ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ንዝተገብረ ውዕል ብምቅዋም ስልጣኑ ለቒቑ

ሚኒስተር ምክልኻል ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ፡ ነቲ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘውህብ ውዕል ብምቅዋም ስልጣኑ ለቒቝ።

ሚኒስተር ምክልኻል ዓብዲቀኒ መሓመድ ኣተየ፡ ነቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተፈራረመ ፕረዚደንት ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኣብዲ፡ “ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ስምምዕ ወደብ ንቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብዘይምምኻሩ” ብምውቃስ፡ “ብዛዕባኡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እየ ሰሚዐ” ኢሉ።

ሚኒስተር ዓብዱልቀኒ፡ ኣብታ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ማእከል ክትሃንጸላ ዝደለየት ኣብ ግዝኣት ኣውዳል እትርከብ ከተማ ሉጋያ ኰይኑ እዩ ድምጹ ኣስሚዑ ዘሎ።

እቲ 1 ጥሪ 2024 ኣብ መንጐ መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ መረዳድኢ ሰነድ፡ ነታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ወደብ ዘርክብን ነታ ንርእሳ ካብ ሶማልያ ዝነጸለት ግዝኣት ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ዘኽእልን ከምዝዀነ ተገሊጹ እዩ።

ነቲ ውዕል ዝተቓወመት ሶማልያ ነቲ ተግባር “ትንኮያ” ክትብል ብምግላጽ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኣምባሳደራ ስሒባ።

ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተፈጠረ ወጥሪ ስዒቡ ኢትዮጵያ እውን ኣምባሳደራ ካብ ሶማልያ ከምዝጸወዐት ጸብጻባት ይሕብሩ።

ፕረዚደነት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ "ዝነጽግ" ሕጊ ፈሪሙ ኣጽዲቑ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ "ሎሚ ምሸት፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝኣተውዎ ናይ ምርድዳእ መዘክር ዝነጽግ ሕጊ ፈሪመ ኣለኹ" ኢሉ።

እቲ ውዕል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን እውን ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲታት ክወሃቦ ተሰሚዑ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ሃገሩ ነታ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ውጥሪ ኣትያ ዘላ ሶማልያ ከም እትድግፍ ምግላጹ ይዝከር።

መራሕቲ ሶማልያን ግብጽን ኣብ ዝገበርዎ ናይ ተሌፎን ዝርርብ፡ ኣልሲሲ ሃገሩ “ድሕነትን ምርግጋእን ሶማልያ ንምድጋፍ” ሓገዝ ከም እትገብር ምግላጹ ወሃቢ ቃሉ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣውሮጳ ብግዲኡ ነቲ ስምምዕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ፡ ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን፡ ምኽባር ሓድነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ከነዘኻኽር ንፈቱ ኢሉ።

ኣመሪካን ሊግ ዓረብን ብተመሳሳሊ ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ክኽበር ጸዊዖም።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብወገኑ ድሕሪ እቲ ስምምዕ፡ "እቶም መግለጺታት ከምቲ ዝተጸበናዮ እዮም" ክብል ምስ ሃገራዊ ተሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ተዛሪቡ።

እቲ ኣማኻሪ፡ "ኢትዮጵያ ምስ ዓለምለኻዊ መድረኽ ዘራኽባ ኣፍደገ ባሕሪ እንተረኺባ፡ ብኽልተ እግራ ደው ክትብል እያ ዝብል ስግኣት ኣለዎም" ዝበሎም ኣካላት “ሓዊን ነዳዲን ከቐብሉ” ርኢና ኢሉ።

"ኢትዮጵያ ባዕላ እትቈጻጸሮን እተማዕብሎን ኣፍደገ ባሕሪ ምርካባ ኣብ ጸጥታን ንግዳዊ ንጥፈታትን እታ ሃገር ዓቢ ተራ ከምዝጻወት እሙን'ዩ" ክብል ወሲኹ።

ቅድሚ 23 ዓመታት ካብ ሶማልያ ብምንጻል ንርእሳ ከም ሃገር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ይዅን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።