎ ግን እቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ከም ዝተመሓየሸ ሰሚዐ።
ፍርዲ ከም ዝተዛብዐን ቅድሚኡ ተኣሲረ ከም ዝነበርኩን ብምግላጽ ክኣ እቲ ጕዳይ ኣብ ቲክቶክ ከም ዝወጽእ ገይረ።

ፖሊስ ሃዋሳ ግን “ሽም እታ ከተማ ተበላሽዊ ኣለኺ፤ ካብ ተግባርኪ ተኣርነቢ” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡለይ።
ኣነ እቲ ዝበጽሓኒ እየ ተዛሪበ።
ብዛዕባ እቲ ዝተዛብዐ ፍትሒ እየ ሓቲተ።
መጠንቀቕታ ስለ ዝተዋህበኒ ንኸይእሰር ክሰግእ ጀሚረ።
ይብዛሕ ይውሓድ ብዝረኸብኩዎ ሕክምና ቅሩብ ሓይሊ ረኺበ ኣለኹ።
ድሕሪ ሕጂ ድምጺ ከማይ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ክኸውን፡ ብዛዕባ ዘለው ሃጓፋት ክዛረብ እየ።
ነዚ ንምግባር ግን፡ ዝረኸብኩዎ ዕድል ተጠቂመ ካብታ ሃገር ወጺአ።
ካብ ሃገር ምስ ወጻእኩ ናብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከይደ። ኣብኡ ስልጠናታት ይወስድን ሓገዝ ይግበረለይን ኣሎ።
እቲ ዝኸበደ ግዜ ሓሊፉ’ዩ፤ ክብርትዕ እየ፤ ኣብነት ሓያል ጓል ኣንስተይቲ ክኸውን እየ።
ድሕሪ ሕጂ፡ ዘለው ጐደሎታት ንምፍታሕ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ክቃለስ እየ።
ተሓላቒት መሰላት ንምዃን ዘኽእሉኒ ስልጠናታት ይወስድ ኣለኹ።
እዚ ክኣ ንነብሰይ ደው ብምባል ጀሚረዮ ኣለኹ። ድሕሪ ሕጂ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝበጽሐ ነገር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋተይ ንኸይበጽሕ ክቃለስ እየ።
*ቢቢሲ ኣብ ጕዳይ ጸጋ ካብ ሃገራ ዝወጽኣትሉ ምኽንያት ካብ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ክልል ሲዳማ መብርሂ ንምርካብ ጻዕሪ ገይሩ’ዩ። እንተዀነ እቲ ቤት ጽሕፈት ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ። ሓላፊኡ ኣቶ ኣለማየሁ ጢሞቲዮስ ኣብቲ እዋን ምስቲ ተግባር ብዝተሓሓዝ ሓበሬታታት ከም ዝሃበ ብምዝኽኻር “ዳግም እንህቦ መብርሂ የለን” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







