ህወሓትን ዕጡቓት 'ሓራ መሬት'ን ብዛዕባ ግጭትን መጥቃዕቲ ድሮንን እንታይ ይብሉ?

ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዕጡቓት ‘ሓራ መሬት' ን ብረቡዕ ንዘጋጠመ ግጭት ስዒቡ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ነቝጣ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዘካየደ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ናብ 28 ጥቅምቲ 2018 (ግእዝ) ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ደብዳብ ድሮን ከም ዝፈጸመ ይኸስስ።

"እዚ ደብዳብ ድሮን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ዝጥሕስን ነቲ ስምምዕ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘእቱን ተግባር እዩ። ንስቕታ ኣደራደርቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ስዒቡ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይፍጸም ክሕንኵል ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ስምምዕ ብግልጺ ጥሒሱዎ ኣሎ፡" ኢሉ።

እቲ መግለጺ ቀጺሉ፡ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዅሎም ኣፈላላያት ብሰላማዊ ዘተ ክፍትሑን ካብዚ ናይ ጥፍኣት ተግባራቱ ክቝጠብን ደጊሙ ጻውዒት የቕርቡ፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ህወሓት፡ ብሰንኩ: ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓይልታት ትግራይን ነበርትን ጕድኣት በጺሑ ብምባል ከሲሱ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ንሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ሚልካ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዕጡቓት ትግራይ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ።

ቢቢሲ፡ እቲ በጺሑ ዝተባህለ ጕድኣት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።

ብዛዕባ እዚ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ካብ ቢቢሲ ዝተሓተተ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ድማ: ዋላ'ውን ነቲ ክሲ ዘረጋግጽ ወይ ዝኽሕድ መልሲ እንተ ዘይሃበ፡ ‘ንሕና ኣብ ዝመረጽናዮ ግዜ ክንገልጽ ኢና ኢሉ ኣሎ።

ኣዛዚ ናይቶም ኣብ 'ሓራ መሬት ኣለና' ዝብሉ ዝዀነ ብርጋደር ጀነራል ገብረግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ዝሓለፈ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ እዩ ገሊጹ።

እቶም ንሱ ዝመርሖም ዕጡቓት፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ካብ ክልል ዓፋር ወጺኦም ናብ ከባቢታት ትግራይ ብምእታዎም ብዞዕባ'ቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ኵነታት እዅል ሓበሬታ ከም ዘይብሉ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ብርጋደር ጀነራል፡ ናበይ ከባቢታት ትግራይ ከም ዝኣተዉን ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ሰብኣዊ ጕድኣት ከም ዘውረዱን ንዝገልጽ ክስታት ዝምልከት'ውን ሕቶ ቀሪብሉ።

"ንሶም [ሓይልታት ትግራይ] ናብ ዓፋር ክኣትዉ እንከለዉ ኢና ዜርና ናብ ትግራይ ኣቲና። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዓፋር ክንዋጋእ ስለ ዘይብልና፡" ክብል መልሲ ሂቡ።

መዓስ ኢኹም ናብ ትግራይ ኣቲኹም? ንዝብል ሕቶ ግን ጀነራል ገብረግዚኣብሄር መልሲ ክህብ ኣይፈቐደን፣ "እዚ ወተሃደራዊ ምስጥር እዩ፡" ብምባል ዝኣተዉሉ ከባቢታት ምግላጽ ብወተሃደራዊ መንጽር ግቡእ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ተዅሲ ምኽፋቶም ካብ ምስማዕ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ እውን ኣስሚሩ።

"[ብጀነራል ታደሰ ዝእዘዝ ሓይሊ] ናብ ራያ ክመጽእ እንከሎ ግጭት ነይሩ። ናትና ኣብቲ ዶብ ዓፋር እዮም ነይሮም። ናይ ታደሰ ምምጻእ ኣነ'ውን ኣይፈልጥን፤ ካልእ እውን ኣይፈልጥን። . . . ኣብ መወዳእታ ወጋሕታ ኣብቲ ከባቢ ዶብ ኣብ ናይ ዓፋር ቦታታት ኣገደስቲ ቦታታት ስለ ዝነበራ፡ ቀርቂሮም ናብኣ መጺኦም ተዅሲ ከፊቶም።"

ቀጺሉ፡ "ተዂሱ ዝኸፈትዎ ቦታ፡ ኣብ ናይ ዓፋር ቦታ ኣብ ዶብ እዩ። ከጥቅዑ መኲሮም፡ [እቶም ናትና] ተኸላኺሎም ቀልቢሶም ደድሕሪኦም ጸረ-መጥቃዕቲ ገይሮም ዝተወሰነ ቦታ ከይዶም ነይሮም።

"እዚ ኣብቲ ናይ ገረብ-ኣገው እውን በጺሑ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ውግእ ካብኡ ንላዕሊ ክሰፍሕ ስለ ዘይብሉ፡ ተመለሱ ናብቲ ዝነበርክምዋ ኢልናዮም፡ መሊስናዮም። ምስ መለስናዮም ንሶም ድማ ደድሕሬና መጺኦም፡ ዓፋር ወሪዶም፡ ቶምሳ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣትዮም፡" ኢሉ።

"ኣብኡ ኣትዮም ናይ ዓፋር ህዝቢ ኣፈናቒሎም ኣለዉ። ብጣዕሚ ብዙሓት ቀበሌታት ኣፈናቒሎም ኣለዉ። ንሕና እዚ ኸምዚ ዓይነት ናበይ ይመጽእ ከም ዘሎ ምስ ፈለጥና ገሊስና፣ ምስ ኣሕዋትና ክንዋጋእ፡ ዓፋር ኣትዮም ክዳመዩ፡ ምሳና ክዋግኡ ስለ ዘይብሎም ንሶም ናብ ዘይረኽቡና ቦታ ገሊስና ናብ ትግራይ ቦታ ኣቲና ኣለና፡" ክብል ነቲ ኵነታት ገሊጹ።

ብ/ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር (ወዲ ኣንጥሩ)፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ቶምሳ ኣይኣተናን ዝብል መግለጺ እኳ እንተ ሃቡ፡ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ዝዀነ ጀነራል ወልደጊዮርግስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ኣብ ቶምሳ ምስ ህዝቢ ዓፋር ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክመያየጥ ከም ዝተረኣየን "ቶምሳ ኣቲና" ኢሎም ባዕሎም ከም ዝገለጹን ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ግጭት ዘስዓቦ ክሳራ፡ ናይ ተጋሩ ክሳራ ምዃኑ ብምምልካት "ዜና ዓወት ክነግር" ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ እውን ኣመልኪቱ።

ንገዛእ ርእሶም ኣብ 'ሓራ መሬት' ከም ዘለዉ ዝገልጹ ሓይልታት ስለምንታይ ኣብ ክንዲ ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ዓፋር ኰይኖም ይቃለሱ ከም ዘለዉ ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ፡ "ካብ መጀመርያኡ ንሕና ኣብ ትግራይ ውግእ ንምክያድ ትልሚ የብልናን። ምኽንያቱ፡ ንሕና ዝወጻእና ኣብ ትግራይ መንበሪ ኣስኢኖሙና፣ ኣብ ትግራይ ተዛሪብና ክሰምዓና ዝኽእል ሰብ ስኢንና፡ ምዝራብ ሓጥያት ኰይኑ፡ ምዝራብ ድማ ምስዳድን ቤት ማእሰርትን ኰይኑ ጨኒቑና ኢና ወጺእና እምበር፡ ንዋግኦ ጸላኢ ወይ ሓይሊ ኣብ ትግራይ ስለ ዘሎ ኣይኰነን፡" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ወሲኹ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ትግራይ ከም ዝኣተዉ ብምጥቃስ፡ "ኣብ ዓፋር ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ትግራይ እውን ክንቃለስ ኢና፡" ኢሉ።

መንግስቲ ክልል ዓፋር እንታይ ኢሉ ነይሩ

ኣብ ክልል ዓፋር፡ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ መጋለ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወረዳ ቀበሌ ቶንሳ "መጥቃዕቲ ብምፍናው" 15 ኪሎሜትር ጥሒሱ ብምእታው ሽዱሽተ ቍሸታት ተቘጻጺሩ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

መንግስቲ ክልል ዓፋር፡ ብረቡዕ 26 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ጕጅለ ህወሓት" እናበለ ዝጽውዖ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ኣብ ወረዳ መጋለ ዞባ 2 ኣብ ዝርከብ ቀበሌ ቶንሳ፡ "ተዅሲ ከቢድ ኣጽዋር ከፊቱ" ብምባል ምኽሳሱ ይዝከር።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ መጋለ ኣቶ ዓብዱ ሸኽ በራህ ዑስማን፡ ካብ ጐረቤት ክልል ትግራይ ዝተበገሱ ዝበሎም ሓይልታት፡ "ካብ ረቡዕ ንግሆ ጀሚሮም ቦታ ክሕዙ፡" ከም ዝጸንሑ ንቢቢሲ ሓቢሩ እዩ።

መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ነዚ ካብ መንግስቲ ክልል ዓፋር ዝቐረበ ክሲ ነጺጉ።

"እዚ መሰረት ዘይብሉን ዝተረግጸ ወሰን ዓፋር ከም ዘየሎን፡ ብግልባጡ ዝፍጸም ዘሎ ተግባር፡ ንሰላማውን ታሪኻውን ሕውነትን ጕርብትናን ክልቲኡ ህዝብታት ዘይምጥንን ኣብ ቀውዒ እዋን መሪጽካ ህዝቢ ትግራይ ንምጕዳእ ዝተወጠነ ክፍኣትን ምዃኑ ግሁድ እዩ፡" ክብል ብምላሹ ከሲሱ።

ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ ብስም 'ሓራ መሬት' ኣብ ዓፋር ዝርከብ ሓይሊ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተደጋጋሚ፡" ምትንዃይ ክፍጽም ከም ዝጸንሐ ከሲሱ።

"ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ግን ውሽጣዊ ጸገማትና ብልዝብ ንምፍታሕን ንሕውነትን ጕርብትናን ክልተኡ ህዝቢ ክብሪ ብምሃብን፡ እቲ ጸገም ብሰላማዊ መንገድን ዘተን ንምፍታሕ ካብ ዘለዎም ዘይተኣደነ ባህግን፡ ነቲ ኵነታት ካብ ምግላጽ ተቘጢቦም ጸኒሖም እዮም።"

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ነባርን ውሕስን ሰላም ንምስፋን፡ ሕጂ'ውን፡ "ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘለና ርክብ ንምጕልባትን ውዕል ፕሪቶርያ ብዘይውዓል ሕደር ንምፍጻምን ዘለዎ ድልውነት፡" ደጊሙ ከም ዘረጋግጽ ገሊጹ።

እዚ ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን እዩ መንግስቲ ፈደራል ኣብ መዋሰኒ ዓፋርን ትግራይን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ነቝጣ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዘካየደ ዝገልጹ ሓበሬታታት ወጺኦም ዘለዉ።