እስራኤልን ሓማስን ኲናት ቓዛ ደው ንምባል ተሰማሚዖም

እስራኤልን ሓማስ፡ ብመንጐኝነት ኣሜሪካ፡ ቐጠርን ግብጽን ነቲ ን 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣዕናዊ ኲናት ቓዛ ደው ንምባል ተሰማሚዖም።

ቀዳማይ ምኒስተር እታ ኣብዚ መስርሕ ሽምግልና ወሳኒ ተራ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር ቐጠር፡ ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣ'ታኒ፡ እቲ ስምምዕ ብካቢነ እስራኤል ምስ ጸደቐ፡ ካብ ሰንበት 19 ጥሪ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብወገኑ፡ " እዚ ስምምዕ ኲናት ቓዛ ደው ዘብል፡ ኣመና ተደላዪ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት ፍልስጤማውያን ክበጽሕን፡ እሱራት ናብ ስድራቤታቶም ክጽንበሩ ዘኽእልን እዩ፡" ኢሉ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ናይ መወዳእታ ዝርዝራት እቲ ውዕል ገና ከምዘይወጸ ጠቒሱ፡ ፕረዚደንት ባይደን ነቲ መስርሕ ኣብ ስምጓም ንዝነበሮ ተራ ኣመስጊኑ።

መራሒ ሓማስ ኸሊል ኣልሃያ፡ እዚ ፍረ ጽንዓት ፍስልጤማውያን እዩ ክብል ተዛሪቡ።

ብዙሓት ፍልስጤማውያንን ስድራቤታት ጅሆ እስራኤላውያንን ነቲ ዜና ይጽንብልዎ'ኳ እንተለዉ፡ ኣብ መሬት ግን ለውጢ ከምዘይተራእየ እዩ ዝግለጽ።

ቐጠር ብመገዲ ቀዳማይ ምኒስተራ ኣቢላ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ድሕሪ ምግላጻ፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ልዕሊ 20 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ትካል ምክልኻል ሲቪል ኣቃሊሑ። እዚ ድማ ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሸኽ ሬድዋን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ዝነብሩ ዝነበሩ 12 ሰባት ከምዘጠቓለሉ እቲ ትካል ይገልጽ። ብዛዕባ'ዚ ካብ ሰራዊት እስራኤል ዝተዋህበ ምላሽ የለን።

እስራኤል፡ ነቲ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝተዋደደ፣ 1200 እስራኤላውያን ዝቐተለን 251 ጅሆ ክውሰዱ ምኽንያት ዝዀነ ስግረ ዶባዊ መጥቃዕቲ ሓማስ 7 ጥቅምቲ 2023 ግብረመልሲ ንምሃብ ወፊራ።

"ሓማስ ንምጥፋእን ጅሆ ዝተታሕዙ ንምፍታሕን" ኢላ ብዝጀመረቶ ወፍሪ፡ ልዕሊ 46,700 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ፣ መብዛሕትኡ ካብቲ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ ተመዛቢሉ፣ ሰፊሕ ዕንወት ወሪዱን ብሰንኩ ንዝተጸገሙ ሰባት ሓገዝ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ብሰንኪ ምዃኑ፡ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳድን መጽለልን ከምዘጋጠመ ጸብጻባት የመልክቱ።

እስራኤል ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ 94 ክሳብ ሕጂ ብሓማስ ተታሒዞም ከምዘለዉን ካብዚኦም እቶም 34 ምማቶም ከምዝግመትን ትገልጽ። ብተወሳኺ ቅድሚ እቲ ኲናት ዝተጨውዩ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ከምዘለዉን ክልተ ካብኣቶም ድማ ከምዝሞቱን ይግለጽ።

ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ሰሙናት ናይዚ ስምምዕ፡ 33 ካብቶም ክሳብ ሕጂ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ዝርከቡ ፍልስጤማውያን እሱራት ምልውዋጥ ክግበር ምዃኑ ምንጪታት ይሕብሩ።

ሓይልታት እስራኤል ካብ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ቓዛ ክስሕቡን ፍልስጤማውያን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ክጅምሩን ክፍቀደሎም እዩ።

ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ እቲ ስምምዕ ድማ እቶም ዝተረፉ ጅሆታት ክፍትሑ፡ ሰራዊት እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ክወጽእን "ዘላቒ ህድኣት" ክመጽእን ትጽቢት ይግበር።

እዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝጅምር ክኸውን እዩ።

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ዳግመ ህንጸት ቓዛ ዝምልከት ኰይኑ- ዓመታት ክወስድ ዝኽእል ነገር - ኣስክሬን ዝተረፉ ጅሆታት ምምላስ'ውን ዘጠቓልል'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2023፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ተገይሩ ምንባሩ ይዝከር።

እንተዀነ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ፈሪሱ'ዩ።

31 ግንቦት 2024 - ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንድፊ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤል-ሓማስ ኣውጺኡ

9 ሕዳር 2024 - ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዘተ፡ ቐጠር ከም ኣሸማጋሊት እትገብሮ ጻዕሪ ስለ ዘቋረጸት፡ ዝርርብ ደው ኢሉ። ሽዑ፡ እስራኤልን ሓማስን ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ መርገጺኦም ክቕይሩ ኣለዎም ትብል ነይራ።

27 ሕዳር - እስራኤል ምስቲ ቀንዲ መሓዛ ሓማስ ዝዀነ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ዝገበረቶ ኲናት ንምቍራጽ ተዅሲ ደው ምባል ተሰማሚዓ። እዚ ኣብ ቓዛ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ንኽመጽእ ተስፋ ፈጢሩ።

28 ሕዳር - ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣመሪካ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምብጻሕ እትገብሮ ጻዕሪ ከተሐድስ እያ ኢሉ

17 ታሕሳስ - ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፍልስጤም እቲ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ኣብ "ወሳኒን ናይ መወዳእታን ምዕራፍ" ከም ዝበጽሐ ክገልጽ እንከሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ድማ ስምምዕ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ከም ዝቐረበ ገሊጹ። ድሕሪ መዓልታት ቢቢሲ እቲ ውዕል 90 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐ ሓበሬታ በጺሑዎ።

4 ጥሪ - ኣብ ቐጠር ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ተዅሲ ደው ምባል ዳግማይ ተጀሚሩ

13 ጥሪ - እስራኤልን ሓማስን ኣብ ኣፍደገ ስምምዕ ምቍራጽ ተኹሲ ከም ዝበጽሑ ክግለጽ ጀሚሩ

ካብዚ ስምምዕ እንታይ ትጽቢት ይግበር?

እዚ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ተስፋ ዝህብ እዩ ክኸውን።

ምልውዋጥ ጅሆ ዝተታሕዙን እሱራትን ክርአ'ውን ትጽቢት ይግበር።

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጅሆ ንዝተትሓዙ ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕ በጺሕና ኣለና፤ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክፍትሑ እዮም። የቐንየለይ!" ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኡ ጽሒፉ።

ሓማስ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻም 251 ሰባት ጅሆ ሒዙ።

እስራኤል ካብዚኦም እቶም 60 ጥራይ ብህይወት ከም ዘለዉ እኳ እንተኣመነት፡ ሓማስ ክሳብ ሕጂ 94 ሰባት ጅሆ ሒዙ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ።

እስራኤል 1000 ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ ትጽቢት ይግበር፤ እዚኦም ገሊኦም ድማ ንዓመታት ዝተኣስሩ እዮም።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 46 ሽሕን700 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።

እቲ ዝበዝሐ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ'ውን ተመዛቢሉ፣ ሰፊሕ ዕንወት ኣሎ፤ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፡ ነዳዲ፡ መድሃኒትን መጽለልን እውን ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ብመሰረት ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝገበሮ ምጽራይ፡ ካብቶም ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተታሕዙ 251 ጅሆታት እቶም 94 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ኣለው - እቶም 60 ብህይወት ከም ዘለዉን 34 ከም ዝሞቱን ይግመት።

ኣብ 2014ን 2015ን ጅሆ ዝተታሕዙ ካልኦት 4 እስራኤላውያን ከም ዘለዉን ካብዚኦም እቶም ክልተ ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉን'ውን ይግመት።

ኣስታት 109 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ኣብቲ ካብ 24 - 30 ሕዳር 2023 ዝነበረ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ብዘተ ወይ ብሰብኣዊ ምኽንያት ተፈቲሖም'ዮም።

ሸሞንተ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድሒኖም።

ሰራዊት እስራኤል፡ ኣስከሬን 40 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ቓዛ ረኺቡ እዩ።

እዚ ድማ ብ15 ታሕሳስ 2023 ብጌጋ ብሰራዊት እስራኤል ዝተቐትሉ ሰለስተ ምሩኻት የጠቓልል።