እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤልን ሓማስን፡ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል እንታይ የጠቓልል ይኸውን?
እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ከም ዝተቓረባን ሓድሕደን እሱራት ክለዋወጣ ከም ዝኽእላን ይግለጽ ኣሎ።
እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ መሰረታዊ ነጥብታት ከም ዝተዝተሰማምዓ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ብጽቡቕ እንተ ቀጺሉ ከኣ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ፈጽሚ ክረክብ ትጽቢት ይግበረሉ።
እዚ ስምምዕ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ንእስራኤል ድሕሪ ምጥቃዑ ኣብ ዝሰዓበ 15 ኣዋርሕ፡ ዝዓበየ ነጥበ-መቐይሮ ክኸውን እዩ።
እቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል እንታይ የጠቓልል ይኸውን?
ኣብ ቓዛ ክካየድ ንዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል ዘኽእል ስምምዕ ክኸውን ተስፋ ይግበር። ምልውዋጥ ጅሆ ዝተታሕዙን እሱራትን ክርአ'ውን ትጽቢት ኣሎ።
ሓማስ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ንእስራኤል ኣብ ዘጥቅዓሉ እዋን 251 ሰባት ጅሆ ሒዙ። እስራኤል 60 ሰባት ጥራይ ብህይወት ከም ዘለዉ እኳ እንተ ኣመነት፡ ሓማስ ግን ዛጊት 94 ምሩኻት ሒዙ ኣሎ።
እስራኤል፡ ከም ጅሆ ንዝሓዘቶም ኣስታት 1000 ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሖም ትጽቢት ይግበረላ። ገለ ካብዚኦም ድማ ንዓመታት ዝተኣስሩ እዮም።
እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ብኸመይ ክትግበር እዩ?
እቲ ስምምዕ ወግዓዊ ምስ ኰነ፡ መስርሕ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ሰለስተ መድረኻት ክትግበር ትጽቢት ይግበረሉ። ዝርዝራቱ ገና ይጻፈፍ ስለዘሎ፡ እቲ ስምምዕ ክሳዕ መኽተያ ዝግበረሉ ዝልወጥ ክህልውዎ ይኽእሉ እዮም።
ቀዳማይ መድረኽ
ሓደ ፍልስጤማዊ ብዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ መድረኽ'ዚ፡ 34 በርጌሳውያን ክዀኑ ትጽቢት ዝግበረሎም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ብፍልስጤማውያን እሱራት ክለዋወጡ ምዃኖም ሓቢሩ።
ሰለስተ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንእለቱ ክፍትሑ እንከለዉ፡ ዝተረፈ ምልውዋጥ ድማ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ክካየድ እዩ።
ኣብዚ መድረኽ'ዚ፡ ወተሃደራት እስራኤል'ውን ካብቲ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ቓዛ ከንሳሕቡ ክጅምሩ እዮም።
እቲ ፍልስጤማዊ ብዓል ስልጣን ከም ዝገለጾ፡ ዝርዝር ስምምዕ ካልኣይን ሳልሳይን መድረኽ ተዂሲ ደው ምስበለ ኣብ መበል 16 መዓልታት ክወጽእ እዩ።
ካልኣይ መድረኽ
ኣብዚ መድረኽ'ዚ፡ እቶም ዝተረፉ ጅሆ ዝተታሕዙ ወተሃደራትን ኣባላት ዕቝር ሰራዊትን ክፍትሑ እንከለዉ፡ ከም ኣምሳያኡ ድማ ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን ክልቀቑ እዮም።
ካብቶም እስራኤል ክትፈትሖም ከም ዝተሰማምዐት ዝተገልጹ 1000 ፍልስጤማውያን እሱራት፡ እቶም ኣስታት 190 ን15ን ልዕሊኡን ተፈሪዶም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ እዮም። ሓደ እስራኤል ብዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ብቕትለት ዝተፈርዱ ሰባት ግን ከም ዘይፍትሑ ሓቢሩ።
ኣብዚ መድረኽ'ዚ፡ እስራኤል ነቶም ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ናብ ሰሜናዊ ወገን ክምለሱ ከተፍቅድ እያ።
ዳርጋ ኵሎም 2.3 ሚልዮን ዝበጽሑ ተቐማጦ ቓዛ፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ ካብ ቤተ-ንብረቶም ክወጽኡ ተገዲዶም እዮም።
ሳልሳይ መድረኽ
ሳልሳይን መወዳእታን መድረኽ ዳግመ-ህንጸት ቓዛ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ዓመታት ክወስድ ዝኽእል እዩ።
ሓይልታት እስራኤል ኣብቲ ተዅሲ ደው ዝበለሉ ግዜ'ውን፡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ዝተወሸለ ቦታ ወይ ጸጥታዊ ዞባ ክጸንሑ ምዃኖም እቲ እስራኤላዊ ብዓል ስልጣን ሓቢሩ።
ዘይተመለሱ ሕቶታት ናይቲ ውዕል ኣየኖት እዮም?
እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ሓድሕደን ምትእምማን ስለ ዘይብለን፡ ናብዚ ደረጃ'ዚ ንምብጻሕ ብዘይ ቀጥታዊ መንገዲ ንኣዋርሕ ዘተ ከካይዳ ጸኒሐን።
ሓማስ ጅሆ ዝሓዞም ቅድሚ ምፍትሑ፡ እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ከብቅዕ ይደሊ እኳ እንተ ነበረ፡ ብእስራኤል ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስጕምቲ፡ ንሃዋሁ ኲናት ዝግ ኣቢሉ ናብ ምሉእ ምቝራጽ ከአንፍቶ ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ንሓዋሩ ፈጽሚ ክገብረሉ ድዩ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማ እስራኤል ንወተሃደራውን ምምሕዳራውን ዓቕሚ ሓማስ ንምዕናው እዩ ነይሩ። እስራኤል ንሓማስ ብኸቢድ እኳ እንተ ሃሰየቶ፡ ገና ግን ዓቕሚ ምንቅስቓስን ዳግመ-ውደባን ሓማስ ኣይተጸንቀቐን።
እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ብህይወት ኣለዉ ድዮም መይቶም ብንጹር ዝፍለጥ የሎን። ሓማስ ናይቶም ኣብ ጸብጻብ ዘየለዉ ሃለዋት ይፈልጥ ድዩ ኣይፈልጥን ንጹር ኣይኰነን።
ሓማስ ብወገኑ ገለ እሱራት ክፍትሑ እኳ እንተ ሓተተ፡ እስራኤል ግን ከም ዘይትሰዶም እያ ገሊጻ። እዚ፡ ነቶም ኣብ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ንዝተሳተፉ ከም ዘየጠቓልል ይእመን።
እስራኤል፡ ካብቲ ዝተወሸለ ዞባ ንምውጻእ ክትሰማማዕ ድያ ዝተፈልጠ የሎን።
ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኵሉሳዕ ተነቃፊ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተኻዪዱ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ግዜ ክፈርስ ተራእዩ እዩ።