ጅቡቲ ብዛዕባ ስምምዕ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን እንታይ በለት?

1 ጥሪ ኣብ መንጎ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ኣኸቲሉ ይርከብ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ኣብ 1991 ካብ ሶማል ከምዝተፈለየት ዝኣወጀት እንተኾነ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ካብ ሕቡራት ሃገራት ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይተውሃባ ሶማሊላንድን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ሰነድ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ 20 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ብክራይ [ሊዝ] ክትረከብ ዘኽእል ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብኡ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ መደብ ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

ከም መባድልቲ ከኣ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ከምዝኾነት ምምሕዳር ሶማሊላንድ ይገልጽ።

በዚ ዝተቖጠዐት ሶማል እቲ ስምምዕ ንግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ዝግህስ’ዩ ብምባል ብቅጽበት ኣምባሳደራ ካብ ኢትዮጵያ ስሒባ።

እቲ ስምምዕ ኣቶክሮ ኩለን ጎረባባቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልያን ኪንኡ ሓሊፉ’ውን ንኣመሪካን ኣውሮጳን ዝሰሓበ ክኸውን እንከሎ እታ 95 ሚኢታዊት ቀረባትን 80 ሚኢታዊት ሰደድን ናይ ኢትዮጵያ ዝመሓላለፈላ ጅቡቲ’ውን ድንጉይ ኢላ ግብረ መልሲ ሂባትሉ ኣላ።

ውሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጅቡቲ ዳዉድ ሑማድ ምስ ፈረንሳዊት ማዕከን ዜና ኣርኤፍኣይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ጅቡቲ ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ዲፕሎማስያዊ ታራኣ ከምእትጻወት ገሊጹ።

“ብመጀመርታ ሪፓብሊክ ጅቡቲ በቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ሕማቕ ከምዝተሰማዓ ክገልጽ ይፈቱ፤ ጉዳይ ጸገማት ሶማልን ሶማሊላንድን ብቀንዱ ንሶማልያውያን’ዩ ዝምልከት፤ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ከኣ ክንኣቱ ኣይንደልይን ኢና” ኢሉ።

እቲ ውሃቦ ቃል ብምስዓብ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍትሕን ሰላምን ንኽህሉ ኩሉ ዓለምለኻዊ ሕግታት ክትግበር ከምዘለዎ ከኣ ንኣምን፡ ሪፓብሊክ ጅቡቲ፡ ሶማላውያን ከም ሓደ ስድራ ኮይኖም ነቲ ጸገም ክፈትሕዎ ከምዘለዎም ኢና ክንመክር እንደሊ”

“ንሕና ከም ሕጊ ኢጋድ እቲ ስልጣን ፕረዚደንትነት ኣባና እዩ ዘሎ፡ ከም ኢጋድ ንጸገማት ሱዳን ንምፈታሕን ንምሽምጋልን ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና፡ ሕጂ ከኣ ኣብ መንጎ ሶማልን ሶማሊላንድን ዘሎ ጸጋማት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንምፍትሑ ጅቡቲ ዘለዋ ተመክተሮ ከተካፍል ድልውቲ’ያ ዘላ” ኢሉ።

ጅቡቲ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኢላ ዘቕረበቶ ሓሳብ መንግስቲ ሶማል ዘለዎ ርእይቶ ንምፍላጥ’ኳ ኣንተፈተንና መልሲ ግን ክንረክብ ኣይክኣልናን።

ኣብ ሶማል ተገዳስነት ዘለወን ክሳብ ሕጂ ግን ርእይቶአን ዘይሃባ ሃገራት ብዓል መን’የን፤ ንምንታይ?

ብጀካ እታ ቅጽበታውን ተሪርን መርግጺ ብምውሳድ ኣብ ጎኒ ሶማል ደው ከምእትብል ዝገለጸት ግብጺ፤ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፡ ኣባል ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ንምንታይ’የን ርእይቶአን ዘይሃባ?

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ

እታ ብነዳዲ ኣዝያ ሃፍታም ዝኾነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣትሒዛ ናብቲ ብሃገራት ብራዚል፤ ሩስያ፤ ህንዲ፤ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተመስረት ቁጠባዊ ማሕበር ሃገራት ብሪክስ ተጸንቢራ’ያ።

ሃገራት ብሪክስ ሓሙሽተ ዝነበራ ካብ ጥሪ 2024 ጀሚረን ግብጺ፡ ስዑድ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማት ዓረብ፡ ኢራንን ኢትዮጵያን ምስ ተወሰኸአን ቁጽረን ናብ 10 ክብ ክብል ክኢሉ’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ካብተን ሓደሽቲ ናብ ብሪክስ ዝተጸንበራ ሃገራት ኮይነን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብዚ ስምምዕ ናይ ክፍለ ግዝኣት ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ርእይቶኣ ከይትህብ ክልቲኤን ሃገራት ኣባላት ብሪክስ ምዃነን ጸቕጢ ፈጢርላ ክኽውን ይኽእል’ዩ።

እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ እቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ኢትዮጵያን ምስ ክፍለ ግዝኣት ሶማሊላንድን ዘለዋ ቁጠባዊ ሽርክነት’ዩ።

ክኢላ ዓለምለኻዊ ርክባት ኣሕመድ ዛኪ ፈራሕ “ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እታ እንኮ ወደብ ባርባራ ንምሰራሕ ኣብ ሶማሊላንድ ቁጠባዊ ወፍሪ ዘካየደት ሃገር’ያ፡ ካብዚ ብምብጋስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ክትዘዙ ከምእትኽእል’ዩ ዘርኢ” ይብል።

ኣሕመድ ዛኪ ፈራሕ፤ ሕቡራት ኢማረት ዓረብ ብዛዕባ እዚ ስምምዕ ክትዛረብ እንተኾይና ካብ ንሶማል ንኢትዮጵያ ዘርብሕ ርእይቶ ክትህብ ከምእትኽል’ውን ይገልጽ።

ሶማል ኣባል ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን’ያ

ኢትዮጵያን ሶማልን ክልቲኤን ኣባላት ኢጋድን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃን’የን።

ሶማል ከኣ ብፍሉይ ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚራ ኣባል ናይቲ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓቐፈ ‘ኢስታ ኣፍሪካን ኮሚኒቲ’ ዝተብሃል ማሕበር ሃገራት ኢያ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ብጀካ እታ ኣባል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነት ግብጺ ነቲ ስምምዕ ኣመልኪታ ርእይቶኣ ዝሃበት ሃገር የላን፡ ጅቡቲ ከኣ ሕጂ ልኡምን ማእከላይ መርገጽን ሒዛ ቅልቅል ኢላ ኣላ።

ሚኒስተር ነዳዲ ሶማል ነበርን ሞሓመድ ሙኽታር ኢብራሂም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ናብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ሰምምዕ ምስ መጻኣና፡ ኣብቲ ስምምዕ ‘ኣፍልጦ ከም ሃገር’ ኣብ ዝብል ነጥቢ ሃገራት መርገጺአን ንኸርእያ ምስ ድሌታተን ኣዛሚደን ብዙሕ ዝርእየአኦ ኩርንዓት ኣሎ” ይብል።

ሞሓመድ ሙኽታር ኢብራሂም፡ ሃገራት ውሳንኤን ንኸስምዓ፡ ፖሎቲካዊ ጉዳያት ናይተን ሃገራት፡ ውልቀ ድሌት ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘለዎም ውልቀ ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ትካላት ናይ መንግስቲ ዘለወን ርእይቶ ጸላዊ ከምዝኾነ የብርህ።

“መን ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ሂባ ንምርዳእ መን’ዩ ነቲ ግብረ መልሲ ውሳነ ዝህበሉ ምርዳእ የድሊ’ዩ፡ እዘን ርይቶታተን ዘይሃባ ሃገራት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ይመያየጣ ከምዘለዋ ርዱእ’ዩ ልክዕ ከምቲ ቱርኪ ኣርባዕተ መዓልታት ዶንጉያ ርእይቶኣ ዝሃበት” ይብል ሞሓመድ ሙኽታር ኢብራሂም።

ብኻልእ ሸነኽ ሚኒስተር ጉዳኣት ወጻእን ዓለምለኻዊ ርክባትን ሶማል ሓምሳ ኣደን ሃዶው ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትተ፡ ኢጋድ ነቲ ስምምዕ ተኸቲሉ ንዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪታ ንዋና ጽሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ሕቶ ኣቕሪባ መልሲ ትጽበ ከምዘላ ገሊጹ።