ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤልን ሓማስን 'ንቕትለት ደኣ'ምበር ነቲ ግጭት ደው ኣየብሎን'

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ፍልስጤም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብታ ፋልመይቲ መዓልቲ ተዅሲ ደው ዝብለላ ሰለስተ ደቀንስትዮ ወተሃደራት ከም ዝፍትሓ ሓቢሩ። እቶም ኣብ ዶሓ ዝርከቡ መንጎኛታት ከኣ እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስጕምቲ ኣብ ክንዲ ሰንበት፡ሓሙስ ምሸት ኣቐዲሙ ክጅምር ጻዕርታት ይገብሩ ኣለዉ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ክሳዕ ዝውዕል፡ እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ንእስራኤል ምስ ኣጥቅዓ ዝጀመረ ኲናት ገና ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ከባቢ እቲ ተዅሲ ደው ምባል ዝተኣወጀሉ እዋን፡ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 12 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም።

ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ሰዓት ዝካየድ ዝነበረ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ብኣንሶላ ዝተሸፈኑ ሬሳታት ካብ ኣምቡላንስ ተሰኪሞም ብምውጻእ፡ ኣብ ግዳም ናይቲ ሆስፒታል ረቢቦሞ ዘርኢ ቪድዮ ወጺኡ እዩ።

እቲ ተዅሲ ደው ንምባል ነዊሕ ዝተጻዕረሉ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ምብጽሑ ግሉሕ ዲፕሎማስያዊ ዓወት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ብፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ካብ ዝግለጽ ንደሓር፡ ኣብ መኣዲ-ዘተ ተቐሪቡ እዩ ጸኒሑ። ሓማስን እስራኤልን ግን ንምኽንያት መደንጎዪኡ ሓድሕዶም ክወቓቐሱ ጸኒሖም።

ኣብ ቢቢሲ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት፡ ተዅሲ ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ኣብ ዝተበሰረሉ፡ ተቐማጦ ኻን ዩኒስ ቓዛ ዝዀኑ ፍልስጤማውያን ክስዕስዑን ክጭድሩን ኣሳእል ቀሪጾም።

እስራኤል ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ናብ ቓዛ ኣትዮም ብናጻ ክጽብጽቡ ስለ ዘይተፍቅድ፡ ቢቢሲ ኰነ ካልኦት ማዕከናት ዜና ኣብቶም ምዑታት ፍልስጤማውያን ጋዜጠኛታት ተመርኲሰን እየን ሓበሬታ ክምእርራ ጸኒሐን። እዚ ኣብ ዝሓለፈ 15 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ውግኣት ከኣ ብሳላኦም እዩ ዜናዊ ሸፈነ ረኺቡ።

እስራኤል ልዕሊ 200 ፍልስጤማውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ቓዛ ቀቲላ።

ኡም መሓመድ ዝተባህለት ሽማግለ ኣደ፡ በቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ተድላን እፎይታን ከም ዝተሰምዓ ንሓንቲ ካብ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ሓቢራ።

"እቲ ቃንዛ ቅሩብ ሃዲኡ እዩ፣ ዋላ'ኳ ገና እንተሃለወ። ብሓጐስ ክድበስ ድማ ተስፋ ንገብር። እሱራትና ይፈትሑ፣ እቶም ዝተጐድኡ ድማ ይተሓከሙ፤ ሰባት ደኺሞም ኣለዉ።"

ኣብ ቓዛ፡ ካብ ድሕነት ምርካብ ወጻኢ ከብዕሉዎ ዝኽእሉ ምንም የሎን። እስራኤል ብውሕዱ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ክትቀትል ከላ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ድማ ብሰሪ'ቲ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ካብ ቤተ-ንብረቶም ክለቁ ተገዲዶም።

እስራኤል፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ንዝተፈጸመላ መጥቃዕቲ (1200 ሰባት ዝተቐትልሉ) ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ቓዛ ፍጹም ክትዓኑ ገይሩዋ ኣሎ።

ሓደ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና፡ ብሰሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣስታት 50 ሽሕ ዕጡቓትን በርጌስን ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ'ኳ እንተ ሓበረ፡ መጽሔት ሕክምና ላንሰት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየደቶ መጽናዕቲ ግን እዚ ቍጽሪ ኣዝዩ ውሒዱ ከምዘሎ ትገልጽ።

ኣብ ተልኣቪቭ'ውን፡ እቲ ዜና ብስራት ነቶም ኣባላት ስድራቤቶም ጅሆ ዝተታሓዙዎም ኰነ ደገፍቶም ምቍር መርዚ እዩ ኰይኑዎም - ብህይወት ኣለዉ ድዮም የለውን ስለዘይፈልጡ።

ኣብዚ ቀዳማይ መድረኽ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ 33 ደቀንስትዮ፡ ሽማግለታት ሰብኡት፡ ከምኡ'ውን ዝሓመሙን ዝቘሰሉን ኣብ ዝስዕቡ ሽዱሽተ ሰሙናት ክልቀቑ እዮም። ከም ኣምሳያኡ'ውን ኣማኢት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ፍልስጤማውያን ክፍትሑ እኳ እንተዀኑ፡ መጻኢ ናይቶም ዝተረፉ ጅሆ ዝተታሕዙ ግን ስዒቦም ኣብ ዝካየዱ ዘተታት ክምርኰስ እዩ።

ኣብ ካልኣይ መድረኽ፡ እቶም ዝተረፉ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ብዝተቐየዱ ፍልስጤማውያን ንምልውዋጥ፣ ከምኡ'ውን፡ ምውጻእ እስራኤል ካብ ቓዛ ንዝምልከት ካብ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ዘተ ክቕጽል እዩ።

እቲ ኣውራን ገዚፍን ብድሆ ዝኸውን እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከም ዝቐውም ምግባር እዩ። ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብ፡ ድሕሪ 42 መዓልታት ናይ ቀዳማይ መድረኽ እቲ ኲናት ዳግማይ ከይባራዕ ስግኣት ኣለዎም።

ኲናት ቓዛ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ገዚፍ ሳዕቤን ኣለዎ። ከምዚ ብዙሓት ዝሰግኡዎ ናብቲ ዞባ ልሒሙ ሓፈሻዊ ኲናት እኳ እንተ ዘየስዓበ፡ ናብ ጅኦስትራተጅያዊ ናዕቢ ግን ኣምሪሑ እዩ።

ሓማስ ገና ክቃለስ ይኽእል እዩ፤ ከም ቀደሙ ግን ኣይኰነን። ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁን ምኒስተር ምክልኻሉ ነበርን ብዓለምለኻዊ ቤት-ፍርዲ ብገበን ኲናት ተኸሲሶም። ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸመት ብዘቕረበቶ ክሲ፡ ብኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ይምርመር ኣሎ።

ኣብ ሊባኖስ ዝዓስከረ ሕዝቦላህ ኣብቲ ኲናት ኢዱ ብዘእተወ፡ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐርሲሙ። እዚ ድማ ንውድቀት ስርዓት ኣሳድ ኣብ ሶርያ ዘቀላጠፈ ረቋሒ ኰይኑ። ኢራንን እስራኤልን ኣብ ሓድሕደን ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ተለዋዊጠን፤ ንኢራን ከኣ ኣዳኺሙዋ።

የመናውያ ሑቲ፡ ንኣብዝሓ'ቲ ኣብ መንጐ ኤውሮጳን እስያን ብቐይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ መራኽብ ደው ኣቢሎሞ ኣለዉ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ነቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ስዒቡ በይናዊ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስጕምቲ ወሲዶም ኣለዉ። ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ምስ ዝብል ጥራይ መራኽብ ካብ ምጥቃዕ ደው ከም ዘብሉ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

ተዅሲ ደው ምባል፣ ዕድል፡ ፖለቲካዊ ተበግሶን ጽኑዕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪን ኣወሃሂዱ ክቕጽል እዩ፣ ዋላ'ኳ ዘይተርፉ ምትዅታዃት እንተ'ለዉ። ዕድል እንተ ተረኺቡ፡ ንቕትለት ደው ከብሎን ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ኰነ ፍልስጤማውያን እሱራት ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ከኽእል እዩ።

እንተዀነ፡ ድሕሪ ናይ 15 ኣዋርሕ ኲናት ቓዛ፡ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዝጸንሐ ግጭት ከም ቀደሙ መሪርን ዘይፍታሕን ኰይኑ ምቕጻሉ ኣይተርፎን።

ተዅሲ ደው ምባል ነቲ ግጭት መኽተያ ኣይገብረሉን፤ እቲ ክንድ'ዚ ዝኣክል ዕንወትን ሞትን ዘኸተሎ ሳዕቤን ድማ እንተወሓደ ንሓደ ወለዶ በሰላኡ ክሓድገሉ እዩ።