ትግራይ፡ 'ዶ/ር ደብረፅዮን ኣኼባ መሪሕነት ህወሓት ረጊፁ ወፂኡ' - ሓቂ ድዩ?

ወሃቢ ቃል ውድብ ህወሓት፡ ብዛዕባ ከዘራርብ ዝቐነየ እዋናዊ ጉዳይ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ ንዘቐረብሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቡ'ሎ።

እቶም ካብ ቢቢሲ ትግርኛ ዝቐረቡ ቀንዲ ሕቶታት፡ ምስ መንግስቲ ፈዴራልን ምስ መንግስቲ ኤርትራን ዝግበሩ ዘለዉ ርክባት ከምኡ'ውን ጉዳይ ሕጋዊ ሰብነት እቲ ውድብን ኵነታት ተመዛበልትን ይርከቡዎም።

ብምኽንያት እቲ ካብ 8 ክሳብ 13 ሕዳር 2018 ዓ/ም ዝተኻየደን ከዘራርብ ዝቐነየን፡ ኣኼባ ማእከላይ ኮሜቴ ህወሓት ኣመልኪቱ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ኣብ ኣፈፃፅማ ወሳነታት መበል 14 ጉባኤን ቀፃሊ ኣንፈትን፡ ኣመልኪቱ ዝርዝር መብርሂ ተዋሂቡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ኣቶ ሚኪአለ ኣስገዶም፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ዓበይቲ መደባት ከምዝተፈፀሙ የመልክት።

"ኣፈፃፅማ ውሳነታት መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ብዝምልከት ማእከላይ ኮሚቴ ውድብና ኣብ ዘካየዶ ገምጋም እቶም ውሳነታት ጉባኤ ከይተጠሓሱ፣ ከይተሸራረፉ ክፍፀሙ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ተገምጊሙ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ፡ ኣካታዒ መበል 14 ጉባኤ፡ እቲ ውድብ ንኽልተ ክምቀል ጠንቂ ዝዀነ ዀይኑ፡ ምክትል ኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ዝርከቦም፡ ኣስታት 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ፡ ዘይተሳተፍሉን፡ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ዝተብሃለን ጉባኤ እዩ።

ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓት ካብ ዝርዝር መዝገብ ሽብር እንተኣለዮ'ኳ፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ ዝነበሮ ትፅቢት ኣወንታዊ ምላሽ ኣይረኸበን፤ ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ ኣይተቐበሎን።

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተደራረርቲ፡ ዛጊድ መልክዑ ቀያይሩ፡ ዘዘራርብ ዘሎ ቀንዲ ጉዳይ ኰይኑ ቀፂሉ ኣሎ፤ ብስም ተመዛበልቲ ዀነ ካልእ ዝለዓል ዘሎ ቀንዲ ሕቶ፡ ሕጋዊ ሰብነት እቲ ውድብ ዘንቀሎ ከምዝዀነ ብዙሓት ይኣምኑ።

ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር "ዕልዋ" ብዝመስል መገዲ፡ መጋቢት ዝሓለፈ ዓመት፡ ብዕጡቓት ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ጀሚሩ፡ ነቲ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ካልኣይ ምዕራፍ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ብሒቱዎ ይርከብ ተባሂሉ'ውን ይንቀፍ።

ምስቶም ብመንግስቲ ፈደራል ዝድገፉ ተባሂሉ ዝንገረሎም፡ ኣብ ኣዋሰንቲ ዓፋር ዝርከቡ ዕጡቓት 'ሓራ መሬት'፡ ድማ ንፈለማ እዋን ናብ ምሉእ ግጭት ኣብ ዝኣተውሉ ኵነታት ዝነበረ ኰይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ብመጥቃዕቲ ድሮን ተሳትፎ ከምዝገበረ ህወሓት ይኸስስ።

ኣብቲ ክልል ሕድሕዳዊ ኲናት ኣንፀላልዩ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን'ዩ፡ ኣኼባ ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት ተኻይዱ ዘሎ ።

ደብረፅዮን ኣኼባ ረጊፁ ወፂኡ ድዩ?

ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ውድብ ሰፋሕቲ ኣፈላላያት ከምዘለዉን፡ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ብሰንኪ ዝቐረቦ ነቐፌታ፡ ኣኼባ ረጊፁ ወፂኡ ዝብሉ ዘረባታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክንዝሑ ቀንዮም። እንተዀነ እቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ዝወፅአ መግለፂ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝበሎ ነገር ኣይነበረን።

ኣቶ ሚኪኤለ፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ ነዚ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ 'ሕሶት እዩ' ብምባል፡ መደባት ካብ ምግምጋም ሓሊፉ ናብ ውልቀ መራሕቲ ዘነጻጸረ ገምጋም ከምዘየለ ይዛረብ።

"እቲ ናይ ማእከላይ ኮሚቴ ኣኼባ ሓደ ኣጀንዳኡ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት መደባት ምግምጋም እዩ ነይሩ። ናብ ምንቕቓፍ ዝሰገረ ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣኼባ ረጊፁ ወፂኡ ዝብል፡ ክናፈስ ዝቐነየ ወረ ሓቃዊ መሰረት ዘይብሉ እዩ " ኢሉ።

እቲ መግለፂ፡ እቲ ብሄራዊ ክሕደት ፈፂሙ ኢሉ ዝኸሶ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ወገን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ውድብ ዘብፀሖ ጉድኣት ኣብ ምዕራይን፡ ዓቕሚ መሪሕነት ኣብ ምጥርናፍን ከምዘሎ'ኳ እንተተገልፀ፡ ካብቶም ካብቲ ውድብ ዝተፈለዩ ላዕለዎት መሪሕነት ፃውዒት ዝተገብረሉ ዀነ ናብቲ ውድብ ዝተመልሰ ኣባል መሪሕነት የለን።

"ዘተ ብሄራዊ ሓድነት፡ ጕጅለ ብሄራዊ ክሕደት ብከባቢያዊነትን ብድሕረትን ሓድነት ህዝብና ንምሽርሻር ዝገበሮ ምንቅስቓስ ክብርዕን ብምግባር ከም ተጋሩ ኣብ ብሄራዊ ረብሓና ክንዓስል ከምዝገበረ፣ ሓድነት ህዝብና ናብ ዝነበሮ ክምለስ ሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ተገምጊሙ እዩ" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል።

ተመዛበልቲ ብዝምልከት

እቶም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ፡ ዝበዝሑ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብግፍዒ ዝተመዛበሉ ሰባት፡ ኣብ ፈቐዶ ዳስን ኣደዳ ቍርን ፀሓይን ኰይኖም ሓምሻይ ዓመቶም ኣሕሊፎም ኣለዉ።

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ እቶም ዕጡቓት ደገ ካብ ዝዀነ ግዝኣት ትግራይ ወፂኦም፡ ተመዛበልቲ ክብሮምን ጥቕሞምን ብዝሓለወ መገዲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ትፅቢት ይግበር ነይሩ።

እንተዀነ፡ ብዅሎም ወገናት እቶም ተደራደርቲ መጣልዒ ፖለቲካ ኰይኖም ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ።

እቲ ጉዳይ ሕድሕዶም ዝካሰስሉ ኰይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ከምቲ ኣብ ፀለምትን ደቡብ ትግራይን ዝተገብረ፡ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝነበረ መደብ ህወሓት ኣተዓናቒፍዎ ክብል ይኸስስ።

መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም፡ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ዕጡቓት፡ መሓውር ምምሕዳርን ሓደስቲ ሰፈርትን፡ ካብቲ ከባቢ ክወፅኡን፡ ምስቶም ተመዛበልቲ ናይ ባዕሉ መሓውር ምምሕዳርን ሚሊሻታትን ከእቱ ይጠልብ።

በቲ ኰይኑ በቲ እቲ ክትዕ ይቕጽል፣ እቶም ተመዛበልቲ ድማ ኣብ ሰንፈላል ይርከቡ።

እዚ ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ትግርኛ፡ 'ዝመረሮም ተመዛበልቲ ብዓርሰ ወነኖም ክምለሱ ይፍትኑ ኣለዉ" ዝብል፡ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ወሃቢ ቃል፡ "እቶም ተመዛበልቲ መሪሩዎም'ዩ ዘሎ ዝብል ትኽክል እዩ፤ ተገዲዶም ዝሓልፍዎ ዘለዉ ናብራ ዝፍለጥ እዩ።

"ናብዚ ኵነታት ዝኣተወሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን፡ ካብዚ ዝኸፍአ ኵነታት ስለዝገጠሞም እዩ፤ ብህይወት ክነብሩ ዘይክእልሉ ኵነታት ስለዝተፈጥረ፡ ተጨፍጪፎም፡ 'ጄኖሳይድ' ተፈፂሙዎ እዩ ተመዛቢሎም፤ ካብ ገዛኡ ገንዘብ ዀነ ሳንጣ ሒዙ ከይመዛበል ተበታቲኑ እዩ ተባሪሩ" ይብል።

"እታ ባይታ ሕዚ'ውን ንሳ እያ ዘላ፡ እቶም ናይዚ ምምዝባል ጠንቂ ዝዀኑ ሰባት ሕዚ'ውን ኣብ ቦታኦም ኣለዉ፤ እዚ ኣብ ዘይተስተኻኸለሉ ኵነታት ይመለሱ ዝብል፡ እዚ ፈሊጦም ክምለሱ ዝደልዩ እንተሃልዮም ናይ ውልቀ ውሳነ እዩ ዝኸውን፣ እቲ ኣብኣ ትፀንሖ ተረዲኡ እዩ ክኸይድ ዝግባእ።"

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ዋና ከተማ ዞባ ምዕራብ ትግራይ [ሑመራ] ብምንቅስቓስ፡ እቶም ተመዛበልቲ ዝምለስሉ ሃዋህው ንምፍጣር፡ ህዝባዊ ዘተታት ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ ሎሚቕነ ግን ኣብቲ ከባቢ ጓስጓስ ኲናት ተባሂሉ ዝንቀፍን ዘዘራርብን ዘሎ ተግባራት ተራእዩ ቀንዩ ነይሩ።

ብፍላይ ተሓጋጋዚ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝዀነ ዝንገረሉ ዶ/ር ዳኛቸው ኣሰፋ፡ ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ፡ ምስቲ 'ተከዘ ዘብ' ብዝብል ዝግለፅ ዘሎ ኣብቲ ከባቢ ዝተወደበ ዕጡቕ ኣምሓራ፡ ከተባብዕ ምርኣዩ ንበዓል ጌታቸው ረዳ ከይተረፈ ተስፋ ዘቝረፀ ይመስል።

እቲ ብእኡ ዝምራሕ ወድብ ስምረት፡ ነዚ ተግባር ብምቅዋም፡ "ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣይንደራደርን" ብዝብል ቴማ፡ "መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ምንቅስቓስ ክእርም ዝገበርናዮ ፃውዒት ዛጊድ ሰማዒ ኣይረኸበን" ዝብል መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።

ዘካትዑ ዘለዉ 'ርክባት'

እቲ ካብ ቦርድ መረፃን ካብ መንግስቲ ፈደራልን፡ ሕጋዊ ሰብነት ኣፍልጦን ስኢኑ ዝርከብ ህወሓት፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ 'ፅምዶ' ብዝብል ኣጀንዳ ስጡም ርክባት ጀሚሩ ከምዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ምስቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈፂሙ ተባሂሉ ዝኽሰስ መንግስቲ ስለምንታይ ርክባት የካይድ አሎ ተባሂሉ ዝንቀፍ ዘሎ ኰይኑ፡ እዚ ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ትግርኛ ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ሚኪአለ ግን ነቲ ክስታት ነፂጉ።

"ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ሕሜት ተነፍዩ እዩ፤ እንተዀነ ብደረጃ ውድብ ኰነ ብደረጃ መንግስቲ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝጀመረ ርክብ የለን፤ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት ግን ተጠናኺሩ ክቕፅል ህወሓት'ውን ዝድግፎ እዩ፤ እዚ ድማ ምስ ከም ዓፋር፣ ኣምሓራን ካልኦት ጐረባብቲ ህዝብታትን ክቕፅል ዘለዎ እዩ" ኢሉ።

ምስ ኣስመራ ኣብ ወጥሪ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝብል ዝካየድ ርክባት ዘይፈልጦን ዘይሕጋውን ከምዝዀነ ዝገልፅ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ምስ ዕጡቓት ፋኖ ብምዃን፡ ንመንግስቲ ፈደራል ንምውቃዕ፡ ልፍንቲ ይፈጥሩ ከምዘለዉ ይኸስስ።

"ምስ ሻዕብያ ዓሪኽካ ንብልፅግና ንምውቃዕ ዝተገብረ ምንቅስቓስ የለን፤ ካበይ እዩ መፂኡ እዚ ነገር? ንሕና ንብል ዘለና ውዕል ፕሪቶርያ ሓቢርና ንተግብራ፤ እሳ እያ ንኽልቲአና ትጠቕመና፡ እታ ብሕታዊት እተራኽበና፡ ገመድ ውዕል ፕሪቶርያ ከይትብተኽ ንስራሕ ኢና ንብል ዘለና፤ እታ ጭላንጭል ብርሃን ክሳዕ ዘላ፤ ንሳ ንፈፅም ኢና ንብል ዘለና"።

ብመሰረት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዛጊድ ሕጋዊ ሰብነት የብልኩምን፡ ክሳብ መዓስ እዩ ብኸምዚ ክቕፅል- መፃኢ ዕጫ እቲ ውድብ እንታይ እዩ - ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ ትግርኛ ድማ ከምዚ ዝብል ምላሽ ሂቡ።

"ብዘይሕጋዊ መገዲ ንህወሓት ኣጊድካ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ትግራይ መረፃ ንምክያድ ድሌት ኣሎ፤ ስምረት ገለ ኢሎም ዘጣየሱ ዘለዉ ነዚ እዩ፤ ግን ከምኡ ክኸውን ኣይኽእልን። ውድብ ህወሓት ዝተሰረዘሉ ንባዕሉ ሕጋዊ መሰርት የብሉን"።

ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈልጥ ንውድብ ህወሓት ከምዝዀነን፡ ብድሌትካ ቀይዲ በተኽ ዝዀነ ኣካይዳ ከምዘይሳኻዕን ገሊፁ።

ንህወሓት ዒላማ ዝግበረሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ነቲ ኣብቲ ክልል ዝተወደበ ሓይሊ ኣጥፊእኻ፡ ህዝቢ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ከምዝዀነ ከሲሱ።