ግብጺ ኣብ ጐኒ እታ ምስ ኢትዮጵያ ትዋጠጥ ዘላ ሶማልያ ምዃና ገሊጻ

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ሃገሩ ነታ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ውጥሪ ኣትያ ዘላ ሶማልያ ከም እትድግፍ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ብሰኑይ፡ ምስታ ካብ ሶማልያ ብምግንጻል ርእሰ ምሕደራ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘኽእላ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝፈረመት ይዝከር።

ንሶማሊላንድ ከም ኣካላ እትወስዳ ሶማልያ፡ ነቲ ክልቲኦም መንግስታት ዝበጽሑዎ ስምምዕ ብምዅናን፡ ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ ሓድነታ ዝተፈጸመ “ምትንዃይ” ብምባል ተቓዊማቶ እያ።

ነዚ ስዒቡ ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ኣምባሳደሩ ንምዝርራብ ከም ዝጸውዐ ይፍለጥ።

እዚ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንወደብን መዓስከር ወተሃደራትን ዝውዕል 20 ኪሎ ሜትር መሬት ክትረክብ ዘኽእላ ኰይኑ፡ ሶማሊላንድ ድማ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብጽሒት ክትወስድን ከም ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትረክብን ምዃና እዩ ዝግለጽ።

ሶማሊላንድ ብ1991 ዓ.ም ነብሳ ካብ ሶማልያ ብምግንጻል ናጻ ሃገር ምዃና እኳ እንተኣወጀት፡ ክሳብ ሕጂ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይተዋህባን።

ምስ ሶማልያዊ መዘንኡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ብቴሌፎን ዝተዘራረበ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ “ግብጺ ኣብ ጐኒ ሶማልያ ደው ንምባል ዘለዋ ጽኑዕ መርገጺ” ከም ዘረጋገጸሉ ወሃቢ ቃል ኣሕመድ ፋሚ ተዛሪቡ።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ ግብጺ “ድሕነትን ምርግጋእን ሶማልያ ንምድጋፍ” ሓገዝ ከም እትገብር ምግላጹን ክልቲኦም መራሕቲ “ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዘለው ምዕባለታት” ከምኡ’ውን ክልትኣዊ ጉዳያት ከም ዝተዘራረቡ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ መሓሙድ፡ ምስ ኣሚር ቀጠር ተሚም ቢን ሓማድ ብቴሌፎን ከም ዝተዘራረበ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ኣብ ዙርያ ክልትኣውን ሓበራውን ድልየታት ከምኡ’ውን ዞባዊ ርክባት ከም ዝተዘራረበ ይግለጽ።

እቲ ስምምዕ ብወገን ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዓቢ ዲፕሎማሲ ዓወት ከምዝዀነ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ስምምዕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ፡ ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን፡ ምኽባር ሓድነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ከነዘኻር ንፈቱ ኢሉ።